ናይ ር.ሊ.ጳ. ራብዓይ መዓልቲ ኣብ ስጳይና፡ ካብ ማድሪድ ናብ ባርቸሎና
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብ ርእሰ ከተማ ስጳይና ዘሕለፍዎ ግዜ ንምዝዛም ናይ መወዳእታ ንግሆ ኣብ ማድሪድ ምስ ወለንተይናታት ከም እተራኸቡን እቶም ወለንተይናታት ካልኦት ብሓቂ ኣብዚ ዑደት እዚ ንኽሳተፉን ንኽነብርዎን ንምሕጋዝ ግዜኦም ዘወፈዩ እዮም።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ ጻውዒት ሓገዝ ብቕልጡፍ ምላሽ ኣብ ምሃብ እቶም ወለንተይናታት ዘርኣይዎ ልግሲ ኣጉሊሖም። "ነፍሲ ወከፍኩም ዝከኣለኩም ሂብኩም፡ ልብኹም፡ ኣእዳውኩም፡ ሓሳብኩም፡ ክእለትኩምን ፍሽኽታኹምን ኣቕሪብኩም . . . ኣምላኽ ከምቲ ንሱ ጥራይ ኪገብሮ ዚኽእል ድማ ዓስቢ ይሃብኩም! ርእስኻ ዘይምህላው ንሰብኣውን ስነ-ምግባራውን መንፈሳውን ሸነኻት ናይ ሓደ ሕብረተሰብ ክዕቢ ዝገብር ማይ ብሑቝ እዩ: ፍሉይ ባእታ ናይታ ‘ከተማ ኣምላኽ’ ድማ እዩ” እንክብሉ ኣብ ዘስሞዎ መደረ ከም ዝገለጹ ዜና ቫቲካን ይሕብር።
ካልኣይ ክፋል
ድሕሪ እዚ ርክብ እዚ ቅዱስ ኣቦና ናይ ማድሪድ ሓዋርያዊ ዑደቶም ዛዚሞም ንተመሳሳሊ ሓዋርያዊ ዑደት ድሕሪ ቀትሪ ናብ ባርቸሎና ከም ዝነቐሉን ኣብ ባርቸሎና ምስ ኣተዉ ድማ ኣብ ካቴድራል ቅዱስ መስቀልን ቅድስቲ ኤውላልያን እታ ከተማ፡ ኣብ ጎደናታት ምስ ዝተኣከቡ ሰባት ድሕሪ ምርኻቦም፡ ብናይ ፍርቂ መዓልቲ ጸሎት ኣብታ ከተማ ዘካየድዎ ሓርያዊ ዑደት ከም ዝጀመሩ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኩሉ ሰብ ብዛዕባ ምስሊ መርዓትን ኣካላን ከስተንትን ዝዕድም ኣብ ዝለገስዎ ስብከት፡ እቲ ኣብ ባርቸሎና ዝርከብ ካቶሊካዊ ማሕበረሰብ - ብብዙሕ ናይ መንፈስ ቅዱስ ህያባትን ውህበትን ውልቃዊ ታሪኽን ዝሃብተመ - ኣብነት ምስሊ መርዓት ዘጒልሕ ምዃኑ ኣብሪሆም፡ ብተወሳኺ ኩላትና ብክርስቶስ ሓደ ኣካል ኢና። ልክዕ ከምቲ ኣብ ሓደ ኣካል “ዝሓየሉ ካልኦት ዝደኸሙ ኣባላት ዘለውዎ። ገለ ኣባላት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ስርሖም ይረኣዩ ገሊኦም ድማ ዝያዳ ብጽሞናን ብህቡእ ኣገባብ የሳልጡ፡ ነዚ ብምንጽጻር ኩሉ ሰብ ሓድነት ቀዳምነት ክወሃቦ ይግባእ እንክብሉ ነዚ ብድሆ እዚ ኣቕሪቦም። “ንሕና ስለ ዝተጠርነፍና ሓያላት ኢና፡ ብሓደ መንፈስ ድማ ህያው ስለ ዝኾንና ኢና ንሓብር” ከም ዝበሉ የዘካኽር።
'ንሕና ንኢትኣላውነት ኢና ተፈጢርና'
ምስ መንእሰያት ድማ ባርቸሎና ኣብ ዝርከብ ዓቢይ ናይ ስፖርት ሜዳ ከም እተራኸቡን ድሕሪ ዝቐረቡ ሰለስተ ቃል ምስክርነት፡ ምልዋጥ፣ ናይ ኣእምሮ ጥዕና፣ ዓመጽን ስቓይን ዘንጸባርቕ ቃለ ምዕዳን ለጊሶም።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ዓለማዊ ኣሳልጦ እናሃለወ ኽነሱ ብዛዕባ ዘሎ ባዶነት ዝተዛረበ ሓደ መንእሰይ ዘቕረቦ ሕቶ ኣማእኪሎም፡ "ንሕና ኢትኣላውነት ኢና ተፈጢርና። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ እዩ ነፍሲ ወከፍ ውሱን ኣድማስ ነፍሲ ወከፍ ስጕምትታት ነፍሲ ወከፍ ዓወት - ዜዕግበና እኳ እንተ ዀነ ንቕድሚት ዚደፍኣናን ምንዳይ ክንቅጽል ዚዕድመናን ዝኸውን።"
ንፌራንን ንዅሎም መንእሰያትን "ናብ ውሽጦም ኪጥምቱ" ከምኡውን በቲ ቕልጡፍን ዝውንጨፍ ዘሎ ህይወት ከይጭነቑ ተማሕጸኖም። ነቲ ምስ ጭንቀት ዝገበረቶ ቓልሲ ዝገለጸት ካርሚና ኣማእኪሎም ድማ ኣብ ዝለገስዎ ምዕዳን፡ "እዚ ንሰባት ንጥዑይ ሚዛኖም ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ጸቕጥታትን ትጽቢታትን ውጥረትን ዘቃልዕ ዕቤት ዓሚቝ ጌጋ ከም ዘሎ ዝሕብር ምልክት ኢዩ። ኣብቲ ጸልማት ሰዓታት ንሕማማት ክርስቶስ ክንጥምት ኣሎና - ቢሎም - ኣብ መወዳእታ ነታ ኣብ ዘቤታዊ ዓመጽን ወልፍን ካብ ስድራ ቤታ ምፍልላይን ዘሕለፈት ሰሲልያ እናሓሰቡ፡ "ይቕረ ምባል - ውሽጣዊ ቝስልና ዘሕውየ ሓያል ፈውሲ እከይ - ከም ክፍሊ መስርሕን ጕዕዞን ጌርና ኽንርእዮ ኣሎና" እንክብሉ ከም ዘጒልሑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ብቕንዕና ኣስተንትኖ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንመንእሰያት ድሕሪ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ንዋናዊት ስጳይና ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት ንእዋናዊት ስጳይና ብምርኣይ ድኽነትን ማሕበራዊ ምፍልላይን ባህላዊ ለውጥን ሓዊሱ ብድሆታት ናይ ሎሚ ሕብረተሰብ ብቕንዕና ብምስትንታን እንታይ ዓይነት መጻኢ ብሓባር ክፈጥሩ ከም ዝደልዩ ክሓስቡ ከም ዝሓተቱን፡ “እዛ ሃገር እዚኣ ሽዑ ንኹሉ ዝቕበል ቦታ ክትከውን ትኽእል እያ፣ ክብሪ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ዝኽበረሉን ኩሉ ሰብ ከም ምዃኑ ክፍቀር እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።
