ድለ

መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ባዝሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ባዝሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ   (@Vatican Media)

ር. ሊ. ጳ. ልዮን መበል 14:- ንካርዲናል ሩዊኒ ከም 'በዓል ዓቢ ልቦናን ትጉህን ጓሳ' ዘኪሮምዎም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፡ ንዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ቤተ-ክርስትያን ኢጣልያ ዓቢ ተራ ንዝነበሮምን፡ ዝሓለፈ ሰሉስ ኣብ መበል 95 ዓመቶም ንዝዓረፉን ካርዲናል ሩዊኒ፡ ናይ ስነ ሥርዓት ቀብሪ መስዋዕተ-ቅዳሴ መሪሖም።

ኣባ ፍሬእግዚእ በኪት - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ "ትሑት ዕማማት ይኹን፡ ብዝለዓለ ሓላፍነት ኣብ ዝፍጸሙ ስራሓት" ንቤተ-ክርስትያን ዘገልገሉ "በዓል ዓቢ ልቦናን፡ ትጉህን ጓሳ" እዮም። ንሕዝቢ እግዚአብሔርን፡ ንኣሕዋቶም ጳጳሳትን፡ "ኣብ ኣገዳስን ተኣፈፍትን እዋናት" መምርሒ ዝሃቡ መራሒ እዮም ነይሮም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን 14፡ ትማሊ ሓሙስ ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት፡ ነቶም ብዕለት 16 ሰነ ኣብ መበል 95 ዓመቶም ዝዓረፉ ካርዲናል ካሚሎ ሩዊኒ ዝገለጽዎም በዚ መገዲ እዚ እዩ ነይሩ።

ብፁዕ ካርዲናል ሩዊኒ፡ ካብ 1991 ክሳብ 2008 ናይ ሰበኻ ሮማ ዓቃቤ መንበርን፡ ከምኡ’ውን ናይ ባዚሊካ ቅዱስ ዮሓንስ ላተራን ሊቀ-ካህናት ኮይኖም ኣገልጊሎም። ካብ 1991 ክሳብ 2007 ድማ ኣቦ መንበር ጉባኤ ጳጳሳት ኢጣልያ ነይሮም። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ስብከቶም፡ ካርዲናል ሩዊኒ ኣብቲ ነዊሕ ዓመታት ኣገልግሎቶም ዘበገስዎም መደባት፡ ነቲ ብሉጽ ሓሳባቶምን፡ ተበግሶታትን ብምስጋና ዘኪሮምዎም።

ሬሳ ብፁዕ ካርዲናል ሩዊኒ ዝዓረፈሉ ሳንዱቕ፡ ኣብ ቅድሚ መሰውኢ ኣብ ልዕሊ ምንጻፍ ተቐሚጡ፡ ምሉእ ሕይወቶም ዝወፈዩሉ ክፉት መጽሓፍ ቅዱስ ወንጌል ተነቢርዎ ነበረ።

ካርዲናላትን ጳጳሳትን ኣብ ጊዜ መስዋዕተ ቅዳሴ
ካርዲናላትን ጳጳሳትን ኣብ ጊዜ መስዋዕተ ቅዳሴ   (@Vatican Media)

ንፍቕሪ እግዚአብሔር ዝተዋህበ ምላሽ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቀጺሎም፡ እቲ ናይ ዕለቱ ንባባት፡ ንክርስቶስን ንቤተ-ክርስትያንን ዘለና ተኣማንነት ዘርእዩ ኮይኖም፡ ካርዲናል ሩዊኒ ድማ ናይዚ ሓጐስ ዝመልኦ ኣብነት ነይሮም። እቲ ቀዳማይቲ ንባብ ካብ መልእኽቲ ቅዱስ ጳውሎስ ናብ ሰብ ሮማ ዝተወስደት ኮይና፡ ካብ ፍቕሪ ኣምላኽ ዝፈልየና ምንም ነገር ከም ዘየለ እተዘኻኽር እያ — እዚ ሓቂ እዚ ድማ፡ ንካርዲናል ሩዊኒ "ዘነቓቕሖም" ነበረ።

ብተመሳሳሊ፡ እቲ ካብ ወንጌል ዮሓንስ ዝተወስደ ናይ ዕለቱ ንባብ ቅዱስ ወንጌል —ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ "እቶም ዝሃብካኒ፡ ኣብቲ ኣነ ዘለኽዎ ምሳይ ምእንቲ ክኾኑ" ኢሉ ናብ እግዚአብሔር ኣቦ ዝጸለየሉ ንባብ — ነቲ ቀንዲ መምርሒ ሕይወት ካርዲናል ሩዊኒ ዘመልክት ምዃኑ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ገሊጾም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፡ “ኣብዚ ቃላት እዚ፡ እቲ ንረብሓ ኣሕዋቱ ተባሂሉ ዝተሓለፈን፡ ንናይ ገዛእ ርእሱን፡ ንናይ ካልኦትን ድሕነት ኢሉ ድማ ወትሩ ፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ምድላይ ዝተመርኮሰን ሕይወት፡ መደቡን፡ ኣንፈቱን፡ ከምኡ’ውን ናይ መወዳእታ ሸቶኡ ተጠቓሊሉ ንረኽቦ” ኢሎም።

ብፁዕ ካርዲናል ሩዊኒ፡ “ምስ ገለ ካብቶም ናይዚ ቀረባ እዋን ዓበይቲ ቅዱሳን፡ ከም ቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻይን፡ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ካልኣይን” ናይ ምስራሕ ዕድል ከም ዝነበሮም ቅዱስነቶም ገሊጾም። ካብዚኦም ድማ ካርዲናል ሩዊኒ ካብ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ካልኣይ ዝበለጸ ተመክሮ ከም ዝቐሰሙ ጠቒሶም።

ጕዕዞ ናብ ሓቂ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ስብከቶም ብምቕጻል፡ ኵሉ እቲ ኣብነት ዝኸውን ውልቃዊ ባህርያት እቶም ካርዲናል፡ ኣብቲ ንመሪሕነት ጵጵስናኦም ዝመረጽዎ መሪሕ ቃል ዝለዓለ መግለጺኡ ከም ዝረኸበ ገሊጾም። እቲ መሪሕ ቃል ድማ “ሓቂ ሓራ ከተውጽኣኩም እያ” ዝብል እዩ። እዚ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ጥበብ እዚ፡ ብፍላይ ኣብዚ ሕጂ ዘሎ ብምድንጋርን ዘይርጉእነትን ዝልለ ዘመን፡ ክዝከር ዘለዎ ኣገዳሲ ትምህርቲ ምዃኑ ገሊጾም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መወዳእታ፡ ኣምላኽ ነቶም ዝዓረፉ “መወዳእታ ንዘይብሉ ዓስቢ ሰላሙ” ክህቦም ጸልዮም፤ ነቶም ብተወፋይነት ኣብ ግዜ ኣገልግሎቶም ይኹን፡ ኣብ ግዜ እርጋኖምን ሕማሞምን “ዝሰነይዎምን፡ ዝሓገዝዎምን፡ ዝደገፍዎምን” ድማ ኣመስጊኖም።

ድሕሪ መሥዋዕተ ቅዳሴ፡ ብላቲን ጸሎት ድሕሪ ምዕራጉ፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ነቲ ሳንዱቕ ሬሳ ብቅዱስ ማይ ነጺጎም፡ ጸሎተ ዕጣን ኣዕሪጎምንን።

መስዋዕተ ቅዳሴ ዕረፍቲ ካርዲናል ሩዊኒ

 

19 Jun 2026, 11:56