ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንዳህሳስያንን መራሕትን፡ ወንጌል ኣብ ህይወትኩም ‘ሓባሪ መንገዲ’ ይኹን
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ትማሊ ሶኑይ ዕለት 1 ሰነ መበል 50 ዓመት ዝኽሪ ማሕበር ካቶሊካውያን ስካውት - ዳህሳስያን ኤውሮጳ ምኽንያት መራሕትን ኣባላትን ስካውት - ዳህሳስያን ኣብ ሃገረ ቫቲካን ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ነቲ ናይ ኢዮቤል ጽምብል ምስቲ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተገብረ ጽንብል በዓል ጴንጠቆስጠ ብምትእስሳር ጴንጠቆስጠ ዝብል ቃል ንባዕሉ “መበል ሓምሳ” ማለት ምዃኑ ኣመልኪቶም።
“እዚ ርሑስ ዝኽሪ ከም ሓድሽ ጴንጠቆስጠ ይኹነልኩም” ብምባል መንፈስ ቅዱስ ከምቲ ኣብ ጽርሓን ጽዮን ሓዋርያት ተኣኪቦም እንከለዉ ኣብ ልዕሊ ነፍሲ ወከፎም ከም ዝወረደ ኣብ ልዕሌኹም ክወርድ ድማ ንጸልይ . . . ውህበት መንፈስ ቅዱስ ንክርስትያናዊ ሕይወት ህያው ከም ዝገብርን ልብታት ንተልእኾ ከም ዝኸፍትን ምእመናን ንጽባቐ እምነት ንምምስካር ኩሉ ግዜ ሓድሽ መገድታት ክረኽቡ ከም ዘኽእሎም ኣዘኻኺሮም፡ ኣዋጅ ድሕነት ብተስፋ ዝተመልአ ኮይኑ ንክርስትያን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ውሳነን ዕማምን ብግቡእ ንኽዋስኡ ዘነቓቕሕን እዩ ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ናይ 50 ዓመት ታሪኽ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ብዛዕባ ናይ ሓምሳ ዓመት ታሪኽ ናይቲ ማሕበር ከስተንትኑ እንከለዉ፡ ነቲ ሮበርት ባደን - ፓወል ዝማዕበለ ኣገባብ ስካውት - ዳህሳስያ ዝሰረተ ትምህርታዊ ተልእኾኡ ንኢዶም።
በዚ ኣገባብ እዚ ኣቢሎም መንእሰያት ናብቲ “መምህር ሰናይ ሕይወት፡ እሙን ዓርኪ፡ ርግጸይና መራሒ ጉዕዞና” ኢሉ ዝገለጾ ኢየሱስ ክርስቶስ ንምርኻብ ከም ዝጓዓዙ ገሊጾም፡ ኣብ ግዳም ዘሎ ህይወትን ምስ ተፈጥሮ ዘለዎ ርክብን ኣገዳሲ መዳያት ናይ ስካውት - ዳህሳስያን ተመክሮ ምዃኑ ኣጕሊሖም፡ እዚ ንጥፈታት እዚ በቲ ፈጣሪ ኣብ ተፈጥሮኣዊ ዓለም ዝሓደጎ ምልክታት ኣቢሉ ሕያውነት ኣምላኽ ከም ዘርኢ የስተብህሉ።
መጽሓፍ ተፈጥሮ ምስ ቃል ኣምላኽ ምውህሃድ
እዚ ኸምዚ ኢሉ እንከሎ ንስካውት - ንዳህሳስያ ካብ ቅዱሳት መጻሕፍቲ መዓልታዊ ናይ ህይወት እንጌራ ብምርካብ ነቲ ናይ “ተፈጥሮ መጽሓፍ" ምስ ቃል ኣምላኽ ከወሃህድዎ ተማሕጺኖም፡ ንቓላት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብምዝካር ንወንጌል ከም "ሓባሪ መገዶም" ገይሮም በብመዓልቱ "ሓቀይና መልክዓ ህይወት" ገይሮም ኪኸፍትዎ ኣተባብዖም። ብፍላይ ንመራሕቲ ስካውት - ዳህሳስያን እናሓሰቡ ወንጌል ካብ መጽሓፍ ንላዕሊ ምዃኑ ደጊሞም ብምምልካት፡ ናይ ክርስቶስ ኣካል ኢዩ እዚ ድማ ብስራት ንደቂ ሰብ መብዛሕትኡ ግዜ በቲ ዘጋጥሞም ብዙሕ ብድሆታት ዝደናገሩን ተስፋ ዝቘረጹን። ክርስቶስ ንደቂ ሰብ ፍትሕን ሓቅን ዘለዎም ጽምኢ የዕግብ ንኣመንቲ ድማ ኣብ ሰናይ ንኽጸንዑን ንኻልኦት ብልግሲ ንኼገልግሉን ትብዓት ይህቦም ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።
ውልቃዊ ምስክርነት
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ትምህርታዊ ተልእኾ ስክውትና - ድህሰሳ ውልቃዊ ምስክርነት ዘለዎ ኣገዳስነት ኣጕሊሖም፡ ስኒት ህይወት መራሕትን ብስለት ምርጫኦምን ንመንእሰያት ሓያል ኣብነት ከም ዚዀኖምን ብእምነትን ባህርያትን ንኺዓብዩ ኸም ዚሕግዞም ገሊጾም፡ ብተወሳኺውን ነቲ ኣብ መንጎ ቤተ-ክርስትያንን ምንቅስቓስ ዳህሳስያንን ዘሎ ርክብ ውሕስነት ከም ዝዀነ ብምምልካት ነቶም ኣብ ማሕበር ስካውት (ዳህሳስያን) ካህናት ክም ኣበ ነፍስ - መንፈሳዊ ሓገዝቲ ኰይኖም ዘገልግልዎ ኣመስጊኖም። ኣገልግሎቶም ንመንፈሳዊ ዕቤት መንእሰያትን ንትምህርታዊ ተልእኾ መራሕቲ ስካውትን ዝድግፍ እዩ ከም ዝበሉ ዜና የረጋግጽ።
ትምህርትን ሕንጸትን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ናብቲ ናይቲ ማሕበር ናይ ስነ - ምምሃር ኣገባብ ኣቕኒዖም፡ ንኣወዳትን ኣዋልድን ኣብ ዝተፈላለየ ክፍልታት ንምምሃር ዘለዎም ተወፋይነት ኣስተብሂሎም፡ እዚ ድማ ንፍሉይ ባህርያት ነፍሲ ወከፎም ፍሉይ ኣቓልቦ ክወሃብ ዘኽኣለ ምዃኑ ብምምልካት፡ ከምዚ ዓይነት ኣቃውማ ምስ ካልኦት ሓቀይናን ንቑሕን ርክባት ከዕቢን ሓድሕዳዊ ዕብየትን ብስለትን ከስፍሕን ከምዝኽእልን ገሊጾም፡ ብተወሳኺ እቲ ማሕበር ኣብ ክርስትያናዊ ሰብኣውነት ዝተሰረተ ባህላዊ ራእይ ኤውሮጳ ንኽህልዎ ዘሎ ተወፋይነት እውን ንኢዶም፡ ኣብዚ ናይ ሎሚ ዝተሓላለኸ ታሪኻዊ ኵነታት፡ “ብናይ ንግድን ቍጠባን ጥራይ ዘይኮነስ በቲ ዝለዓለ ክብርታት ክርስትያናዊ ትውፊት ዝተጠርነፈ ናይ ህዝብታት ኤውሮጳ” ምሕናጽ ኣገዳሲ ምዃኑ ከም ዝዘጉልሑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ኣገልግሎት
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ሕመረት ትምህርታዊ ራእይ ባደን-ፖወል ኣገልግሎት ከም ዘሎ ገሊጾም። ምግልጋል ኪበሃል ከሎ ክእለትካን ግዜኻን ብናጻ ኣብ ኢድ ካልኦት ምውፋይ ማለት እዩ። መንእሰያት ብኣገልግሎት ኣቢሎም ሓድነት ሓላፍነት ንኻልኦት ሓልዮት ከምኡውን ማሕበራዊ ተወፋይነት - ሓላፍነት ክስምዖም ይመሃሩ ኸም ዘለዉ ኣጒሊሖም፡ ብእምነት ክንነብር እንከሎና ኣገልግሎት ንሰባት ካብ ርእሰ - ማእከልነትን ዘይምግዳስን ሓራ ይገብሮም ንማሕበረሰብ ህይወትን ሓባራዊ ሓልዮትን ድማ ክፉት ምዃን ይህሉ። ድህሰሳ ንተሳተፍቲ ህይወት ደቂ ሰብ በቲ "ናይ ኵላትና ናይ ሓቂ መምህር" ዝዀነ ጎይታ ብኸመይ ከም ዚበርህን ከም ዚቐርጽን ንኺፈልጡ ኸም ዚሕግዞም ኣስተብሂሎም፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብ መደምደምታ መደረኦም ስካውትን ዳህሳስያንን መራሕትን ንጥፈታቶም ብሓጐስን ተወፋይነትን ኪቕጽሉ ኣተባብዖም፡ ናይ ልግስን እንግዶትን ሰላምን ቋንቋ ምእንቲ ኺዝርግሑ መንፈስ ቅዱስ ኣብ መንጎኦም ውህበቱ ኼብዝሖ ከም ዝጸለዩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
