2026.05.06 Udienza Generale 2026.05.06 Udienza Generale  (@Vatican Media)

ኣስተምህሮ ር. ሊ. ጳ ልዮን ብዛዕባ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን፡ እቲ ንቤተክርስቲያን ዝመርሓ ዘሎ ኮኾብ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ብዛዕባ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዘተኮረ፣ ኣብ ዓሰርተው ኣርባዕተ ክፍልታት ትምህርተ-ክርስቶስ ኣብ ዘመሓላለፍዎ፣ እዚ ጉባኤ እዚ ከም ነባሪ "ሰሜናዊ ኰዀብ" ቤተ-ክርስትያን ገይቶም የቕርብዎ፣ ካቶሊካውያን ምእመናን ንክርስቶስ ንምስባኽ፣ ንሰብኣዊ ክብሪ ንምጥባቕ፡ ፍትሕን ሰላምን ንምድንፋዕ፡ ከምኡውን ኣብ ወንጌል ብምትእምማን ንቤተ-ክርስትያን ንምሕዳስ፣ ሰነዳት እዚ ጉባኤ ከም ህያው መምርሒ ገይሮም እንደገና ክምርምርዎ ጻውዒት ኣቕሪቦም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ድሕሪ ስሳን ሓደን ዓመት ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን፣ እዚ ጉባኤ እዚ ከም ነባሪ ብሶላ ናይ ኣድማሳዊ ቤተክርስትያን ኰይኑ የገልግል ኣሎ። በዚ እምነት እዚ ኢዮም እምበኣር፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንሰነዳት እቲ ጉባኤ እተወፈየ ሓድሽ ተኸታታሊ ኣስተምህሮታት ዘዳለዉ።

ነዚ ውሳኔ ቅድሱነቶም ድማ ክልተ ረቛሒታት ክመርሕዎ ይርከቡ - "እቶም ኣብ እዋን ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዝነብሩ ወለዶ ጳጳሳትን ሊቃውንቲ ሥነ መለኮትን ምእመናንን፣ ደጊም ምሳና ከም ዘየለው ምፍላጥ"፣ ከምኡ'ውን "ትንቢት እዚ ጉባኤ እዚ ንኸይጠፍእ" ዘለዎ ኣገዳስነት "ንምስትውዓሉን ኣብ ግብሪ ንምውዓልን መገድታትን መጋበሪታትን ኣብ ምድላይ ንምቕጻል" ኣድላዪ ምዃኑን ኢዩ።

ልዕሊ ዅሉ ድማ፣ እቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነዚ ጉባኤ እዚ፣ "ብዘረባ ወይ በቲ ዝቐረበ ትርጕማት ዘይኰነስ፣ ንሰነዳቱ እንደገና ብምንባብን ብዛዕባን፣ ትሕዝቶኡ ብምስትንታንን" ኣፍልጦና ምዕባይ ኣድላዪ ምዃኑ ገለጹ።

ስለዚ ነቲ ኣብ 1965 ዓ.ም. እተዓወጀ ሰነዳት ዳግመ ምምርማር ንቤተ-ክርስትያን፣ "ነቲ ኣብዚ ዘመናዊ መዋእል ዘሎ ለውጥታትን ብድሆታትን ንኽትርዳእ" ከምኡውን "ዝያዳ ፍትሓውን ሕውነታውን ሕብረተሰብ ንምህናጽ ክትሕግዝ" ኣጋጣሚ ይኸፍተላ፣ ንደቂ ሰብን ከምኡ ውን ንተስፋኦምን ጭንቀቶምን "ክፉት ኣእዳው" ሒዛ ከም እትቕጽል ድማ ይገብራ።

ንመለኮታዊ ምስጢር ዚገልጸሉ ምሉእ ሰብኣውነት ክርስቶስ

ካብ ዕለት 7 ጥሪ ክሳብ ዕለት 6 ግንቦት - ብዘይካ ኣብቲ ናይ ዘመነ ጾም ሱባኤ ዘካየዱሉን ሓዋርያዊ ዑደት ንምክያድ ናብ ኣፍሪቃን ዝኸዱሉን እዋን፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ክሳዕ ሕጂ 14 ኣስተምህርቶታት ብምክፋል፣ ኣብ ክልተ ዶግማዊ ቅዋማት እዚ ጉባኤ እዚ ዘተርኮረ፣ ማለት ኣብ “ቃል እግዚባሔር” (Dei Verbum) ብዛዕባ መለኮታዊ ግልጸት ዘስተምህር ሰነድን ከምኡውን ኣብ “ብርሃን ኣሕዛብ” (Lumen gentium) ብዛዕባ ቤተክርስትያን ዝገልጽ ሰነድን እተመርኮሰ ኣስተምህሮታት ኣካፊሎም።

እቲ ቐዳማይ ኣብ ሓሙሽተ ክፍልታት ትምህርተ-ክርስቶስ እተኸፋፈለ ኮይኑ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 "ሓደ ኻብቲ ኣዝዩ ጽቡቕን ኣገዳስን ሰነዳት እዚ ጉባኤ" ክብሉ ገሊጾምዎ ይርከቡ። ምኽንያቱ ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ከም ዚዛረቦምን ምስኡ ዕርክነት ንኺምስርቱ ኸም ዚዕድሞምን ዘዘኻኽረና ክንዲ ዝኾነ ድማ ኢዩ።

ክርስቶስ ከም ሓቍ እኳ ደኣስ፣ ኣብ ሰብኣዊ ገጽ ኣምላኽን ከምኡ ውን ኣብ ታሪኻዊ ህይወቱ ማለት ካብቲ ሥጋ ዝለበሰሉ እዋን ክሳብ ዕለተ ትንሣኤኡ ብምልኣት ንኣቦ ገለጸልና። እዚ ድማ ንሰብኣዊ ኣካልነት ዘዳኽም ሓቂ ዘይኰነስ፣ ንደቂ ሰብ ናብ ፍጻሜ ዘብጽሕ ሓቂ ኢዩ፣ ጐይታ "ሥጋ ስለ ዝለበሰን፡ ዝተወልደን፡ ስለ ዝፈወሰን ዝመሃረን፣ ስለ ዝተሳቐየን ዝሞተርን ዳግም እውን ስለዝተንስአን ከምኡውን ኣብ መንጐና ክነብር ይቕጽል ስለዘሎን” ድማ ንመለኮታዊ ምስጢር ዝገለጽ ምሉእ ሰብኣውነት ክርስቶስ ክንዲ ዝኾነ ኢዩ።

ካብዚ ብምቕጻል ድማ ኣብ ሓድነት ቅዱሳት ጽሑፋትን ቅዱስ ትውፊት ቤተክርስቲያንን እተመስረተ ንቤተ-ክርስትያን ብሕድሪ እተዋህበ ሓደ "ማዕከን" ተባሂሉ ዝፍለጥ ናይ ክርስትና ሓያል ግልጸት  ይምንጩ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብዚ ክፍሊ እዚ፣ ብዛዕባ ኽልተ ሓደጋታት የጠንቅቑ። በቲ ሓደ ሸነኽ ንቅዱሳት መጻሕፍቲ "ካብቲ ዝማዕበለሉ ታሪኻዊ ሃዋህዉን፣ ካብቲ ኣብ ፈለማ እተጠቕመሉ ስነ-ጽሑፋዊ ቅርጹን" ፈልዩ ትርጉም ዝህብ ጥሩፍነት ዘለዎ ኣገባብ ንባብ ናይ ምኽታል ሓደጋ ኣሎ። በቲ ኻልእ ሸነኽ ከኣ ንመለኮታዊ መበቈል ቅዱሳት መጻሕፍቲ ዕሽሽ ብምባል፣ ናብ "ሰብኣዊ ትምህርቲ" ማለት ተክኒካዊ ወይ ግዜኡ ዝሓለፎ ጽሑፍ ምንካይ እውን ሓደገኛ እዩ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብ ኣስተምህሮታቶም፣ ኣብ ክንዳኡስ ይብሉ፣ ወንጌል "ኣምላኽ ኣብ ኵሉ ኽሊ ዕድመ ንዝርከቡ ሰብኡትን ኣንስትን ዝዛረበሉ ፍሉይ ናይ ምርኻብ ስፍራ” ከም ዘለዎ ኣጕሊሖም። ኣብዛ ባዶ ቃላት ዝመልአት ዓለም ቃል ኣምላኽ ወትሩ ሓድሽን፡ ህይወት ዝህብን፡ ንጽምኢ ናይቶም ትርጕምን ሓቅን ዚደልዩ ደቂ ሰብ ከርዊ ኸም ዚኽእልን ምክኑ ጐሊሖም ኢዮም።

ቤተክርስትያን ረድኤት ናይ ድኻታትን፡ ናይቶም ዝምዝመዙን፡ ግዳያትን ኢያ

ካብ ዕለት 18 ለካቲት ኣትሒዞም ናይ ሮማ ጳጳስ፣ ትምህርትታቶም ኣብቲ  ክሳዕ ሕጂ ኣብ ሸሞንተ ክፍልታት ከፊሎም ብዛዕባኡ ዘስተምህሩ ዘለዉ “ብርሃን ኣሕዛብ” (Lumen gentium) እረሰምየ ሰነድ ናይዚ ጉባኤ እዚ ዘተኰረ እዩ ዝነበረ።

በዚ ሰነድ እዚ ኣቢላ ቤተ-ክርስትያን ከም "ውጽኢታዊ ምልክት ሓድነትን ዕርቅን፣ ኣብ መንጎ ህዝብታት" ከምኡውን "ኣብ ማእከል እቲ ገና ብምክፍፋልን ግጭትን እተበታተነ ሰብኣውነት፣ ቀዳሲ ህላዌ ዘለዋ" ኰይና ትርከብ ኣላ።

ቤተ-ክርስትያን ንዅሉ እቲ ንህይወት ደቂ ሰብ ዜዋርድ ዘበለ ነገራት ንምንጻግ "ብግልጺ ንምዝራብ" ተልእኾ ተዋሂብዋ ኣሎ፣ ንድኻታትን ነቶም ዝምዝመዙ ዘለዉን ንግዳያትን፣ ኮታስ ንኵሎም እቶም ዚሳቐዩን ንምጥባቕ "ሓደ ኣቕዋም ክትሕዝ" ተጸዊዓ ኣላ። ኣብ ርእሲ እዚውን ቤተክርስትያን ኣብ ሥነ-መፈጽምታት ዝተመርኮሰ ስፍሓታ ምርኩስ ብምግባር ነቲ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ጕዕዞ እተብርህ ተጣቒት ተስፋ እያ።

ምስክርነት ወንጌል ብሓድነት

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ብዛዕባ ኽልተ መዳያት ህይወት ቤተ-ክርስትያን ብምትኳር ዘዳለዎ ኣስተምህሮታት እውን ማእከላዊ እዩ ዝንበረ፦ እዚ ድማ ሃይራርቃውን ከምኡ ውን ሥነ-መፈጸምታውን ዝኾነት ባህርያት ቤተክርስትያን ኢዩ ዝንበረ።

እቲ ቐዳማይ፣ ነቲ ክርስቶስ ንሓዋርያቱ ብሕድሪ ዝሃቦም ተልእኾ ንምቕጻል እዩ ዘመልክት። እወ ኣቅላሲያውያን ተቕዋማት ንተልእኾአን ምሉእ ብምሉእ እሙናት ኪዀና እንተ ደአ ዀይነን፣ "ቀጻሊ ዘተታትን፡ ትሓድሶ ኣቕዋማዊ ቅርጾምን ከምኡውን ተሓድሶ መዋቕራቶም" ንምድንፋዕ ኪጽዕራ ኣለወን።

እቲ ኻልኣይ ስፍሓት - ማለት እቲ "ኣገዳሲ" ተባሂሉ ተገሊጹ ዘሎ - ምእመናን "ሓባራውን ኣድማሳውን ስፍሓት ድሕነት ኣብ ክርስቶስ" ክሓስቡ ይዕድሞም፣ ነዚ ኣረኣእያ እዚ ብምግምጋም ድማ ንዅሉ ነገራት ክግምግሙ ጻውዒት የቕርበሎም።

ምእመናን ናይ ፍትሕን ሰላምን መሰኻኽር እዮም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ኣስተምህሮታቶም፣ ነቶም ዝያዳ ድልዱላት መሰኻኽር ፍትሕን ሰላምን ኪዀኑ እተጸውዑ ምእመናን እውን ፍሉይ ቈላሕታ ሂቦም እዮም። እቲ "ሰፊሕ ዓውዲ" ሓዋርያዊነት ምእመናን ኣብ ኣቅላሴያዊ ቦታታት ጥራይ እተሓጽረ ክኸውን የብሉን፣ የግዳስ ኣብ ኵሉ ስፍራታት ጽባቐ ክርስትያናዊ ህይወት ብምግላጽ ናብ ዓለም ክዋፈሩ ኣለዎም።

ኣብ መወዳእታ ድማ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ናብ ኣርእስቲ ቅድስና ተመሊሶም ይርከቡ። ቅድስና ፍሉይ መሰል ናይ ሒደት እተመርጹ ሰባት ዘይኰነስ፣ ብመሰረቱ ናይ ኵሎም ክርስትያናን ጸዋዕታ ምዃኑ ገለጹ።

ስለዚ ኣብ ማእከል ፈተናታትን ስደትን ዓለም፣ ምእመናን "ምልክታት እምነትን ፍቕርን" ብምሃብ ኣብ ፍትሒ ብምውፋይ መዓልታዊ ተልእኾኦም ብምፍጻም፣ ተሓድሶን ምስክርነትን ክገብሩ የተባብዕዎም።

08 May 2026, 15:09