ር. ሊ. ጳ.፦ ጸጋ ቅዱስ ቍርባን ብኸመይ ከም ዘሓድሰናን ናይ ተስፋ ቀለስቲ ኣካላት ከም ዝገብረናን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ማእከል ከተማ ማድሪድ፣ ልዕሊ 1.2 ሚልዮን ዝኾኑ ሰባት እተሳተፍዎ ናይ በዓለ ቅዱስ ቍርባን ጽምብላት መሪሖም፣ ንምእመናን እስጳኛ ድማ፣ "እቲ ነዛ ሃገር እዚኣ ንዘመናት ዝቐረጻን ዝሓነጻን ሃይማኖታዊ መንፈሳውነት፣ ሓደ ክበጻሕ ዘለዎ ናይ ዝሓለፈ ዘመናት ቤተ-መዘክር ዘይኰነስ፣ ሎሚ እውን ካብኡ ንላዕሊ ህያው ዝኾነ ናይ እምነት ቤት ትምህርቲ ምዃኑ ከረጋግጹ" ኣተባብዕዎም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ መጀመርታ ናይታ ካልአይቲ መዓልቲ ናብ ሃገረ ስጳኛ ዝገበርዎ ዘለዉ ሓዋርያዊ ምብጻሕ፣ ናይ በዓለ ቅዱስ ቍርባን መሥዋዕተ ቅድሴ መሪሖም። ልዕሊ 1.2 ሚልዮን ምእመናን ከአ ኣብቲ ኣብ ማእከል ከተማ ማድሪድ ዝርከብ ፕላዛ ደ ሲቤለስን፣ ኣብ ከባቢኡ ኣብ ዝርከብ ጐደናታትን ተኣኪቦም ኣብቲ መሥዋዕተ ቅዳሴ ተሳተፉ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት እውን ኣብ መንጐኦም ብምርካቦም ከም እተሓጐሱ ገሊጾም፣ ቅዱስነቶም ኣብቲ ዝለገስዎ ቃል፣ "ኣብ ዙርያ ቅዱስ ቍርባን ተኣኪና፣ እዚ ውህበት ህያው ህላወ ክርስቶስ ኣብ መንጎና ምህላዉ ንስክር ኣሎ" ክብሉ መስከሩ።

በዓለ ቅዱስ ቍራባን ኣብ ማድሪት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝመርሕዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ
በዓለ ቅዱስ ቍራባን ኣብ ማድሪት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝመርሕዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ   (@Vatican Media)

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም፣ ኣብዛ ዕለት እዚኣ ጐይታ "ምስ ኣቦ ሕብረት ምእንቲ ኽንራኸብን፣ ደቁ ምእንቲ ኽንከውን" ከመይ ገይሩ ብፍታው ህይወቱ ኸም ዝሃበናን ከምኡውን "ብህያው እንጌራ ህይወት ኣምላኽ ክምግበና ካብ ሰማይ ከም ዝወርድ፣ በዚ ከምዚ ሎሚ ነዚ ብፍሉይ መገዲ ኸም እንዝክር ገሊጾም።  ካብ ሞት ትብርትዕ ፍቕሪ ኢያ ተዋሂባትና ክብሉ ድማ ኣመልኪቶም።

ህያው እምነት ናይ ትውፊት ክቡር በዓለ ቅዱስ ቍርባን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ ኣብ ማድሪድን ኣብ ብዙሕ ክፋላት ስጳኛን ዝኸብ በዓለ ቅዱስ ቍራብን "ንኣምላኽ ዘሎና ፍቕርን ተኣማንነትን ንምሕዳስ፣ ናብ ልቢ እምነት ንምምላስ" ብፍሉይ መገዲ ዝኽበር ዝነበረን ዘሎን ሃብታም ታሪኽ ሃገረ ስጳኛ ብምዝኽካር፣ ኣብ ቅዱስ ቍርባን ኣብቲ ክቡር እንጌራ ናይ ክብሪ ኣገልግሎት ፈጺሞም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ከተማ ማድሪድ ዝመርሕዎ ዑደት በዓለ ቅዱስ ቍርባን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ከተማ ማድሪድ ዝመርሕዎ ዑደት በዓለ ቅዱስ ቍርባን   (@Vatican Media)

እዚ ልምድታት እዚ ኣብ ዝሓለፈ ዘመናት፣ ሰፊሕ ሰልፊታት እተራእየሉ ልምድታት፣ ንምዕባሌ ስነ-ጥበብን ሙዚቃን ስነ-ህንጻን ህይወትን ህዝቢ ስጳኛን፣ ከምኡ ውን ፍሉይን ፈጠራውን መግለጺታት ከም ዘፍረየ እውን ኣመልኪቶም። እዚኣቶም ከኣ ባህልን ስነ-ጥበብን ጥራይ ዘይኰኑስ፣ "ኣብ ቅድሚ እቲ ህያውን ዘሎን፣ ኣብ ማእከልና ዚመላለስ ዘሎም፣ ንጥሜት ህይወትና ዜጽግበ እንጌራ፣ ነቲ ብጸልማት እተኸድነ ልብናን ታሪኽን እውን ከይተረፈ ዘብርህ፣ እቲ ዝተንሥአ ጐይታ ናይ እምነት ጸዋዕታና እዩ" ክብሉ ድማ ገለጽዎ።

ኣሰንዩናን ይምግበናን ኣሎ

ኣብ ቅዱስ ቍርባን፣ ጐይታናን መድሓኒናን የሱስ ከም ክርስቶስ መጠን፣ ብኸመይ ከም ዝምግበና የዘኻኽረና፣ ኣብ መዓልታዊ ህይወትናን ንጥፈታትናን ብኸመይ "ከሰንየና ኸም ዝወጽእ" እውን የዘኻኽረና፡

"ንሱ ናባና ዝቐረበ ምስ ሕዝቡ ዝመላለስ ኣምላኽ፣ ጐይታ ታሪኽ እዩ። ንሱ ንድኹማት ምጽንናዕ፣ ንስድራ ቤታት ብርሃን፣ ንሕሙማት ተስፋ፣ ነቶም ዚሳቐዩ ድማ ሰላም እዩ። እቲ ኣብ ጐደናታት ብትብዓት ዝሓልፍ ክርስቶስ፣ ምስ ድኻታትን ንጭቍናትን፣ ከምእኡ ውን ምስቶም እተገለሉ ሰባት ኮይኑ ዝልለ እዩ።”

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ወሲኾም፣ ክብረ በዓል ቅዱስ ቍርባን "ካብ ስስዐናን ዘይምግዳስናን ምቾትን ውልቃዊ እምንቶናን ክንወጽእ፣ ነቲ ንምሕዳስ ዘቕረቦ ጻውዒት ምላሽ ክንህብን፣ ኣተሓሳስባና ክንቅይርን፣ ነቲ ዘሓድሰናን ሃነጽቲ ሓዳስ ዓለም ዝገብረናን ህላወኡ ክንቅበል" ከም ዝጸውዓና እውን ገሊጾም።

ኣብ ማእከል ከተማ ማድሪድ ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጵሳት ዝተካየደ ስግደት ቅዱስ ቍርባን
ኣብ ማእከል ከተማ ማድሪድ ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጵሳት ዝተካየደ ስግደት ቅዱስ ቍርባን   (@Vatican Media)

ናይ ሎም ዓመት በዓለ ቅዱስ ቍርባን ድማ ብፍሉይ ዑደት፣ "ኣብ መዓልታዊ ህይወትና ኣብ ርክባትና ኣብ ሕብረተሰብና ከምኡውን ኣብ ህንጸት መጻኢና" ከምቲ ኣብ ንባባት ናይ ቅዳሴ ዝሰማዕናዮ፣ ኣምላኽ ብኸመይ ከም ዜፍቅረናን ዝምግበናን፣ ከም ዘሰንየናን ዜድሕነናን "ክንዝክር"፣ ናይ ወትሩን እዋናዊን ጻውዒት እዩ።

ነዚ መንፈሳውነት ምንባር

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ቀጺሎም፣ "ነቲ ናይ ሃገረ ስጳኛ ናይ ሎሚን መጻእን ዕማም" ዘርዚሮም፣ እዚ ድማ፣ "እቲ ንዘመናት ነዛ ሃገር ዝቐረጸን ዝገለጸን ሃይማኖታዊ መንፈሳውነት፣ ሓደ ክበጽሖ ዘለና ናይ ዝሓለፈ ታሪኽ ቤተ-መዘክር ዘይኰነስ፣ ሎሚ እውን ክንጥቀመሉ እንኽእል፣ ናይ እምነት ቤት ትምህርቲ ምዃኑ ንምርግጋጽ" ምዃኑ ኣመልከቱሎም።

እዚ ቤት ትምህርቲ እዚ ይብሉ ቅዱስነቶም፣ 'ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ኣብ ቅድሚ ብጻይናን ክንምበርከኽ' ይጽውዓና፣ በዚ ኸምዚ ድማ፣ "ውህበት ንዝኾነ ብናጻ ፍቕሪ ... ኣብ ማእከልና ኺውሕዝ እሞ፣ መቝሕ ናይ ኵሉ ስስዐ ይሰብር።" ልክዕ ከምቲ ኣምላኽ፣ "ኣማናዊ ህላወ" ዝዀነ፣ ንሕና እውን "ኣብ ክውንነታትን ብድሆታትን ሕብረተሰብ ክንሳተፍ ተጸዊዕና ኢና... ንሓባራዊ ረብሓ ንምህናጽ ብውልቅና ቈራጽነት ንገብር" ክብሉ ድማ ተላበዉ።

ዑደት ቅዱስ ቍርባን ኣብ ከረማ ማድሪድ
ዑደት ቅዱስ ቍርባን ኣብ ከረማ ማድሪድ   (@Vatican Media)

ካብ ዓይኒ ማይ ቅዱስ ቍርባን ንቕዳሕ

ኣብ መደምደምታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንነፍሲ ወከፍ ሰብ "ብልባዊ ፍቕሪ" ናብ ጐይታ ክምለስን፣ ምስኡ ንምርኻብ ክፉት ክኸውንን፣ "ጽምኢ ልቡ ከርዊ ብምፍቃድ፣ ናብ መገድታት ህይወትን ታሪኽን ክንከይድ እሞ፣ ነዚ ውሒዝ ጽሩይ ማይን፡ ውሒዝ ፍቕርን ንደቂ ሰባት ከነብጽሓሎም ተማሕጺኖም።  ሰላምን ፍትሕን ሓጐስን ናብ ኩሎም ደቂ ሰባት ከነብጽሕ ተጸዊዕና ኣሎና ክብሉ ድማ ኣዘኻኸሩ።

"ንኣሕዋትናን ኣሓትናን ስድራ ቤትናን፣ ንድኻታትን ንመከራን ናይቶም ተስፋ ዝቘረጹን ሰባት ከነዕርፎ ዝልእከና ንግብር፣ ካብዚ ዓይኒ ማይ ቅዱስ ቍርባን ከም ብሓድሽ ክሰትዩ" ድማ ጸልዮም።

"ጸጋ ቅዱስ ቍርባን የሓድሰና ኢዩ፣ ቀለስቲ ኣካላት ንለውጢ ታሪኽ ይገብረና፣ ነቶም እንረኽቦም ሰባት ድማ ምልክት ተስፋ ይግብረና። እቲ ኣብ ቅዱስ ቍርባን ዘሎ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፣ ንዓናን ንስድራ ቤትናን ንሃገርናን፣ ናይ ምልኣት ህይወት ምእንቲ ኺበቍል፣ ናብ ዝተቖርሰን ዝተዋህበን፣ ዚስዋእን እንጌራ ይለውጠና።"

እቲ ክብረ በዓል ድማ በቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝመርሕዎ ዑደትን ቡራኬን ቅዱስ ቍርባንን ተዛዘመ።

ዑደት በዓለ ቅዱስ ቍርባን ኣብ ከተማ ማድሪድ ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መብል 14 ዝተኻየደ
ዑደት በዓለ ቅዱስ ቍርባን ኣብ ከተማ ማድሪድ ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መብል 14 ዝተኻየደ   (@Vatican Media)
መሥዋዕተ ቅዳሴን ዑደትን በዓለ ቅዱስ ቍርባን ኣብ ከተማ ማድሪድ እስጳኛ
08 Jun 2026, 15:35