ር. ሊ. ጳ. ሓድሽ ሊቀ ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ ሰይሞም
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንርእሰ ኤጳርቅናታት ኣዲስ ኣበባ ንምትካእ፣ ነቶም ክሳብ ሕጂ ከም ተራዳኢ ጳጳስ ናይ ኤጳርቅና ኮይኖም ከገልግሉ ዝጸንሑ፣ ወዲ 56 ዓመት ሚስዮናዊ ካህን ኣባል ማሕበር ካህናት ኮምቦኒ፣ ንብፁዕ ኣቡነ ተስፋየ ታደሰ ገብረሥላሴ ብሕድሪ ኣወፈይዎ። ቅዱስ ኣቦና፣ ነቶም ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ሓምለ መበል 78 ዓመት ዕድሚኦም ዝመልኡ፣ ካብ ወርሒ ሰነ 1999 ኣትሒዞም ናይዚ ካቶሊካዊ ርእሰ ኤጳርቅናታ ጳጳስ ኮይኖም ከገልግሉ ዝጸንሑ ብፁዕ ካርዲናል ብርሃነኢየሱስ ደመርው ሱራፊኤል ክትክኡ ድማ መዘዝዎም።
እዞም ሓድሽ ሜጥሮጵሊሳዊ ሊቀ ጳጳሳት፣ ብ1986 ናብ ማሕበር ካህናት ኮምቦኒ - ልኡካነ ወንጌል ዘቅዱስ ልቢ ኢየሱስ ኣተዉ፣ ብ1995 ድማ መዓርገ ክህነት ቀቐበሉ። ኣብ ጳጳሳዊ መንበር ጥበብ ግሪጎርያን ድማ ስነ-መለኮት ተማህሩ፣ ኣብ ሮማ ኣብ ዝርከብ ጳጳሳዊ ተቕዋም ሥነ ቋንቋ ዓረብን እስላማዊ መጽናዕትታትን ድማ፣ ናይ እስላማዊ መጽናዕትታት መዓርግ ረኸቡ። ኣብ ሮማ ኣብ ዚርከብ ጳጳሳዊ መንበረ ጥበብ ሳሌዝያን እውን ናይ ሥነ ሕንጸት ስልጠና ተኻፊሎም። ኣብ ቍምስናዊ ህይወት ዘገልገሉ ካህን ከምኡ ውን ዳይረክተር ናይቲ ኣብ ሃሮ ዋቶ ዝርከብ ቤት ትምህርቲ ኮምቦኒ፣ ኣብ ውሽቲ ሃገርን ከምኡውን ካብ 2015 ክሳዕ 2024 ኣብ ማሕበር ኮምቦኒ ክሳብ ጥቕላሊ ሓለቓ ኮይኖም ዘገልገሉ ሚስዮናዊ ካህን ኢዮም።
