ድለ

ር.ሊ.ጳ. ንኣቦሓጎታትን እኖሓጎታትን ኣረጋውያንን: ፍቕራዊ ኣዒንቲ ኣምላኽ ኩሉ ግዜ ናባኻትኩም እየን ር.ሊ.ጳ. ንኣቦሓጎታትን እኖሓጎታትን ኣረጋውያንን: ፍቕራዊ ኣዒንቲ ኣምላኽ ኩሉ ግዜ ናባኻትኩም እየን  (ANSA)

ር.ሊ.ጳ. ንኣቦሓጎታትን እኖሓጎታትን ኣረጋውያንን: ፍቕራዊ ኣዒንቲ ኣምላኽ ኩሉ ግዜ ናባኻትኩም እየን

ኣብ ራብዐይቲ ሰንበት ወርሒ ሓምለ 2026 ዓ.ም. ዝበዓል ሻድሻይ ዓለምለኻዊ መዓልቲ ኣቦሓጎታትን እኖሓጎታትን ኣረጋውያንን ኣረጋውትን ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 "ፈጺመ ኣይክርስዓካን እየ" ብዝብል ኣርእስቲ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ዕለት 15 ሰነ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቤት ጽሕፈት ወግዓዊ ከም ዝገበሮ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“እግዚኣብሄር ብነቢይ ኢሳይያስ ኣቢሉ “እንሆ፡ ኣብ ኢደይ ወቂጠካ ኣሎኹ፡ ቀጽርታትካ ድማ ኲሉ ጊዜ ኣብ ቅድሚ ዓይነይ እዩ” (ኢሳ 49፡16) እንክብል ከም ዘይርስዓና ቃል ይኣትው።  ከምኡ’ውን ፍቕሩ ካብ ፍቕሪ ኣደ ንውላዳ ከም ዝዓቢ እውን የረጋግጸልና (ኢሳ 49፡15)።” እዚ ዘጸናንዕ መዘኻኸሪ’ዚ ኣብቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብቲ ኣብ ራብዓይ ሰንበት ወርሒ ሓምለ 2026 ንበዓል ሻድሻይ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ኣቦሓጎታትን እኖሓጎታትን ኣረጋውያንን ኣረጋውትን፡ “ፈጺመ ኣይክርስዓኩምን እየ (ኢሳ 49፡15)” ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ የጒልሑ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብቲ ጥቕሲ እቲ ነብዪ ኢሳያስ ኣምላኽ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ብውልቅን ንህዝብን ብሓፈሻ ዘረጋግጾ ናይ ቅርበትን ጽዑቕን ርክብ ሎሚ እውን እንተ ዀነ ነዘን ቃላት እዚኣተን ንነፍሲ ወከፍና ዝምልከት ምዃኑ ብምስትውዓል ኸነንብቦ ንኽእል ኢና እንክብሉ የብርሁ።

ኣብ ዝኾነ ዕድመ ፍቑራት ደቂ ኣምላኽ

ቅድስ ኣቦና እዘን ምጽንናዕን ተስፋን ዝመልኣና ቃላት ነቲ "እግዚኣብሄር ጠንጢኑኒ እዩ። ጐይታይ ረሲዑኒ እዩ" (ኢሳ 49 14) ዝብል ንልቢ ዘጨንቕ ስምዒት መልሲ ምዃነን ብምምልካት፡ ብዙሓት ብዕድመ ዝደፍኡ ሰባት ብፍላይ ጽምዋ ምስ ዚስምዖም ወይ ሓድሓደ ግዜ ኣብ ዓራት (ብዕድመ ምድፋእ ምኽንያት) ወይ ኣብ ሕማም ዝርከቡ ናብ ቁጽሪ ብምውራድ ዝርስዑ ምዃኖም ኣፍልጦ ብምሃብ፡ ዓለምለኻዊ መዓልቲ እኖሓጎታትን እቦሓጎታትን ኣረጋውያንን ኣረጋውትን ምብዓል ቤተ-ክርስትያን ኣደ ዅሉ ሰብ ክትከውን ከም እተጸውዐት ኣብ ዝዀነ ይኹን ዕድመ ድማ "ወትሩ ንገዛእ ርእስና ከም ኣወዳትን ኣዋልድን ኣምላኽ ኣፍልጦ ኽንህበሉ ንኽእል ኢና" ብምባል የጒልሑ።

ከምኡ ውን ዕድመ ንመንእሰያት

ቅዱስ ኣቦና ንኩሉ ሰብ ብፍላይ ድማ ነቶም መንእሰያት "እቲ ጽቡቕ ልምዲ ዳግማይ ንኸተበራብሩ" ንኣቦሓጎታትን እኖሓጎታትን ኣረጋውያንን ኣረጋውትን ኣዝማዶምን ዋላ ነቶም ዝበጽሕዎም ዘይብሎም ሰባትን ክበጽሑ ዓዲሞም፡ “በዚ መልእኽትን ብህላወኹምን ኣቢልኩም ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ጥቡቕ ቅርበትን ፍቕርን ኣቕርቡሎም፡” ነቶም ዘፍቅርዎም ሰባት ንኣቦሓጎታቶም እነሓጎታቶም ኣረጋውያንን ኣረጋውትን ለውሃትን ፍቕርን ክቕርቡ ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ ቤተ ክርስቲያን መከራ ኣረጋውያን ኣባላታ ከም እትርዳእ ደጊሞም ብምርግጋጽ፡ ከምቲ ር.ሊ.ጳ. ብጹእ ዮሓንስ ጳውሎስ ቀዳኣማዊ ዝበሎ፡ ተቐበልቲ ናይ ኣምላኽ “ዘኢይመውት ፍቕሪ” ምዃንና፡ “ዋላ ጸልማት ክመስል እንከሎ፡ ወትሩ ኣዒንቱ ይኸፍተልና፡ ኣቦና ምዃኑ፡ ካብኡ ንላዕሊ ድማ ኣዴና ምዃኑ” ምፍላጥ፡ ሓጐስ እዩ፡ ኣብ ዝኾነ ዕድመ፡ ብፍላይ ብዕድመ ኣብ ዝደፋእናሉ እዋን፡ ሓጐስ እዩ” ይብሉ።

ናብ ሕቑፊ እግዚኣብሔር ንመለስ

ር.ሊ.ጳ. ልዮን ከምዚ ዓይነት ኣተሓሳስባ ብባህርያዊ መገዲ እኳ እንተ ዘይመጸ ኣብ ግዜ እርጋን እውን እተኾነ ውላድ ምዃንና ዘቋርጽ ኣይኮነን፡ ናብ ሕቝፊ ኣምላኽ ንምምላስ ዝቐረበ ጻውዒት ኣብ ዝዀነ ይኹን ዕድመ ብቝዕ ምዃኑ ገሊጾም፡ ብዙሓት ሰባት ለውሃት ኣምላኽ ክረኽቡ እንከለዉ ኣብ ምሉእ ህይወቶም አረ ሓድሓደ ግዜ እውን ኣብ ናይ መወዳእታ ደረጃ ህይወቶም ዝፍጸም ክኸውን ከም ዝክእል ድማ የዘኻኽሩ።

ናብኡ ንምምላስ ፈጺሙ ዝድንጎይ ኣይኮነን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ሎሚ ካብ ቀደም ንላዕሊ ሓቀይና ናይ እምነት ተመክሮ ከይገበርካ ናብ እርጋን ምብጻሕ ልሙድ ኮይኑ ከምዘሎ ተዓዚቦም፡ እዚ እናሃለወ ክነሱ እግዚኣብሄር ክሳብ ሕጂ ወትሩ ቀረባና እዩ።

"ናብኡ ምምላስ ንምጅማር ፈጺሙ ድንጉይ ክኸውን ኣይክእልን እዩ። ንኹሉ ሰብ ዓቢ ህያብ ክኸውን ይኽእል'ዩ” እንክብሉ የረጋግጹ።

ኣብ እርጋን ከም ብሓድሽ ዝተወልደ

“ተኣፋፍነት ኣይትፍርሑ!፡ ኣብ እርጋን፡ ሓደ ሰብ “ኣዚዩ ተኣፋፊ” ክኸውን ከም ዝኽእል፡ ኣብ ተመሳሳሊ ግዜ ግን “ክጽዋዕ” ከም ዝኽእል ኣመልኪቶም፡ ሰብ ብሓቂ ኣብ ግዜ እርጋን ከም ብሓድሽ ክውለዱ ከም ዝኽእል ኣስሚሮም፡ ቅዱስ ኣቦና ኣብዚ ብዓመጽ ኲናትን ማሕበራዊ ዕግርግርን ኣዝዩ ዝልለይ እዋን፡ ብዙሓት ደቂ ደቆም ዝዓብዩላ ዓለም ከመይ ከም እትኸውን ከም ዝግረሙ ኣስተብሂሎም፡ በዚ ድማ ኣረጋውያን ኣብ ቀረባ እዋን ሰላም ናብ ዓለም ምእንቲ ክመጽእ ብትግሃት ክጽልዩ ይላበዉ።

“ፈጺሙ ኣይርስዓናን እዩ”

ኣብ መወዳእታ ቅዱስ ኣቦና ንዅሎም ኣረጋውያን በብመዓልቱ ብጸሎቶም ብፍላይ ከኣ ብጸሎት መቝጸርያ ስለ ዝድግፍዎም እንከመስግኑ፡"ነዚ ምስጋና እዚ ኻብ መዓሙቝ ልበይ ሞሳ ብምቕራብ፦ "እቲ ፈጺሙ ዘይርስዓና ጐይታ ወትሩ ብእምነትን ብተስፋን ብፍቕርን የሐድሰና" ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

16 Jun 2026, 16:28