ድለ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ "ሳንታ ማርያ ዲ ጋለርያ" ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ "ሳንታ ማርያ ዲ ጋለርያ"   (@Vatican Media)

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንትግባረ ውጥን ሕርሻን ጸሓያዊ ጸዓትን ቫቲካን ዝኸውን ትካል መስሪቶም

እቲ "ሓፍትና ፀሓይ" (Fratello Sole) ዝተሰምየ ትካል፡ ከምቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ 2024 ብተመሳሳሊ ስም ኣብ ዘውጽእዎ "ሕጋዊ ሰነድ" (Motu Proprio) ዝተገልጸ፡ ናብ "ዘላቕነት ኣብ ዘለዎ ናይ ልምዓት ቅጥዒ ምስግጋር" ዘተባብዕ ክኸውን ኢዩ። እዚ ሓድሽ ትካል እዚ ንማእከል ፈነወ ሬድዮ ቫቲካንን፡ ንሃገረ ቫቲካንን ጸዓት ከቕርብ ኢዩ።

ኣባ ፍሬእግዚእ በኪት - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ኣብ ግዳማዊ ግዝኣት ሃገረ ቫቲካን ኣብ "ሳንታ ማርያ ዲ ጋለርያ" ዝርከብ፡ ነቲ ኣብኡ ዝርከብ ማእከል ፈነወ ሬድዮ ኤሌክትሪክ ንምቕራብ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንምልእቲ ሃገረ ቫቲካን ርእሳ ዝኸኣለት ናይ ጸዓት ዑደት ንምውሓስ ዘኽእል ትካል ሕርሻን ጸሓያዊ ጸዓትን ንምትካል ዝተኣተወ ቃል "ብዘይ ምድንጓያት ብግሁድን ብጭቡጥን ንምትግባር" ዝዓለመ ኢዩ።

እዚ ዕላማ እዚ ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፡ ብዕለት 1 ሰነ 2026 ኣብ ዝተጻሕፈ ወግዓዊ ሰነድ ዝተገልጸ ኮይኑ፡ ብእኡ ኣቢሎም ድማ ነቲ "ዘላቕነት ዘለዎ ናይ ልምዓት ቅጥዒ ንምድንፋዕ" ዝዓለመ "ሓፍትና ፀሓይ" ዝተሰምየ ትካል መስሪቶምዎ።

እዚ ፕሮጀክት እዚ፡ ቅድሚ ሕጂ ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ፡ ብዕለት 21 ሰነ 2024 ኣብ ዘውጽእዎ "ሓፍትና ፀሓይ" ዝተሰምየ ሓዋርያዊ መልእኽቲ ዝተተባብዔ ኢዩ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ከም ዝገለጽዎ፡ ምምስራት እዚ ትካል፡ ነቲ ዝተጠቕሰ "ሕጋዊ ሰነድ" (Motu Proprio) ከምኡ እውን ድሕሪኡ ምስ ሰበ-ስልጣን ኢጣልያ ብዕለት 31 ሓምለ 2025 ዝተፈረመ፡ ብዕለት 27 ግንቦት 2026 ድማ ኣብ ግብሪ ዝወዓለ ስምምዕ ኣብ ግምት ዘእተወ ኢዩ።



እዚ ትካል እዚ ንመጻኢ ናይ ተስፋ ምልክትን፡ ከምኡ እውን ፍርያት ጸዓትን ሕርሻን ብኸመይ ምስ ከባቢ ጥዑም ዝኾነ ዝምድና ክህልዎም ከም ዝኽእል ዘርኢ ኣብነት ኢዩ። እዚ ድማ ምስቲ ኣብ "ስቡሕ አንተ" (Laudato Si’ )፡ "ሰብሕዎ ለእግዚአብሔር" (Laudate Deum)፡ ኣብ ሕጋዊ ሰነድ "ሓፍትና ፀሓይን" (Fratello Sole) ብሓፈሻ ድማ፡ ምስ ማሕበራዊ ትምህርቲ ቤተ-ክርስትያንን ዝተተሓሓዘ፡ ንሓባራዊት ቤትና (ምድሪ) ናይ ምክንኻንን፡ ከባቢያዊ ቀጻልነትን መትከላት ዝሰማማዕ እዩ።

 

"እቲ ትካል፡" ይብል እቲ ወግዓዊ ሰነድ፡ "ሕጋዊ መንበሪኡ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኮይኑ፡ ምሉእ ናይ ስራሕ ንጥፈታቱ ድማ ኣብቲ ካብ ግዝኣት ወጻኢ ዝርከብ ከባቢ ሳንታ ማርያ ዲ ጋለርያ የካይድ።" እዚ ሓድሽ ዝተመስረተ ኣካል እዚ፡ በቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምስዚ ወግዓዊ ሰነድ እዚ፡ ብሓባር ዘጽደቕዎምን ዝኣወጅዎምን ብናይ ገዛእ ርእሱ ሕጋጋት ክመሓደር ኢዩ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ ንመጀመሪያ ሰለስተ ዓመታት ዝጸንሕ ናይቲ "ሓፍትና ፀሓይ" (Fratello Sole) ዝተሰምየ ትካል ዝመርሕዎ ውን ሸይሞም ኣለዉ። ብመሰረት እዚ ድማ፡ ንኣደ መንበር ምምሕዳር ሃገረ ቫቲካን ዝኾና ክብርቲ እናቴ ራፋኤላ ፔትሪኒ ከም ኣደ መንበር፡ ንኣቦ መንበር ምምሕዳር ሓዋርያዊ ውርሻታት ቅድስቲ መንበር(APSA) ዝኾኑ ብፁዕ ኣቡነ ጆርዳኖ ፒቺኖቲ ድማ ከም ምክትል ኣደ መንበር ኮይኖም ተመዲቦም ኣለዉ።

03 Jun 2026, 13:23