ር. ሊ. ጳ.፦ “ኣብ ቅድስቲ ሥላሴ ማሕደርና ንረክብ!”
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዝሓለፈ ሰንበት ዕለት 31 ግንቦት ኣብ ክብረ በዓል ቅድስቲ ሥላሴ፣ ምስቶም ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ምእመናን ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዝተረኽቡ ሓቢሮም፣ ናይ ዕለተ ሰንበት ጸሎት መልአከ እግዚአብሔር ቅድሚ ምዕራጐም ኣስተንትኖ ቃል ኣምላኽ ኣካፊሎም። ኣብቲ ዘካፈልዎ ሓሳባት ቅዱስ ኣቦና ብዛዕባ ምሥጢረ ሥሉስ ኣምላኽ ብምስትንታን፣ ካብቲ ኣምላኽ ብጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣቢሉ ዝሃበና ህይወት ጀሚርና፣ ንድሕሪት ምልስ ኢልና ንኽንርእዮ ኣጋጣሚ ኸም ዝኸፍተልና ድማ ገለጹ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ፣ እዚ ህይወት እዚ "ናብ ውሽጥና ክንኣቱ ዝስሕበና፣ ንጡፍን ዘይውዳእን እምነትን ሕብረት እዩ" በሉ። እቲ ንኣቦን ወልድን ዘጣምር መንፈስ ቅዱስ፣ ኣብ ልብና ሓዲሩ ኣሎ። በዚ ኸምዚ ድማ ቤተ-ክርስትያን "ናይ ኅብረት ምሥቲር ትከውን፣ ሰማይን ምድርን ድሮ ዝተራኸቡሉ፣ ሥፍራ ምርኻብን ፍቕርን ህይወትን ድማ ትኸውን" ክብሉ ኣስተምሃሩ።
ናይ ዕለቱ ሓቂ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣስዒቦም፣ ብዛዕባ እቲ ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበረ ወንጌል እንከስተንትኑ፣ ናብቲ ናብ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣጸቢቑ ዝተሳሕበ ኒቆዲሞስ ምልስ ብምባል ኣስተንተኑ። ኒቆዲሞስ ንየሱስ መን ምዃኑ ኺፈልጦን ኪርድኦን ተሃንጥዩ እኳ እንተ ነበረ፣ ምእንቲ ኸይርአ ብለይቲ ክደልዮ ተረኽበ።
ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ግና ንኒቆዲሞስ ሓንጐፋይ ኢሉ ተቐበሎ እሞ፣ ሓደ ዓብዪ ሰብ እውን እንተ ዀነ፣ ዳግም ክውለድ ከም ዘለዎ ብምግላጽ ኣስደመሞ። በዚ ከምዚ ድማ ኒቆዲሞስ ኣምላኽ ንህይወቱ ኺልውጦ ኸም ዝኽእል ተማህረ።
ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ብዛዕባ መንፈስ ቅዱስ ምስ ነገሮ፣ ኒቆዲሞስ "ውሽጣዊ ጸልማቱ ብሓቂ በርሀ፣ እዚ ኸኣ ሎሚ ነዚ ክብረ በዓል ቅድስቲ ሥላሴ ከነኽብር እንከሎና ከሎና፣ ኣብ መላእ ቤተ ክርስትያን ዝስማዕ ዘሎ ሓቂ እዩ።" ኣምላኽ ድማ "ብእኡ ዝኣምን ዘበለ ዅሉ፣ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር ከይጠፍእሲ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ ንዓለም ክሳዕ ክንድዚ ኣፍቀራ" ከምኡ ድማ "ኣምላኽ ንወዱ ዓለም ብእኡ ምእንቲ ኽትድሕን እምበር፣ ንዓለም ምእንቲ ክፈርዳ ናብ ዓለም ኣይለኣኾን" (ፍቕዲ 17)።
ኵላትና ንሕብረት ኢና ተፈጢርና
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣስዒቦም፣ ኣብ ምሥጢር እቲ ሥሉስ ኣምላኽ፣ ማለት ኣብ ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን፣ ልክዕ ከምቲ ኒቆዲሞስ ኣብ ቅድሚ ህላዌ ኢየሱስ ዝነበረ፣ ንሕና እውን "ኣብ ቤትና ከም ዘሎና" ኮይኑ ኢዩ ዝስምዓና ክብሉ ገለጹ። ህይወት ኣምላኽ ባህ ዜብል እዩ፣ "ነቲ መብዛሕትኡ ግዜ ዕረፍቲ ዘይብሉ ልብና፣ ሰላም ይህቦ፣ ምስ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ከኣ ብመንፈስ ሓጐስ ንኽንራኸብ የኽእለና።"
ህይወት ቅድስቲ ሥላሴ ንዅላትናን ንዅሉን ንኸነፍቅር ዝሕግዘና እዩ፣ ምኽንያቱ ብእኡ ኣቢልና፣ ኵሉ ፍጥረት ንርክብን ሕብረትን ምርኻብን ከም እተፈጥረ ንርዳእ ኢና። በቲ ኻልእ ሸነኽ ግን ምፍልላይን፤ ንበበይኑ ዝዓይነቱ ፍልልያት ምጽላእን፣ ምክፍፋልን ኣብ ዓለም ናብ ጓህን ዕንወትን ባዶነትን ዝመርሕ ምኽንያት ምዃኑ ንመሃር ኢና።
ኒቆዲሞስ ዝበሃል ዝንበረ መምህ ሕጊ (ኣባል ጉባኤ ሊቃውንቲ ኻህናት እስራኤል)፣ ኣብ ልዕሊ ኢየሱስ ዝዀነ ይኹን ጽልኢ ዝመልኦ ቓላት ምስ ሰምዐ፣ ቅድሚ ምዅናኑ ንዅላቶም ምእንቲ ክሰምዕዎ ሓደ ብድሆ ኣቕረበሎም። ኒቆዲሞስ ንሓደስቲ ሓቅታትን ንሓቀኛ ምሕዳስን ልቢ ዝኸፍተ፣ መንፈስ ሕብረት ተቐቢሉ ዝነበረ ሰብ እዩ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ ወሲኾም፣ "ነዚ መንፈስ እዚ ዘይቅበል ሰብ፣ ቀልጢፉ ይኣርግ ብጓሂ ጽምዋ ይስምዖ፣ ኣብ ልቡ ድማ ሓጐስ የብሉን" በሉ።
ሎሚ ዓቢይ በዓል ኢዩ፣ ከም ኣምላኽ ናትና ስለ ዝዀነ፣ ሎሚ በዓል ኣምላኽ እዩ። ጸሎት መልኣከ እግዚብሔር ብምዕራግ ድማ፣ ቅዱስ ኣቦና፣ ዅሉ ሰብ ከም ማርያም ኪኸውንን፣ ንፍቓድ ኣምላኽ "ሕራይ" ክብልን ተማሕጺኖም። "ንፍቕሪ ቅድስቲ ሥላሴ 'ሕራይ' ምስ እንብል ፍረ ክንፈሪ ኢና፣ ክብሉ ድማ ኣስተንትኖኦም ዛዘሙ።
