ድለ

ር. ሊ. ጳ. ኣብ እስጳኛ፦ ክርስትያን ምእመናን ኣብ ዓለም 'መባዅዕቲ' ክኾኑ ተማሕጺኖም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ምስቶም ነቲ ኣብ ሃገረ እስጳኛ ንዘካየድዎ ዘለዉ ሓዋርያዊ ዑደት ኣብ ምስንዳው ንዝሓገዙ ወለንተኛታት ተራኺቦም፣ ክርስትያን ምእመናን ከኣ ኣብ ዓለም "ንዓይ ይጥዓመኒ ዘይብል መባዅዕቲ" ክኾኑ ኣተባብዕዎም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ታማሊ ሰሉስ ዕለት 09 ሰነ፣ ነቲ ቀዳማይ ክፋል ሓዋርያዊ ዑደቶም ናብ ሃገረ እስጳኛ ንምጥቕላል ምስቶም ነዚ ምብጻሕ እዚ ኣብ ምስንዳው ዝተሓባሩ ወለንተይናት ብምርኻብ ዛዘምዎ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብቲ ርክቦም ኣብ ዘካፈልዎ ሓሳባት፣ ጻዕርታቶም "ንጐይታን ንቤተ-ክርስትያንን ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳትን ካብ ዘለዎም ፍቕሪ ተላዒሎም" ብምግላጾም፣ ንኣገልግሎቶም ልባዊ ምስጋናኦም ኣቕረቡሎም።

ነቲ ልባዊ ልግሶም ብምንኣድ ድማ፣ ነቲ ወለንተኛታት ንምርካብ ዝቐረበ ጻውዒት ብኡንብኡ ምላሽ ከም ዝሃቡሉን፣ ካብቲ ዘድሊ ንላዕሊ ብዙሓት ግዜኦም ከም ዘካፈሉን እውን ገሊጾም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምስ ወለንተኛታት ኣብ ዝገበርዎ ዘካየድዎ ርክብ ንዝለገስዎ ቃል ኣብዚ ኣንብብ!

ብዙሓት ሰባት ካብ ዕለታዊ ስራሕ ዕረፍቲ ወሲዶም፣ ገሊኦም ከኣ ነዚ መደባት ንምድላው ንሓያሎ ኣዋርሕ ምሉእ ብምሉእ ገዛእ ርእሶም ብምውፋይ ኣበርክቶ ከም ዝገበሉ ብሞሳ ዘከርዎ።

"ነፍሲ ወከፍኩም ልብኹምን ኣእዳውኩምን ሓሳባትኩምን ተውህቦኹምን ፍሽኽታኹምን ብምሃብ ዝከኣለኩም ኩሉ ጌርኩም ኢኹም" ክብሉ ድማ ኣሞገስዎም። "ኣምላኽ ንሱ ጥራይ ዝፈልጦ ዓስቢ ይሃብኩም!” ክብሉ ድማ መረቕዎም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣስዒቦም ኣብ ኵሉ ቦታ ንዝርከቡ ክርስትያን ምእመናን 'ናይቲ ንዓይ ይጥዓመኒ ዘይብል ፍቕሪ መባዅዕቲ ክኾኑ' ኣተባብዕዎም።

ነቲ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብዛዕባ ማይ ብሑቝ ዝሃቦ ምሳሌ ብምዝካር፣ እዞም ወለንተኛታት ዘርኣይዎ ልግሲ፣ ክርስትያን ምእመናን ንኻልኦት ብምክንኻን ንማይ ብሑቕ ሕብረተሰብ ብኸመይ መባዅዕቲ ከም ዝኾንዎ ዘርኢ ምዃኑ እውን ገለጹ።

"ንዓይ ይጥዓመኒ ዘብል ምዃን ማለት፣ ብልክዕ ከምቲ ሰብኣውን ስነ-ምግባራውን መንፈሳውን ስፍሓት ሕብረተሰብ ከም ዚዓቢ ዝገብር መባዅዕቲ እዩ፣ ፍልይ ዝበለ ገጽ ናይ 'ከተማ ኣምላኽ' ድማ እዩ" በሉ።

ኣብዛ ጥቕሚ ገዛእ ርእስኻን መኽሰብን ብምድላይን ዝመልአት ዓለምና፣ ክርስትያን ምእመናን ዋላ እውን ነቶም ኪመልሱልና ዘይክእሉ ሰባ ሰናይ ምግባር ዜጠቓልል እኳ እንተ ዀነ፣ ናብ ምሉእ ሰብኣዊ ምዕብልና ዚመርሕ መገዲ ኺሓስቡን ኪነብሩን ኣለዎም ክብሉ ድማ ተማሕጸንዎም።

ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንመንግስተ ሰማያት ከም መባዅዕቲ ናብ ዓለምና የምጽኣ፣ ነቶም ዝሓመሙ ደቅሰባት ድማ ብመስዋእቱን ብሓዊ ቅዱስ መንፈሱን ኣሕወዮም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ወሲኾም፣ "ድሕሪ ሞቱን ትንሳኤኡን ንደቀ መዛሙርቱ ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ፣ ከም ምልክትን መሳርሒታትን መንግስቱ ጌሩ፣ ፍቕርን ፍትሕን ሰላምን ኣብ ዓለም ከስፍኑ ለኣኾም" በሉ።

ክርስትያን ምእመናን ንመንግስቲ ኣምላኽ ብስብከትን፣ ብፍላይ ከኣ በቲ ምስ ወንጌል ብዝሰማማዕ ኣነባብራና እዮም ዘስፍሕዋ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ቀጺሎም፣ ነቶም ወለንተኛታት ስለቲ ዘርኣይዎ ልግሲ ደጊሞም ኣመስገንዎም፣ ብፍቕሪ ኣምላኽ ዝመልአ ዕዮኦም ንከተማ ማድሪድ ንመንግስቲ ኣምላኽ ንኽትቅበል ከም ዝሓገዝዋ ድማ ገለጹ።

"እዚ ዅሉ ጸጋኡ እዩ!" ድማ በሉ ቅዱስ ኣቦና። እቲ ምሥጢር እዚ እዩ፦ እታ ንጸሓይን ንከዋኽብትን እተንቀሳቕስ ፍቕሪ ኣምላኽ፣ ንልቢ እቶም ንጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እተራኸቡ እውን ትትንክፍ ፍቕሪ እያ፣ ከመይሲ ንሱ ባዕሉ 'ካብ ምቕባልሲ ምሃብ ይባረኽ' ስለ ዝበለና።

ኣብ መደምደምታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን፣ ነቶም ነዚ ሓዋርያዊ ዑደት እዚ ዘዳለዉዎ ወለንተይናታት ኣብዚ ኩነት እዚ ዘሕለፍዎ ተመክሮ፣ ብትሕትናን ብጽኑዕ እምነትን ልግስን ኣብ ኣገልግሎቶም ኣብ መዓልታዊ ህይወቶም ናብ ካልኦት ከመሓላልፍዎ ኣተባብዕዎ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ማድሪድ ምስ ኣገልገልቲ ወልንተይናታት ዘካየድዎ ርክብ
10 Jun 2026, 16:16