2026.06.06 ህሙማን ህጻናት ቤት ሕክምና ህጻነ ኢየሱስ ቫቲካን ንር.ሊ.ጳ ዝለገስዎ ኣሳእል 2026.06.06 ህሙማን ህጻናት ቤት ሕክምና ህጻነ ኢየሱስ ቫቲካን ንር.ሊ.ጳ ዝለገስዎ ኣሳእል  (@Vatican Media)

ህሙማን ህጻናት ቤት ሕክምና ህጻነ ኢየሱስ ቫቲካን ንር.ሊ.ጳ ዝለገስዎ ኣሳእል

ሕጻናት ቤት ሕክምና ህጻነ ኢየሱስ ቫቲካን ንር.ሊ.ጳ ልዮን መበል 14 ኣብዚ ናብ ስጳይና ዝገብርዎ ሓዋርያዊ ጉዕዞኦም ሰናይ ምንዮቶም ብዝገልጽ ኣሳእል የሰንይዎም፡ እቶም ሕጻናት ዝሳእልዎ ናይ ሰናይ ምንዮት መግለጺ ንቕዱስነቶም ኣብታ ናብ ስጳይና ኣብ ዝተጓዕዙላ ነፋሪት ናይ መራኸቢ ብዙሓን ጉዳይ ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ጋዜጠይናታት ከም ዘረከብዎም ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገር ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ሮማ ኣብ ዝርከብ ብናይ ሃገረ ቫቲካን ቤት ሕክምና ሕጻነ ኢየሱስ ዝለዩ ህሙማን ህጻናትን መንሰያትን ዝሰርሕዎ ኣሳእል ናብ ስጳይና ኣብ ዝጓዕዙላ ነፋሪት ከም እተረከቡ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ እቲ ኣሳእል ናይ ቅዱስነቶም ጉዕዞ፡ ሓዋርያዊ ሓላፍነቶምን ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮሳዊ ጸዋዕታኦምን ማእከል ዝገበረ ናይ ሰናይ ጉዕዞ ምንዮኣት መግለጺ ኮይኑ፡ ቅዱሰንቶም ስለ እቲ ካብቶም ህሙማን ህንጻናት ዝቐረበሎም ኣሳእል ብልቢ ከም ዘመስገኑ ኣፍሊጡ።

07 Jun 2026, 14:29