እቲ ንር. ሊ. ጳ. ፍራንቸስኮ ዝተንከፎም ስደተኛ ደሴታት ካናሪ፣ 'ሕጂ ንር. ሊ. ጳ. ልዮን ይጽበ
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
እዚ ብንፋስ ማዕበልን፣ ጽምእን ጥሜትን፣ ብሓንቲ ንእሽቶይ ጃልባ ማይ እና ኣዝሮቐት እትኻየድን፣ ጸልማትን ሓሊፉ፣ ነቶም ኣብ ባሕሪ ዝሞቱ ሰባት ዝረኣየን፣ ከምኡ ውን ሓደ ካብቶም ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ውን ሓው ክመውት ዝረኣየ ኢዩ። ብድሕሪኡ ግና ሓድሽ ጅማሬ ረኸበ፦ ምዉቕ ኣቀባብላ ረኺቡ ድማ፣ ኸሻኒ ዀይኑ ብምዕያይ ከምኡውን ናብ ደሴታት ካናሪ ንኽበጽሕ ጻውዒት ቀረበሉ፣ ከምኡውን ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብብሕቱ ኣብ ወደብ ኣርጊንጊን ክበጽሑ ዕድመ ዘቕረብሎም መንእሰይ ኢዩ ዝንበረ። እቲ ወደብ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ስደተኛታት፣ ብብዝሒ ስለ እተጨናነቐ ሓደገኛ ዅነታትን ውን ስለ ዘኸተለ፣ ንሓያሎ ዓመታት እዚ ወደብ እዚ ከም "ናይ ሕፍረት መዕቆቢ" ተባሂሉ ኢዩ ዝፍለጥ ዝነበረ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቲ ኻብ ሰኔጋል ተሰዲዱ፣ ሕጂ ድማ ኣብ ግራን ካናርያ ዝነብር ገፋፍ ዓሳ ዝነበረ ኡሲኖ ፎል ዝጸሓፈሎም ቓላት ምስ ኣንበቡ ኣዝዮም ተደፋነቑ።
ኡሲኖ ኣብ ዝጸሓፋ መልእኽቲ ታሪኹ ኣዘንተወሎም፦ ካብ ኣፍሪቃ ትውልዲ ዓዱ ሓዲጉ ኣብ ደሴታት ካናሪ ሓድሽ ህይወት ምጅማሩ ዝገልጽ ታሪኹ ውን ብሰፊሑ ገለጸሎም። እቲ ዜሕዝን ፍጻመ ብልግስን ስስዐ ዘይብሉን ምትሕብባር እተራእየሉ ዛንታ እዩ ዝነበረ። እዚ ዛንታ እዚ ካብቲ ሓደገይና መገዲ ኣትላንቲካዊ ውቅያኖስ ብህይወት ዝተረፉ፣ እሞ ናብ ገማግም ደሴታት ካናሪ ዝበጽሑ፣ ብዙሓት ስደተኛታት ዘካፍልዎ ዛንታ እውን ኢዩ ዝንበረ።
ድላይ ር. ሊ. ጳ. ፍራንቸስኮ ብር. ሊ. ጳ. ልዮን ፍጻሜ ተኸበ
ኡሲኖን ካልኦት መንእሰያት ስደተይናታትን፣ ናብ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ደብዳቤታት ከም ዝጸሓፉ ዝዝከር ኢዩ፣ ቅዱስነቶም ድማ ንጕዳይ ስደት ሓደ ኻብቲ ቐዳምነት ዝወሃቦ ገይሮም ምርኣይ፣ ነቲ ሓድሽ ህይወት ንኺጅምሩ ዘኽኣሎም ቦታታት ኪበጽሑ ዕድሚኦም ተቐብሉ።
ኢቫ ፈርናንደዝ እትበሃል ጋዜጠኛ ረድዮ ስጳኛ ናብ ላክሰምበርግን በልጅዩምን ኣብ ዝገበርዎ ሓዋርያዊ ጕዕዞ፣ ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ዝጸሓፋሎም መልእኽቲ ከምዚ ዝኣመሰለ ምብጻሕ ነዚ መንእሰይን ንብጾቱን "ዓብዪ ምጽንናዕ" ከም ዝኸውን ጽሒፋ ትርከብ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ በቲ ዘዘንተዉሎም ታሪኾም ተደሪኾም፣ ደድሕሪ ናብ ላምፐዱዛን ለዚቦንን ምብጽሖም፣ ብሳልሳይ ደረጃ ናብ ስደተይናታት ናይ ምብጻሕ ሓዋርያዊ ጕዕዞ ክገብሩ ብምሕሳብ፣ ናብዘን ደሴታት ክበጽሑ ወሰኑ። እንተኾነ ግን ሕማሞን ጸኒሑ ድማ ሞቶም ነቲ ጕዕዞ ንኸይፍጽምዎ ዕንቅፋት ኮኖም።
ሕጂ ግና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ነዚ ድላይ ናይቶም ቅድሚኦም ዝንበሩ ርእሰ ሊቃነ ጳጵሳት ፍራንቸስኮ ተቐቢሎም፣ ኣብ ፍጻሜ ንምብጻሕ፣ ነቲ ናብ ሃገረ ስጳኛ ዝገበርዎ ሓዋርያዊ ጕዕዞ ኣብ ዕለታት 11ን 12ን ሰነ ናብ ደሴታት ካናሪ እውን ክበጽሑ እዮም።
ኡሲኖ ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምስ ካልኦት ስደተኛታትን ቤተሰቡን፣ ምስቶም እቶም ኣብ ባሕሪ ዘገልግሉ ጕጅለታት ድሕነትን ወለንተኛታትን ንምቕባሎም ኣብኡ ክርከብ ኢዩ። ሽዱሽተ ዓመት ይገብር ብቝሪ ደኺሙን ጸሚኡን ኣብ ጥቓ እቲ መዕቈቢ ዝረኸበሉ ቦታ ዳግም ክርከብ እዩ፣ እዚ ቦታ እዚ ኸኣ በቲ ኣብቲ ኸባቢ ዝነብሩ ሰባት ዝረኸቦ ተቕባልን ምሕብሓብን ከይሞቐ እንከሎን - ልዕሊ ኹሉ ድማ ሰብኣዊ ሕቑፊ ከይረኸበ እንከሎን ዝተረኽበሉ ቦታ ኢዩ ዝንበረ።
ካብ ሰኔጋል ተበጊሱ ዘካየዶ ናይ ባሕሪ ምስጋር
"ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ክዘራረብ ዝኽእል እንተ ዀይነ፣ ፈለማ ዝሓቶም ነገር እንተ ኣልዩ፣ ነቶም ኣብ መገዲ ዝሞቱ ስደተኛታት ዝያዳ ንኽንገብር ምእንቲ ክሕግዘና ኢዩ፣" ክብል ኡሲኖ ንመራኸቢ ብዙሓን ቫቲካን ድላዩ ይገልጽ። "ናብዚ ቦታ ክበጽሑ ዝደልዩ፣ ግን ከኣ ፈጺሞም ዘይበጽሑ ሰባት። ሓወይ እውን ኣብቲ ጕዕዞ ሞይቱ እዩ። ብዙሓት ካልኦት'ውን ከምኡ ዝበሉ ሰባት ኣለዉ።"
ኣብ ኣገልግሎት ክሽነ ናይቲ ዝሰርሓሉ ሆቴል ዕረፍቲ ድሕሪ ምርካቡ፣ ኣገልግሎት ዜና ቫቲካን ብተሌፎን ረኹቡ ኣዘራረቦ፣ ንሱ ድማ ብዛዕባ ኩነታት ህይወቱ ንምክፋል ተሓጒሱ ሒደት ደቓይቕ ወሲዱ ኣዘራረበና።
መበቈሉ ካብ ሃገረ ሰኔጋል ኮይኑ፣ ኣብ ሓንቲ ኣብ ገማግም ባሕሪ እትርከብ ከተማ ሰይንት ሉዊስ ዝነበር ዝንበረ ኡሲኑ፣ ብሰንኪ እቲ ኣብቲ ኸባቢ ዘሎ ኢንዱስትሪያዊ ምንግስቓሳት ምግፋፍ ዓሳ ዝተኸስተ ቅልውላው፣ ምስ ሓዉ ዀይኑ ካብታ ሃገር ክስደድ ቅድሚ ምውሳኑ፣ ገፋፍ ዓሳ ዀይኑ ይዓዪ ዝንበረ ኢዩ።
ብዕልተ 12 ሕዳር 2020 ብካዩኮ ተባሂላ እትጽዋዕ ባህላዊት ብዕንጨይቲ እተሰርሐት ጃልባ ወሲዱ ድማ ናብ ግራን ካናርያ ክሳገር ተረኽበ።
ናብ ስጳኛ ምብጻሕ
ኡሲኑ ተዘክሮኡ እንክገልጽ "ኣነ ኣብዚ ክበጽሕ እንከሎኹ ወጋሕታ እዩ ዝንበረ። ቅድሚ ሒደት ሰዓታት እታ ጃልባና ብዙሕ ማይ ኣተዋ፣ ብድሕሪ ከአ ክትጥሕል ጀመረት። እቶም ሳልቫማረ መንካሊናን ዚበሃሉ ጕጅለ ድሕነት ባሕሪ ረኣዩና። ካብኡ ኣድሒኖምና ናብ ኣርጊንጊን ናብ እትወስደና ንእሽቶ ካልእ ጃልባ ኣእተዉና።"
በታ ንግሆ እቲኣ እቲ መዐሸጊ መርከብ ብብዝሒ ስደተይናታት ተጨናኒቓ ነበረ። ዳርጋ 2,000 ዝዀኑ ሰብኡትን ኣንስትን ንሓያሎ መዓልትታት ኣብ ትሕቲ ድንኳናት ስደተይናትን መጽለሊ ዝርኸቡ እውን ነበሩ፣ እዚ ኸኣ ካብ ጸሓይን ዝናምን ዘዕቅል ጥራይ ኢዩ ዝነበር። ኣብታ ወርሒ እቲኣ ጥራይ ልዕሊ 6,300 ስደተኛታት፣ በቲ ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ገማግም ግራን ካናርያ ዚርከብ ንእሽቶ ወደብ ሓሊፎም እዮም።
ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝገብርዎ ዘለዉ ትጽቢት
"ድሕሪ ሒደት መዓልትታት ቀይሕ መስቀል ናብ ሓደ ሆቴል ኣመሓላለፈና" ክብል እውን መስከረ።
ምስ ወዲ ሓወቦኡ ምግብን ክዳንን ኪደሊ ኸሎ ድማ ፈርሚናን ክሪስቶባልን ምስ ዝበሃሉ ክልተ ሰብ ሓዳር ተራኸበ። ሎሚ ማማ ን ፓፓ ኢዩ ክብል ዝጽውዖም። ናብ ቤቶም ተቐበልዎ ዋላ ሓንቲ ንኸይጐድሎ ድማ ሓልዮቶም ለገሱሉ።
"እቶም ዝወሰዱኒ ንሳቶም እዮም። ሕጂ ዝነብረሉ ቦታ ድማ እዚ እዩ" ክብል ይምስክር።
ብሓገዝ እታ ኣብቲ ኸባቢ እትርከብ ጕጅለ ረድኤትን፣ ሰበኻ ኣርጊንጊንን ስጳንኛ ድማ ዕድል ትምህርቲ ረኸበ። ኣብኡ ኣብ ዝበጽሓሉ እዋን ምንባብን ምጽሓፍን ይክእል አይነበረን። ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ነቲ ቛንቋ እታ ሃገር ተማሂሩ ሞያ ውን ኣጥረየ። ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ግራን ካናርያ ምሉእ ብምሉእ ምስ ናብራ ዓለም ኣትዩ ምስ ሕብረተሰብ እቲ ኸባቢ ተሓዋዊሱ ይነብር ኣሎ።
ኣብቲ ሓሓሊፉ ዝበጽሖ ወደብ ድማ ዕለት 11 ሰነ ንግሆ፣ ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ክቕበሎም ተስፋ ይግበረሉ ኣሎ። ከም ስደተኛ ጥራይ ዘይኰነስ ከም ተራ ዜጋ ህይወቱ ዘሓደሰን፣ ክብረቱ ዝረኸበን ናጻ ሰብኣይ ኮይኑ ኢዩ ክቕበሎም።
