ክኢላ እደ ጥበብ ፓሪሰር፡ ሰባት ኣብ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ግብረ ገባዊ መሪሕነት የድልዮም እዩ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
“ዓለም ብዕምቆት ግብረ ገባዊ መሪሕነት የድልያ” ኣብ ጉዳይ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ኣሜሪካዊ ክኢላ እደ ጥበብን በዓል ሃብቲን ኤሊ ፓሪሰር ድሕሪ ክልተ መዓልቲ ሕትመት ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ፈላሚት ግሩም ሰብኣውነት - Magnifica humanitas ዘርእስቱ ዓዋዲ መልእኽቲ ብዛዕባ ምሕላው ስብእና ሰብ ኣብ እዋን ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ንዜና ቫቲካን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡
"ኣብዚ እዋን እዚ እቶም ነዚ ዚመርሕዎ ዘለዉ ሰባት በቲ እደ ጥበባዊ ቕድድም ኰነ በቲ ኣብ ሓደጋ ዘሎ ሃብቲ ገንዘብን ኣዝዮም ስለ እተጨነቑ ብዛዕባ ዓሚቝ ስነ-ምግባራውን ግብረ ገባውን ሕቶታት ኣብ ምሕሳብ እኹል ግዜ ኣየጥፍኡን እዮም . . . እንክብል የስተብህል፡
እዚ ልዕሊ ዓሰርተ ዓመት ብዛዕባ ሓደጋታትን ዓቕምታትን ዝተፈላለዩ ስነ ኣሃዛውን እደ ጥበባውን ምዕባለታት ክዛረብን ከስተንትንን ዝጸነሐን ገና እውን ዝቕጽል ዘሎ ብዛዕባ ምዕባለታት ክዛረብን ከስተንትንን ክጽሕፍን ጸኒሑ እውን እዩ።
ብመርበብ ዝግበር ምትእስሳር ዜጋታት ብምትብባዕ ከም ዝጀመረን፣ ድሕሪኡ ኣብ 2011 “filter bubbles – መጻረዪ ዓፍራ” ዝብል ስያመ ብምምሃዝ ንተጠቀምቲ ብቀመራዊ ምዕሪት ወይ ብሕታዊ ምንዳይ ሓበሬታ ብምሃብ ብዛዕባ ሓደጋታት ከጠንቅቕ እውን ከም ዝጀመረን፡ ሎሚ ድማ ሓባራዊ ኣመሓዳሪ ናይቲ ንመኽሰብ ዘይሰርሕ ትካል New Public - ሓድሽ ህዝባዊ፡ ጥዑይን ምዕቡልን ስነ ኣሃዛዊ ህዝባዊ ቦታታት ንምህናጽ ዝውፈ ኮይኑ፡ ኣብ ጽልዋ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ኣተኲሩ ይሰርሕ ኣሎ። ዕለት 21 ግንቦት ኣብ ዘመነ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ፡ ድምጽን ገጽን ደቂ ሰባት ምዕቃብ ከምዘድሊ ብዝምልከት ኣብቲ ናይ መራኸቢ ብዙሓን ጉዳይ ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዘዳለዎ ዓውደ ጉባኤ እውን ከም እተሳተፈ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።
ፓሪሰር ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየዶ ቃለ መሕትት ብዛዕባ እቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ግሩም ሰብኣውነት ብዝብል ኣርእስቲ ስለገስዎ ናይ መጀመርታ ዓዋዲ መልእኽቲ የስተንትን። ቅዱስነቶም ኣብ ዓንኬላት እደ ጥበብን ኪኖኡን ዘሕድሮ ዘሎ ጽልዋ ተዛሪቦም እዮም፣ ንደቂ ሰባት ብዝጠቅም መንገዲ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕል ንምምዕባል ገና ግዜ ኣሎ ዝብል ርእይቶ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ድማ የጒልሕ ጥራይ ዘይኮነ ዝንእዶ ሓሳብ እውን ምዃኑ ይሕብር።
"ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳትን ቫቲካንን ነቲ ዘተ ብምምራሖምን ኣብ መወዳእታ ድማ ብዛዕባ እደ ጥበብ ዘይኰነስ ብዛዕባ ሰብኣዊ ክብረትን ሰብኣዊ ምዕባለን ክኸውን ከም ዘለዎ ብምዝኽኻሮም ኣዝየ እየ ዘመስግኖም - እዚ ብሓቂ ብዛዕባ "ስነ-ሰብኣዊ ደኣ እምበር እደ ጥበባዊ ኣይኰነን" ይብል።
ሰፊሕ ዝርገሐን ነዊሕ ዕድመ ዘለዎን ሰነድ
ፓሪሰር፡ ግሩም ሰብኣውነት ዘርስቱ ዓዋዲ መልእኽቲ ኣብ ሰዓቱን ኣብ ትኽክለይና ግዜን እዩ ተለጊሱ ቢሉ፡ እዚ እውን ብዛዕባ ሰብ ስርሖ ኣስተውዕሎ ዘተን ትንታነታትን እናዓበየ ኣብ ዝከደሉ እዋን እዩ። ብዙሓት ሰባት ሕጂ ነዚ ዝግንዘቡ ዘለዉ ይመስለኒ፡ እዚ ምጉጅጃል ወይ ውን ዝተነጸለ ዓፍራ ጥራይ ዘይኮነስ ሓቀይናን ኣገዳስን ጥራይ ከምዘይኮነ፡ ሓቀይናን ኣገዳስን ነገር ከም ዘሎ ዝግንዘቡ ዘለዉ ይመስለኒ።"
"ብሓደ ወገን እቲ ዓዋዲ መልእኽቲ ነቶም ነቲ እደ ጥበብ ዝሃንጹ ዘለዉ ይዛረብ፡ በቲ ካልእ ወገን ግን እዚ እደ ጥበብ ኣብ መጻኢ ኩሉ ህይወትና ክሳብ ክንደይ ጽልዋ ከም ዘለዎ ዝግንዘቡ ንዝበዝሐ ሰማዕቲ ኢዩ ዝዛረብ። ካብ መላእ ዓለም ዝመጻ ማዕከናት ዜና ብዛዕባ እቲ ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ሓድሽ ዓዋዲ መልእኽቲ ዘጊበንን ርእይቶ ሂበን ኣለዋ፡ እቲ ሰነድ ብኢንተርነት፡ ኣብ ማሕበረሰባዊ ጉጅለታትን ኣብ መንጎ ኣዳለውቲ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎን ክኢላታት ኢደ ጥበብን ብሰፊሑ ይዝረበሉ ከምዘሎ ፓሪሰር የመላኽት።
ድሕሪ ሓደ ሰሙን ሕትመት ግሩም ሰብኣውነት ዓዋዲ መልእኽቲ፡ ኣብ ኵሉ እደ ጥበባዊ ዓውድታት ሓደ ካብቲ ኣብ መላእ ዓለም እተገብረ ብሉጽ ዘተ" ከም ዝነበረ ገሊጹ፡ "ሰባት ይትንትንዎ ይመያየጡሉ ይካትዑሉን ኣለዉ - ቢሉ - ሰባት ብዛዕባ ስነ - ምግባራውን መንፈሳውን መዳያት ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ከምኡውን ዕቤቱን ብሓቂ ንኺሓስቡን ከስተንትኑን ዚገብር "ብሩህን ውጽኢታውን መገዲ" ምዃኑ ድማ ኣጒሊሑ፡ ብተወሳኺ፡ ብሰንኪ እቶም ዘተኮረሎም ኣርእስታት፡ "ገለ ነዊሕ ዕድመ ዘለዎ ሰነድ ክኸውን'ዩ" ዝብል እምነት ከምዘለዎ ድማ ይረጋግጽ።
ንሰባት ኣብ ሓደ ዘራኽብ እምበር ናብ በይናውነት ዘይደፍኦም ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 እቲ ዝለገስዎ ዓዋዲ መልእኽቲ ብዛዕባ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ደቂ ሰባት "ወሳኒ ምርጫ የጋጥሞም ኣሎ ወይ ሓድሽ ግምቢ ባቤሎን ምህናጽ ወይ ከኣ ኣምላኽን ደቅሰብን ብሓባር ዚነብሩላ ኸተማ ምህናጽ" ምዃኑ ብምጕላሕ እዮም ዘበግስዎ፡ ፓሪሰር ነዚ መሰረት ብምግባር፡ ነቲ ግምቢ ባቢሎን ብዛዕባ ሓደጋታት ትዕቢትን ህርፋን ደቅሰብን ኣብቲ እንሃንጾ ነገራት መጠንቀቕታ" ምዃኑ ከምዘድንቖ ብምግላጽ፡ እዚ ምምስሳል እዚ “ንደቂ ሰባት ፍሉያትን ፍሉያትን ዝገብሮምን ከም ጉጅለ ዘለና ዓቢ ብዙሕነትን ምሕላው ከምዘድሊ” እውን ከምዘጉልሕ ኣመልኪቱ፡ ብዛዕባ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ብዚምልከት "ቅዱስነቶም ምርጫታት ንዅሉ ነገር ደው ኣቢሎም ናብቲ ናይ ቀደም መዋእል ንምምላስ ወይ ንቕድሚት ምስጓም ጥራይ ኣይኰነን" የግዳስ "ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ብኸመይ ኬገልግለና ኸም እንደሊ ኽንመርጽ ኣሎና" እንክብል ፓሪሰር ኣብሪሁ፡ ብተመሳሳሊ ኣተሓሳስባ ሰብ ስርሖ ኣተውዕሎ እተፈላለየ መልክዕ ኪህልዎ ኸም ዚኽእል ኣጕሊሑ - "ንሰባት ዜጣምር ማሕበራውነት ዚድግፍ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ" ወይ ከኣ "ኣቓልቦ ሰባት ዚስሕብን ርክቦም ዚበላሹን ጽግዕተይና ዝገብር" ኪኸውን ይኽእል እዩ።
“ቀሊል ኣብነት ድማ ጽምዋ እንተሃልዪካ፡ ቻትቦት ‘ዓርክኻ ክኸውን እየ፡ ወይ ድማ ‘ኣዕሩኽ ክትፈጥር እትኽእለሉ መንገዲ ኣብ ናይ ከባቢኻ ጉጅለ ምጽማድ እዩ፡ ኣብ ጥቓኻ ዘለዋ ናይ ከባቢ ጉጅለታት ምስ ድሌታትካ ዝተኣሳሰራ። እቲ ኣብ ሕብረተ- ሰብ ዘሕድሮ ጽልዋ ብዝምልከት ኣዝዩ እተፈልየ ኣንፈት ዝሕብር ይመስለኒ። ብዙሓት ሰባት ኣብ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ክምጻእ እንከሎ “ናይ ረዳኢ ኣልቦነት ስምዒት” ከም ዝስምዖም የስምሩሉ፡ ግን እዚ እደ ጥበብ “ገና ኣዝዩ ኣብ መጀመርታ ደረጃታት እዩ ዘሎ . . . እዚ እደ ጥበብ እዚ ንሰባት ኪሕግዞም ዘይክእለሉ ምኽንያት የለን። ኣብ መርበብ እንታይ ዓይነት ትሕዝቶ ወይ ድማ ኣየናይ ትሕዝቶ ሓቂ ምዃኑ ወይ ከም ዘይኰነ ብኸመይ ከም ኣብ ምፍራድ እውን ከይተረፈ ገለጸ።
ምቑጽጻር ምብጋስ
ኣብ ግሩም ሰብኣውነት - Magnifica humanitas ዘርእስቱ ዓዋዲ መልእኽቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ብዛዕባ “ኣጽዋራዊ” ወይ “ካብ ኣተሓሳስባ ‘ዕጥቃዊ’ ውድድር ሓራን ንደቂ ሰባት ከይዕብለልን ምግባር እውን ከም ዘድሊ የብርሁ፡ ሰብ ስርሖ ኣስተውዕሎ ኣብ “ጽዑቕ ቁጠባዊ ውድድርን ርእሰማላዊ ምዕባይን ኣብ ዘለዎ ሃዋህው” ይምዕብል ከምዘሎ ይሰማማዕ። "ካብ ማሕበራዊ መራኸቢታትን ካብ ካልኦት ምስ እደ ጥበብ ዝረኸብናዮም ተመኩሮታትን ንፈልጦ ኢና፡ ሰባት ንቑጠባዊ መኽሰብ እዚ ኸኣ መብዛሕትኡ ግዜ ንሰባትን ማሕበረሰብን ብሓቂ ጐዳኢ ሳዕቤን ኣለዎ" ብምባል ኣትሪሩ ብምምልካት ነዚ ነጥቢ እዚ ዘጕልሕ ዓዋዲ መልእኽቲ ምዃኑ ኣነጺሩ ብተወሳኺ፡ ከምቶም ኣብ መወዓውዒ ከም ናይ ንግዲ ቀጥዒ ኣጸቢቖም ዚምርኰሱ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዘይኰነስ ትካላት ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ብእተፈላለየ መገድታት ኣታዊ ኼምጽኣ ይጽዕራ ኣለዋ። ንኣብነት ኣንትሮፒክ እተሰምየ ትካል ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ኣብ ተጠቀምቲ ንግዲ እዩ ዜተኵር ዘሎ። "ካብቲ ረዳኢ ዘይብልና ኮይኑ ካብ ዝስምዓና ስምዒት ወጺእና ምቍጽጻር እንተ ጀሚርና ንነገራት ብእተፈልየ መገዲ ንምቕራጽ ብዙሕ ናጽነት ይህልወና" እንክብሉ ዘካየዶ ቃለ መሕትት ይዛዝም።
