ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፦ ' ስልጣነ ፍቕሪ' ምህናጽ ትብዓትን ትሑት መሪሕነትን ይሓትት
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዕለት 19 ሰነ ኣብ ካስተል ጋንዶልፎ ኣብ ዘሎ ቍሸት ስቡህ ኣንተ - Laudato Sì village' ፈላሚ ሕታም ዘተ ቅርዓት ስቡሕ ኣንተ ብዝብል ኣርእስቲ ተመሪሑ ኣብ ዝተኻየደ ብዛዕባ ክንክን ናይ ሓባር ቤትና ኣብ ዝመኸረ ናይ ዘተ መድርኽ ኣብ ገለ ካብቶም ሎሚ ንደቂ ሰባት ዘጋጥሞም ዘሎ ኣዝዩ ተኣፋፊ ጉዳያት፡ ማለት ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ኣብ ክብሪ ደቂ ሰባት ዘለዎ ጽልዋን፡ ጥዑይ ዕድመ ምድፋእ፡ ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብን ስፖርትን ዘላቕነት ከባብን ኣብ ዝምልከቱ ቀንዲ ነጥብታት ሰፊሕ ዘተ ከም ዘካየዱ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ እዚ ተበግሶ እዚ ክፍሊ ናይቲ ኣብ ካስተን ጋንዶልፎ ኣብ ዝርከብ ጳጳሳዊ ሕንጻ ዝቖመ ሰፊሕ ተልእኾ ቅርዓት ስቡሕ ኣንተ ኮይኑ፣ እዚ ድማ በቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ 2015 ስቡሕ ኣንተ - Laudato si’ ብዝብል ኣርእስቲ ዝለገስዎ ዓዋዲ መልእኽቲ ተመሪሑ ዝቖመ ማእከል ንውሁድ ስነ ምህዳር እዩ። እቲ ዘተ ካብ እተፈላለያ ሃገራትን ክፍሊ ስነ መጽናዕትታትን ዝመጹ ክኢላታትን መራሕትን ኣኪቡ ስነ - ምግባራዊ መሪሕነት ኣብ ስነ ምህዳር፣ ማሕበራውን ቍጠባውን ለውጢ ብኸመይ ኣበርክቶ ክገብር ከም ዝኽእል ፈልዩ ዝምርምር እውን ምዃኑ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ንተጋባእያን ኣብ መዛዘሚ ዘካየድዎ ዓውደ ጉባኤ ተቐቢሎም ኣብ ዘስሞዎ መደረ፡ “ኣብዛ ሎሚ ዝተበታተነትን ታሪኻዊ ሱሩ ዝረሰዐትን እትመስል ዘላ ዓለም ግብረ ገባዊ መሪሕነት ንምሕዳስን ዳግማይ ንምስኣልን ዝዓለመ መስርሕ ቀዳማይ ስጉምቲ” እንክብሉ ብምግላጽ፡ግሩም ሰብኣውነት - Magnifica humanitas ብዝብል ኣርእስቲ ዝለገስዎ ዓዋዲ መልእኽቲ ዘማዕበሎም ዛዕባታት ኣብ ዘስተንትኑሉ እዋን፡ ኣገዳስነት ዘተ ኣብ ምግጣም እዋናዊ ብድሆታት ኣገዳስን ወሳንን ምዃኑ ደጊሞም ብምርግጋጽ፡ “ንሓባራዊ ረብሓን ንኹሉ ክቡር ህይወት ንምድንፋዕን ሓደስቲ መንገድታት ንምልላይ ንጽዕር - ቢሎም - ምስ ኵሎም ኣብ ፍጻመታትን ሕቶታትን ባህግታትን ደቂ ሰብ እንካፈሎም ሰብኡትን ኣንስትን ኣብ ምይይጥ ክንሳተፍ ዘቕረብዎ ጻውዒት ኣዘኻኺሮም፡ ነቲ ሕብረተሰብ ካብ ታሪኻዊ ዝኽሩ ንምብታኽ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ እናዓበየ ካብ ዝኸይድ ዘሎ “መንፈሳውን ባህላውን ዑረት” ኣጠንቂቖም፡ "ናይ ሓሶት ግብረኣውነት፡ ካብ ዝሓለፈ ዝተነጸለ ዓይነት 'ሓድሽ ፍጥረት' ንምርሃው ከም ዝከኣል ጌርና፡ ሱር ታሪኽና ክንበትኽ ይድርኸና። ብተወሳኺ እቶም ግብረ ገባዊ መትከላት ዝጽውዑ ሰባት ከይተረፉ ኣብ መልክዕ "ታሪኻዊ ባዶነት" ክወድቁ ከምዝኽእሉ ኣጠንቂቖም፣ ብጌጋ ኣብ መበል ዕስራ ክፍለ ዘመን ዝነበረ መዓት ፍጹም ክድገም የብሉን . . . እቲ ናይ ዘተ መድርኻት ብናይ ቤተ ክርስቲያን ራእይ ሲኖዳውነት ዝተደረኸ ኮይኑ፡ ኣብ ዙርያ ሓባራዊ ስክፍታታት ሓድነት እናደለየ ዝተፈላለዩ ድምጽታት ዘራኽብ ምዃኑ ኣመልኪቶም፡ ተሳተፍቲ ዝተፈላለየ ድሕረ ባይታን ዓውድታት ክእለቶምን እኳ እንተሃለወ ስነ - ምህዳራዊ ማሕበራውን ቁጠባውን ተሓድሶ ንምድንፋዕ ንዝገበርዎ ተወፋይነት ከም ዝነኣዱ የመላኽት።
ብድሆታት ምዕባለ እደ ጥበባት
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ናብቲ እደ ጥበባውን ቁጠባውን ምዕባለ ዘስዕቦ ስነ - ምግባራዊ ብድሆታት ምልስ ቢሎም ክልተ ተጻረርቲ ራእይ ሕብረተሰብ እንከነጻጽሩ፡ ማሕበረሰብ ክርስቲያን “ኣብ ቅድሚ እቲ ‘ግምቢ ባቢሎን’ ንምህናጽ ዝግበር ፈተና፣ እዚ ድማ ኣብ ክንድኡ ነቲ ብዋጋ እቶም ኣዝዮም ተቓላዕቲ ዝኾኑ ሰባት ዝውክልን ንሓደጋ ምጉዳል ሰብኣውነት ዘዕብን ‘ግምቢ ባቢሎን’፣ ኣብ ህንጸት ሓዳስ የሩሳሌም፣ ስልጣነ ፍቕሪ ኣበርክቶ ክገብሩ” ጻውዒት ብምቕራብ፡ ስልጣነ ብዓቢ ወይ ብዘደንቕ ምንቅስቓስ ዘይኮነስ ብመዓልታዊ ተግባራት ተኣማንነትን ሓልዮትን ዝህነጽ ምዃኑ ኣስተብሂሎም፡ " ስልጣነ ፍቕሪ ካብ ሓደ ወይ መስተንክር ምልክት ዘይኮነስ፡ ካብ ድምር ናይቶም ኣንጻር ሰብኣውነት ምጉዳል ከም ዕርዲ ዘገልግሉ ንኣሽቱን ጽኑዓትን ተግባራት ተኣማንነት እዩ ዝግበስ።” ኣብ ውሽጢ ተፈጥሮኣዊ ከባቢ ኣብ ጳጳሳዊ ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ቅርዓት ስቡሕ ኣንተ እተሰምየ ናይ ኣታኽልቲ ስፍራ ዝተኻየደ ዓውደ ዘተ ምዃኑ ኣጒሊሖም ኣብኡ ድማ ተሳተፍቲ “ብጽባቐ ፍጥረትን ፈጣሪን" ተመሪሖም ኣብቲ ኸባቢ ዘሎ ተመክሮታት ምስ ዓለምለኻዊ ሓላፍነት ከተሓሕዝዎ ክጽዕሩ ዘኽእሎም ከም ዝኾነን፡ ኣብ ካስተል ጋንዶልፎ ተጀሚሩ ዘሎ መስርሕ ብቐጻሊ ርክባትን ተበግሶታትን ክቕጽል ተስፋኦም ብምግላጽ እቶም ተጋባእያን ንዝገበርዎ ተወፋይነት ብምምስጋን መደረኦም ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
