2026.06.06 ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ናብ ስጳይና ኣብ ዝተጓዕዙሉ እዋን ጻውዒት ሰላም የሐድሱ 2026.06.06 ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ናብ ስጳይና ኣብ ዝተጓዕዙሉ እዋን ጻውዒት ሰላም የሐድሱ  (@Vatican Media)

ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ናብ ስጳይና ኣብ ዝተጓዕዙሉ እዋን ጻውዒት ሰላም የሐድሱ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብዚ ናብ ሃገረ ስጳይና ኣብ ዝገብርዎ ጉዕዞ ንዘሰንዮም ናይ ዝተፈላለያ ማእከናት ዜና ልኡካን ጋዜጠይናታት ሰላምታ ድሕሪ ምቕራብ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ ኣብ ዩክሬን ዘሎ ኩነታት ብዘተ ክፍታሕ ከም ዘለዎ ደጊሞም ብምርግጋጽ፡ ንሊባኖስ ዘለዎም ቅርበት ብምግላጽ ብዛዕባ ግህሰትን መዓት ኩናትን ከም ዘስተንተኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገር ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ነቶም ዘሰንይዎም ልዕሊ ሰማንያ ዝኾኑ ልኡካን ጋዜጠይናታት ዝሃብዎ መግለጺ ብቋንቋ ስጳይና “Muy buenos días a todos!” - እንክብሉ ናይ ሰናይ ንጎሆ ምንዮትም ድሕሪ ምቕራብ፡ ካብቶም ጋዜጠይንታት ዝቐረበሎም ዝተፈላለዩ ሕቶታይ መልሲ ከም ዝሃቡን፡ ቀዳማይ ሕቶ ድማ፡ ንጋንታ ኲዕሶ እግሪ ርያል ማድሪድ ወይስ ንባርቸሎና ኢኹም እትድግፉ ዝብል ኮይኑ፡ ቅዱስነቶም ፍሽኽ እናበሉ “እዚ ቀሊል እዩ: ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንኹለን ጋንታታት እዮም ዝድግፉ፡ ግን ከም ሮበርት ፕረቮስት ንርያል ማድሪድ እዩ ዝድግፍ!” እንክብሉ ከም እተዋዘዩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ቤተ ክርስቲያን ንኹሉ ዝኸውን መልእኽቲ ኣለዋ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ “እዚ ጉዕዞ’ዚ ድሕሪ ነዊሕ እዋን ናይ መጀመርታ ምብጻሕ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ናብ ስጳኛ ኮይኑ፡ ብውልቀይ ድማ ነዚ ጉዕዞ እዚ ከካይድ ኣዝየ ሕጉስ እየ . . . ምስ ምእመናን ንምርኻብ ዝዓለመ ሓዋርያዊ ምብጻሕ እዩ - እንክብሉ ኣብሪሆም፡ “እምነት ንምጽንባልን መልእኽቲ ኢየሱስ ክርስቶስ ንምእዋጅን፣ ብተመሳሳሊ መንገዲ ግን ንዅሉ ሰብ፣ ንመላእ ሕብረተሰብ ሰላምታ ንምቕራብ እዩ፣ ምኽንያቱ ቤተ ክርስቲያን ንኹሉ ዝምልከቶ መልእኽቲ ስለዘለዋ። ከምቲ ኣነ ዝኣምኖ ኣብቲ ዕለት 25 ግንቦት ዝተሓትመ “ግሩም ሰብኣውነት - Magnifica humanitas”  ዓዋዲ መልእኽቲ ድማ ብንጹር ተገሊጾ ኣሎ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

መንእሰያት ልኡኻት ፍቕሪ ኣምላኽ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብፍላይ ከኣ ኣብ መንእሰያት ዝጽበዮም ዘሎ ውዕዉዕ ስምዒት ከም ዘስተውዕሉ ኣረጋጊጾም፡ "ብውዕዉዕ ስምዒት ብዙሓት መንእሰያት ክሳተፉ ምዃኖም፡ ናይ እምነት ሓሴት ብሓባር ምክፋል ኣዝዩ ባህ ዘብል መልእኽቲ ኸነመሓላልፍ ንኽእል ኢና ኢለ እየ ዝኣምን . . . ኣስዕብ ኣቢሎም እውን እዚ መልእኽቲ እዚ ናብ ማድሪድን ባርቸሎናን ደሴታት ካናሪን ዝመሓላለፍ እዩ፣ እምነት ንኽንነብርን ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ፍቕርን ልግስን ኣኽብሮትን ኣምላኽ ንኽንእውጅ ዚሕግዘና" እዩ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ኣህጉራዊ ጉዳያት

ካብቶም ዝቐረበሎም ሕቶታት ሓደ ኣብ ዩክሬን ዘሎ ግጭት ዝምልከት ኮይኑ፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ መንገዲ ዘተን ሰላምን ብቘራጽነት ጽኑዕ ምዃን ኣድላዪ እዩ እንክብሉ ደጊሞም የጒልሑ። ብዛዕባ እቲ ኣብ ውሽጢ ቤተ - ክርስትያን ክፉት ዝዀነ ቝስሊ እውን እንከስተንትኑ፡ ዕለት 5 ሰነ ምሸት ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ዋና ሓላፊ ማተዮ ብሩኒ ከም ዝገለጾ እታ ቤተ - ክርስትያን ኣብ መንጎ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳትን ኣብ መንጎ እቶም ኣብ ስጳይና ኣባላት ውሉደ ክህነት ካብ ዝፈጸምዎ ማህሰይቲ ዝደሓኑ ሰባትን ናይ ግሊ ርክብ ክካየድ እዩ ዝብል ዝሃቦ መግለጺ ኣማእኪሎም ድማ ቅዱሰንቶም ነቲ ናይ ብሩኒ መግለጺ ምስ ኣረጋገጹ፡ ሓሳቦም ናብ ሊባኖስ ብምቕናዕ ቅድስቲ መንበር ንዅነታት እታ ሃገር ኣጸቢቓ ኸም እትከታተሎን ምስቶም ኣብኡ ዘለዉ ሰበ - ስልጣን ሃይማኖት ዘለዋ ቐጻሊ ርክብን ድሕሪ ምርግጋጽ፡ ኣብ ልዕሊ ኢራን ዝፍጸም ዘሎ መጥቃዕቲ "ፍትሓዊ ውግእ" ድዩ ዝብል ንዝቐረበሎም ሕቶ ቅዱሰንቶም ኣብ ዝሃብዎ መልሲ፡ "እዚ ድሮ ንጹር ኰይኑ እዩ ዚስምዓኒ፦ ኣብ ኢራን  ዝካየድ ዘሎ ኲናት፡ ናይ ፍትሓዊ ኲናት መዐቀኒታት የብሉን። ህልዮ ፍትሓዊ ኲናት፡ ቅድሚ ዘመናት ዝጀመረ እዩ፣ ኣብቲ ግዜ እቲ ሎሚ ወዲ ሰብ ዘለዎ ኣጽዋርን ናይ ምጒዳእ ዓቕምን ክትግምቶ ኣብ ዘይከኣል እዋን እዩ” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ካብ ባሕታውያን ማሕበረሰባት ዝተዋህበ ህያብ

ሓያሎ ኣብ ስጳይና ናይ ዝርከባ ገዳማት ባሕታውያን ንነፍሲ ወከፍ ኣብታ ጳጳሳዊት ነፋሪት ንቕዱስነቶም ዘሰንዩ ጋዜጠይናታትን ነቲ ሓዋርያዊ ጉዕዞ ቅዱስነቶምን ብጸሎትን ጸሎት መቝጸርያን ብመንፈስዊ መገዲ ንምስናይ መሪጸን ኣለዋ። ነፍሲ ወከፍ ኣብዚ ጉዕዞ እዚ ንቕዱሰንቶም ዘሰንይ ኣባል መራኸቢ ብዙሓን ድማ ከም ህያብ በቶም ኣብዚ ጉዕዞ እዚ ነቲ ናይ ቅዱሰነቶም ዑደት ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ዘቃልሑ ንኽጽልዩ ሕድሪ ብዝተዋህቦም ገዳማውያንን ገዳማውያትን እተሰርሐ መቝጸርያ ከም እትዓደለን ቅዱሰንቶም ነዚ ዅሉ ኣብ ግምት ብምእታው እዚ ንስራሕ መራኸቢ ብዙሓን ምስቲ ሕቡእ ናይ ጸሎት ህይወት ብተምሳል ዝጥርንፍ ገርሀይና ምልክት እዩ - ነፍሲ ወከፎም በብናቶም መንገዲ ንጉዕዞታት ተካኢ ቅዱስ ጴጥሮስ ዘሰንይ ክውንነት እዩ” እንክብሉ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ከም ዝዛዘሙን፡ እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ምብጻሕ ር.ሊ.ጳ. ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንምሕባር ድማ ኣብ መላእ ስጳይና ኣብ ዝርከባ ሰበኻታት ደወል ቤተ ክርስቲያን ከም እተደለወ ኣፍሊጡ።

07 Jun 2026, 14:32