ካብ ጋምብያ ናብ ደሴታት ካናሪ - ጕዕዞ መንእሰይ ኡስማን
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
መንእሰይ ኡስማን ንፈለማ እዋን ኣብ መሬት ካናርያ ዝረገጸ፣ ኣብታ ነዘን ደሴታት ካብ ዜቝማ ሸሞንተ ደሴታት ኣብታ ዝዓበየት እዩ ዝንበረ። ኣብ መወዳእታ ሸሞንተ ሓደገይናታት መዓልትታት ጕዕዞ ኣብ ባሕሪ፣ ናብ ንቝጽ መሬት በጽሑ። እዚ ወዲ 38 ዓመት ኣቦ-ስድራ "ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ካብኡ ይወጹ፣ ናብዚ ግን ኣይበጽሑን ኢዩ" ክብል ድማ ምስክርነቱ የካፍል። ኣብቲ ስግር፣ እታ ጋምብያ እትበሃል ሃገር፣ "ፍሽኽታ ዝመልኦ ገማግም ዘለዋ ኣፍሪቃ" ውን ኣላ፣ እዚ ስም እዚ ኸኣ፣ በቲ ቍሩብ ዝተጠናነገ ምድረ ቅርጻን፣ ምዉቕ ባህርያት ህዝባን ዝተዋህባ ስም ኢዩ ዝንበረ ክብል ድማ የመልክት።
ኦስማን ግና ብዙሕ ጸገማት ዝሓለፈ መንእሰይ ኢዩ ዝንበረ። ፈለማ ነታ ኣብ ገማግም ባሕሪ ኮምቦ ኖርዝ እትርከብ ንእሽቶ ቍሸቱ ሓዲጉ፣ ንበዓልቲ ቤቱ ሳሊንን ክልተ ደቁ ካሪ ጓል 8 ዓመትን ከምኡውን ዩሱፍ 2 1/2 ተሰናቢቱ ናብ ናይ ባሕሪ ጕዕዞ ነቐለ። ይኹን እምበር እቲ ኣብ ገምገም ባሕሪ ኣብ ዚርከብ ሆቴል ኣሳሳዪ ዀይኑ ኣብ መዓልቲ ዚረኽቦ ዝነበረ 4 ዩሮ ሓዳሩ ንኽመርሕ እኹል ኣይነበረን፣ እቲ ኣብ ናይ መባእታ ቤት ትምህርቲ ዘቋረጾ ደረጃ ትምህርቱ ድማ፣ ዝዀነ ይኹን ብቕዓት ንኽረክብ የኽእሎ ኣይነበረን። እዚ ድማ ንደቁ ዘይምነዮ ህይወት እዩ ዝንበረ። ኡስማን እቲ መስቀል ዘለዎ ሓደጋታት ስለ ዝፈለጠ፣ ነቲ ኣብቲ ግዜ እቲ ወዲ 13 ዓመት ዝነበረ ላሚን ዝስሙ በዅሪ ወዱ ጥራይ ምስኡ ክማልኦ መረጸ።
ንኣትላንቲክ ውቅያኖስ ብትብዓት ምስጋር
ኣብ መጀመርታ ወርሒ ለካቲት 2026፣ ኣቦን ወድን ምስ ካልኦት 156 ዝኾኑ ካልኦት ሰባት፣ ኣብ ሓንቲ ካሁዮ እትበሃል ብዕንጨይቲ እተሰርሐት ጃልባ ተሳፊሮም ጕዕዞኦም ጀመሩ። ኣብታ ጃልባ ሰብኡትን ኣንስትን ቈልዑን ሕጻናትን ነበሩ። ኡስማን ብዛዕባ ስፍሓት እቲ ዜሕዝን ፍጻመ ኸይተዛረበ፣ ነቲ ጕዕዞ ብሒደት ቃላት ገሊጽዎ ይርከብ። ይኹን እምበር ሓደ ኻብቶም ተጓዓዝቲ ናብቲ ዝተመነይዎ ወደብ ቅድሚ ምብጽሖም፣ ሒደት ሰዓታት ኣቐዲሙ "ምናልባት ብምኽንያት ቍሪ ልኸውን ይኽእል እዩ" ህይወቱ ሰኣነ ክብል እውን ይዝክር። "ኣብ ሻድሸይቲ መዓልቲ ኣዚና ስለ ዝፈራህና፣ ኣብ መገዲ ኣብ ዝረኣናዮ ዝዀነ ይኹን ደሴት ደው ንምባል ድሉዋት ነበርና" ክብል ድማ ንኹነታቶም ይገልጽ።
ኣብ መወዳእታ ኣብ መንጎ ሻውዐይን ሻምናይ መዓልቲ ልክዕ ሰዓት 4 ናይ ንግሆ፣ ኦስማን ኣብ ርሑቕ መብራህቲ ደሴት ተነሪፍን ናይ ገለ ነፈርቲ ናብ ጐረባብቲ ደሴታት ዝኸዳን ረኣየ። ብፍላይ ብሓደ ምስሊ ኣዝዩ ተገረመ፣ እዚ ኸኣ እቲ ኣብታ ደሴታት ዚርአ ዝነበረ ዓብየቲ ኣእዋምን ኣኻውሕን ዝመልኦ ዅድዅዶታትን፣ ካብታ ዝንበርዋ ጃልባ ዝርአ ምንባሩ ኢዩ። "ካብ ሓንቲ ገጸ-ምድራ ጸፋሕ ዝዀነት ሃገር እየ መጺአ፣ ስለዚ ኵድዅዶታት ንፈለማ ግዜ ብምርኣየይ ድሮ ኣዝየ እየ ዝተመሰጥኹ" ብምባል ነቲ ኣብ ትሕቲ ኣእጋሩ ዝነበረ ደረቕ መሬትን ምስኡ ዝነበረ ሓርነትን ከም ዝተሰምኦ ኰይኑ ይዝክር።
ኣብ ላስ ፓልማስ ዝረኸብዎ ተቕባል
እቲ ጕዕዞ ግን በዚ ኣየብቅዐን። ፈለማ ናብ ላንዛሮተ ገዓዙ፣ ኣብኡ ድማ ንኽልተ ወርሒ ጸንሑ፣ ብድሕሪኡ ኣቦኡን ወዱን ናብቲ ብ2004 ብፍራንቸስካውያን እተመስረተ ተቕዋም ክሩዝ ብላንካ ዝተሰምየ፣ ኣብ ላስ ፓልማስ ዝርከብ ማእከል መቐበሊ ስደተይናታት ገዓዙ። እዚ ማእከል ስደተይናታት እዚ፣ ኣብ ርእሲ እቲ ማእከል ዝልግሶ ዝነበረ፣ መዕቈብን ሕክምናዊ ክንክንን ስነ-ኣእምሮኣዊ ደገፍን ሕጋዊ ሓገዛትን፣ ትምህርቲ ቋንቋ ስጳንኛን ንኣሽቱ ቘልዑ ዚኸውን መዕበዪ ሕጻናትን እውን ንበሮ። ቈልዑን መንእሰያትን ኣብ ላስ ፓልማስ ኣብ ዝርከብ ህዝባዊ ኣብያተ ትምህርቲ ይመሃሩ፣ እዚ ድማ ምስ ሕብረተሰብ ስጳኛ ንምውህሃድ ናይ መጀመርታ ስጕምቲ ኢዩ ዝንበረ። ናይ ላሚን ውህደት ጽቡቕ እዩ ዝኸይድ ዝንበረ፣ ኡስማን ከኣ ብሓጐስ ኢዩ ዝተቐበሎ። ወዱ ቅድሚ ሽዱሽተ ወርሒ ስጳንኛ ዘይፈልጥ እኳ እንተ ነበረ፣ ሕጂ ግን ንጌጋታት ኡስማን ዚእርም ንሱ እዚ ወዱ ኢዩ ዝንበረ።
ነቶም ግድነታት ዘለዎም ሳባት እውን መንፈሳዊ ደገፍ ኪረኽቡ ይኽእሉ ነበሩ። ሓፈሻዊ ኣተሓባባሪ ናይቲ ማእከላት ክሩዝ ብላንካ ዝንበረ፣ ሓው ጃሂር ፋሎን "እዞም ሰባት እዚኣቶም ብስነ-ኣእምሮኣውን ብመንፈሳውን መዳይ ኣጸቢቖም ተተንኪፎም እዮም" ኣብዚ ዝመጹና ክብል እውን ይምስክር። መንፈሳውነቶም ብዙሕ ስቓይን መከራን ዜጠቓልል እዩ። ተልእኾና ምስማዕን ምሉእ ቈላሕታ ምሃብን እዩ" ድማ በለ። እዚ ቘላሕታ እዚ ግን ንዝዀነ ይኹን ብዘየገድስ እምነቶም ኣብ ግብሪ ንምውዓል ዜጠቓልል እዩ ። ተቐማጦ ኣብ ጥቓኦም ኣብ ዝርከባ ኣብያተ-ክርስትያን መሥዋዕተ ቅዳሴ ክካፈሉ ወይ ከኣ ኣብ እዋን ረመዳን ኣብቲ ማእከል ከብዕሉ ይኽእሉ እዮም ክብል እውን ይምስክር።
ምብጻሕ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፣ ምንጪ ምጽንናዕ ንበረ
መንእሰይ ኦስማን ንባዕሉ ተኸታሊ እምነት ምስልምና እዩ። እዚ ድማ ነቲ ብዕለት 11 ሰነ ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ወደብ ኣርጊንጊን ምስ ካልኦት ብኣማኢት ዝቝጸሩ ስደተኛታት ምስ ተዓዘበ እተሰምዖ ሓጐስ ክቆጻጸሮ ኣይከኣለን። እዚ ጋምብያዊ ከም ዝመስከሮ፣ "ኵልና ሓደ ዓይነት እምነት ኢና እንክፋል፣ እዚ ድማ እምነት ሰብኣውነት ኢዩ" ድማ በለ። "ጸዕዳ ወይ ጸሊም ብዘየገድስ ሓደ ዓይነት ደም ኣብ ሰራውርና ይዘዋወር ኣሎ። ኵላትና ብሓባር ክንነብር ምእንቲ ኽንክእል፣ ክንጕዳእ ከሎና ዝፈስስ ቀይሕ ደም ኢዩ ዘሎና። እዚ ኣብ ቅዱስ መጽሓፍን ኣብ ቁርኣንን ተጻሒፉ ኣሎ" ድማ በለ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንስደተይናታትን ተወከልቲ ትካላት ግብረ ሰናይን ኣብ ዘቕረብዎ መደረ ውን፣ "ረዚን ናይ ምቕባልን ውህደትን መስርሕ ምትግባር" ኣድላዪ ምዃኑ ኣትሪሮም ተዛረቡ። ሳላ ዕዮ ተቕዋም ፍራንሲስካውያን፣ ጕዕዞ ኡስማንን ወዱን ኣብ ቅኑዕ መገዲ ዘሎ እዩ ዝመስል። ኣብ ውሽጢ ሒደት መዓልትታት፣ እቶም ሰብኣይን ሰበይትን ናብታ ኣብ ሰሜናዊ ስጳኛ እትርከብ ከተማ ቡርጎስ ክኸዱ እዮም፣ እዚ ኸኣ ነቲ ቐጺሉ ዘሎ ስጕምትታት ንምውሳድ ዘኽእል እዩ። እቲ ናይ ቀደም ኣሳሳዪ ኣብ ዝዀነ ይኹን ዓውዲ ክሰርሕ ድሉው ምዃኑ ድማ ይገልጽ። "ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንማሕበረሰብ ንምዝርጋሕ ዘይኰነስ ብሓባር ንምምዕባልን፣ ነታ ሃገር ብሓባር ክንስጕምን ከም ዝመጹና ክፈልጥ እደሊ እየ" ድማ በለ።
ይኹን እምበር ካብቲ ኣብ ዝሓለፈ ኣርባዕተ ኣዋርሕ እንግዶት ዝረኸበሉ ማእከል ቀልጢፉ ኽወጽእ ምስ ሓሰበ ኣብ ኣዒንቲ ኡስማን ዘይተጸበዮ ንብዓት ተራእየ። እዙ ጋምብያዊ፣ ኣብቲ ኣብ መጻኢ ዘሎ ነዊሕ ጕዕዞ ሓድሽ ምዕራፍ ንምኽፋት ግዜኡ ኸም ዝኣኸለ እኳ እንተ ፈለጠ፣ ግን ከአ ንተቐማጦን ሰራሕተኛታትን እቲ ማእከል ምቕባል ኣጋይሽ ኣመልኪቱ ምስክርነቱ የካፍ። "ስድራ ቤት ኴንና ኢና" ዘሕለፍናዮ ክብል ድማ ይዝክር።
ኣብ ክሳዱ ሓደ ቀጢን ብሩራዊ ሰንሰለት ቀለቤት ብሩር ዝሃዘ ንበሮ፣ እዚ ኸኣ ኣዲኡ ኻብ ሕማቕ ዕድል ንምክልኻል ዝሃበቶ ህያብ እዩ ዝንበረ። ብባህላዊ መገዲ ኣብ ኣጻብዕቱ እዩ ክኽደኖ ዝንበሮ፣ ኡስማን ግን ከም መከላኸሊ ገይሩ ኣብ ኣፍ ልቡ ከንጠልጥሎ መረጸ። እዚ ድማ ናብቲ ቐጺሉ ዘሎ ጕዕዞ፣ ናብ ቀንዲ መሬት እስጳኛ ከሰንዮ እዩ።
