ድለ

ብመንገዲ ሓድነት ወንጌል ምምስካር! ብመንገዲ ሓድነት ወንጌል ምምስካር!  ርእሰ ዓንቀጽ

ብመንገዲ ሓድነት ወንጌል ምምስካር!

ናይ ዜና ቫቲካን ዋና ኣሰናዳኢ ኣንድረያ ቶርኒየሊ ብዛዕባ መልእኽትን ጽልዋን ቀዳማይ ዓመት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ዘቕረቦ ርእሰ ዓንቀጽ ዜና ቫቲካን የስተንትን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ሰላምን ሓድነት ቤተ ክርስቲያንን ዝብል ተደጋጋምን መሰረታውን ዛዕባታት ናይ ቀዳማይ ዓመት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ከም ዝኾነን ምንቲ እዞም ክልተ መሰረታውያን ዛዕባታት እውን ጸሎት ምሕታት ይቕጽሉ ኣለዉ። ብሰንኪ ምብዛሕ ትርጉም ኣልቦ ግርጭታትን ገስጋሲ ፍግረት ኣህጉራዊ ሕግን ሰላም ንርእሱ ከም ህጹጽ ቀዳምነት ዘለዎ እንተኾይኑ፡ ሓድነት ቤተ ክርስቲያን ነቶም ኣብ ቺካጎ ዝተወልዱ ኣብ ፔሩ ወንጌላዊ ልኡኽን ጳጳስን ኮይኖም ዘገልገሉ ጳጳስ ሮማ ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ስልጣናዊ ትምህርቲ ሕመረት እዩ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ንሓድነት ኣመንቲ ክርስቶስ ዝገብርዎ ጻውዒት ደጋጊሞም ዘቕርብሉ ኣገባብ ብፍላይ ትርጉም ዘለዎን ምስ ጠለብ 'ንቡርነት' ወይ ንፍልልያት ዘዳኽምን ምናልባት እውን ንጽጽር ዘደስክል ህድኣት ዝተሓሓዝ ኣይኰነን።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነዚ ዕለት 7 ጥሪ 2026 ኣብ ዝጸውዕዎ ፍሉይ ጉባኤ ካርዲናላት ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ብንጹር ገሊጾምዎ እዮም፣ ነቲ ቅድሚኦም ዝነበሩ ጳጳሳት ዝሓቖፍዎ ጉባኤኣዊ ኣረኣእያ ኣብ ዘቕረቡሉ እዋን፣ ነቲ  ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ ብራዚል ብምስዳዕ ዘይኮነስ ብምምራኽ ዝበልዎ ትምህርቲ ጠቒሶም፡ "ቤተክርስትያን - ይብሉ በነዲክቶስ መበል 16 - ብምስዳዕ ዘይኮነስ ብምምራኽ" እያ ትዓቢ፡ ከምቲ ክርስቶስ ብሓይሊ ፍቕሩ “ንኹሉ ናብ ገዛእ ርእሱ ዝስሕቦ”፣ ኣብ መስዋእቲ መስቀል ብፍጹም ደረጃ ዝገለጾ፣ ከምኡ ድማ ቤተ ክርስቲያን ምስ ክርስቶስ ብምትሕብባር ንነፍሲ ወከፍ ተግባራታ ብመንፈሳውን ግብራውን ንእተፍቅሮ ኣምላኽ ብምምሳል ተልእኾኣ ትፍጽም።"

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን፡ ቅድሜኦም ዝነበሩ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ "ምስዚ ሓሳብ እዚ ፍጹም ስምምዕ ከም ዝነበሮም እውን ብምዝኽካር፡ ኣብ ዝተፈላለየ ኵነታት ድማ ብዙሕ ግዜ ከምዝደጋገምዎን" ድሕሪ ምዝካር፡ "ሎሚ ነዚ ሓሳብ እዚ ክደግሞን ከካፍለኩምን እደሊ። ነዚ ናይ ስሕበት ምንቅስቓስ ዝድርኽ “ሓይሊ” ብምባል ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ዘመልከትዎ ብቐረባ ከነስተብህለሉ ይዕድሙ። ብሓቂ እዚ ሓይሊ እዚ ግብረ ሰናይ - ዝሳዋዕ ፍቕሪ"፣ ብኢየሱስ ክርስቶስ ስጋ ዝለበሰ ፍቕሪ ኣምላኽ እዩ . . ."

ኣብቲ መደረኦም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮን መበል 14 “ፍቕሪ ክርስቶስ ንቕድሚት ክንጓዓዝ ይላበወና” . . . ምኽንያቱ ዝወነነና ስለ ዝኸደነናን ስለ ዝማረኸናን እዩ እዚ እዩ እቲ ንዅሉ ሰብ ናብ ክርስቶስ ዝስሕብ ሓይሊ . . . ሓድነት ክስሕብ እንከሎ፣ ምፍልላይ ድማ ፋሕፋሕ የብል” እንክብሉ ኣረጋጊጾም - ፊዚክስ እውን ነዚ ዘረጋግጽ ይመስለኒ፣ ብደረጃ ደቂቕን ብግዙፍን። ስለዚ ድማ፣ ንዅሉ ሰብ ናብ ክርስቶስ ዝስሕብ ሓይሊ እዩ። ናይ ብሓቂ ልእኽቲ ቤተ ክርስቲያን ክንከውን፡ ነቲ ሰሓቢ ሓይሊ ፍቕሪ ክርስቶስ ክትምስክር እትኽእል፡ ቅድሚ ዅሉ ነቲ ኣእጋር ደቀ መዛሙርቱ ድሕሪ ምሕጻብ "ከምቲ ኣነ ዘፍቀርኩኹም፡ ንስኻትኩም እውን ንሓድሕድኩም ተፋቐሩ” እንክብል ዝሃበና እንኮ ትእዛዙ ኣብ ግብሪ ከነውዕሎ ይግባእ።

ኢየሱስ ዝሃቦ ቃላት ልቢ እቲ ተልእኾ ዘመልክት እዩ: "ንሓድሕድኩም ፍቕሪ እንተ ደኣ ሃልይኩም: ደቀ መዛሙርተይ ምዃንኩም ኵሎም ክፈልጡ እዮም።" በዚ ኸኣ ሓድነት ቤተ ክርስቲያን ነቲ ቃላት ኢየሱስ ኣብ ምንባር ዓቕሚ ይግለጽ፣ ብጸጋ፣ ምስ ኣሕዋትን ኣሓትን ሓድሽ ዝምድናታት ብምጽናዕ፡ በዚ ክእለት እዚ ንሓድሕድካ ምፍቃርን ንሓድሕድካ ይቕረ ምብህሃልን ይግለጽ፣ እዚ ድማ እቲ ብሓቀይና ዝነብር ክርስትያናዊ ተመክሮ ኣብ ልዕሊ ነፍሲ ወከፍ ፍልልይን ምፍልላይን ዝሰዓረ ሕብረት ክደምቕ ይፈቅድ።

ኩላትና ዝተጸዋዕና፣ ኩላትና ምሕረት ዘድልዮም ሓጥኣን ዘይብቑዓት ኣገልገልቲ፣ ኩላትና ብማዕረ ብዘይግብኣና ደረት ኣልቦ ፍቕሪ ዘዕለቕለቕና ምዃንና ብምግንዛብ፣ ወጥርን ግርጭትን ናይ ምስዓር ዓቕሚ ነዚ ይግለጽ። ሲኖዳውነት ብናይ ምንባር ዓቕሚ ዝግለጽ ኮይኑ፡ እዚ ድማ ብጀካ እቲ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሕብረት ናይ ምህላው ጭቡጥ ኣገባብ ካልእ ኣይኮነን።

ማሕበረሰብ ክርስቲያን በዚ መንገዲ ክነብር ከሎ ጥራይ እዩ ዝማርኽ ወይ ዝስሕብ። ከምኡ’ውን ርእሰ - ማእከልነት ኣብ ዘይብሉ እዋን፡ ብናይ ገዛእ ርእሱ ብርሃን ዝደምቕ ኣብ ዘይመስሎ ወይ ንናይ መወዓውዒ ትካላት ናይ ዕዳጋ ስነ ሜላታት ኣብ ዘይመሳሰለሉ እዋን፡ ስነ ህልዩኣዊ ውልትውናን ጸዓት ኣብ ዘይገብረሉ እዋን’ዩ ዝስሕብ።

ክርስትያናዊ ማሕበረሰብ ብሓድነቱ ኣቢሉ ብርሃን ካልእ ምስ ዘንጸባርቕ ልኡኽ ይኸውን፣ ነቲ ንሱ ንመጀመርታ ግዜ ዝረኣዮን ምስ ክርስቶስ ኣብ ዝራኸበሉ መዓልቲ መዓልቲ ዘስተማቕሮ ዘሎ ምሕረት ከመይ ገይሩ ከም ዘቕርብ ይፈልጥ እዩ።

ሓድነት ቤተ ክርስቲያን ምትእስሳር ወይ ስቕ ዝበለ ሓባራዊ ምንባር ጥራይ ዘይኮነስ፡ ፍረ ናይቲ ኣብ ዙርያና ዝኸበበናን ኣብ ኩሉ ቦታ ከንጸባርቕ ዝደልን ፍቕሪ፡ ሓድነት ኣብ ልዕሊ ውልቃዊ ተዋሳእነት፡ ሕብረት ኣብ ልዕሊ ምፍልላይ፡ ልኡምነት ኣብ ልዕሊ ትዕቢት፡ ቃላት ሰላም ኣብ ልዕሊ እቲ ብሕማቕ ኣጋጣሚ ንብዙሕ ስነ ኣሃዛዊ ዓለም ዝጸልው ቋንቋ ጽልኢ ከም ዝስዕር ዝገብር እዩ።

ሓድነት ቤተ ክርስቲያን ንክርስትያን ወይ ንኣመንቲ ጥራሕ ዝምልከት ኣይኮነን።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ስልጣኖም - ርእሰ ሊቃነ ጵጵስናኦም ብወግዒ ንኸበግሱ ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ዘስምዕዎ ስብከት፡ "ሓንቲ ስምርቲ ቤተ ክርስቲያን፡ ምልክት ሓድነትን ሕብረትን፡ ንዕርቂ ዓለም ማይ ብሑቝ እትኸውን ቤተ ክርስቲያን እዩ ድሌተይ" እንክብሉ ገሊጾም እዮም፡ ዓለም ናብ ክርስቶስ ክትጥምት፡ ናብኡ ክትቀርብ፡ "ሓንቲ ስድራ ቤት፡ 'ኣብቲ ሓደ ክርስቶስ፡ ንሕና ሓደ ኢና' ዝብል ቃል ክንሰምዕ ዓዲሞም። እዚ እዩ እቲ ሓቢርና ክንከተሎ ዝግበኣና መንገዲ፡ ኣብ መንጎና ግን ከኣ ምስ ኣሓትና ክርስትያን ኣብያተ ክርስቲያን፡ ምስቶም ካልእ ሃይማኖታት ዝኽተሉ፡ ምስቶም ንኣምላኽ ዝደልዩ፡ ምስ ኩለን ሰናይ ድሌት ዘለወን ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን፡ ሰላም ዝነገሰላ ሓዳስ ዓለም ንምህናጽ!"

ኣብ ታሪኽ ወዲ ሰብ ኣብ መዓተይና ሰዓት፡ ኣብዛ ብውግኣት ዝተበታተነት ዓለም፡ ሓድነት ቤተ ክርስቲያን ንኹሉ ናይ ሰላም ትንቢት እዩ፡ እንክብል ኣንድረያ ቶርኒየሊ ዘቕረቦ ርእሰ ዓንቀጽ ይዛዝም።

(Andrea Tornielli)

08 May 2026, 16:49