2019.10.19 Congregazione per la dottrina della fede 2019.10.19 Congregazione per la dottrina della fede 

ቅድስቲ መንበር ብዛዕባ መጽሓፈ ቡራኬታት ጀርመን ዝርከብ ሥርዓት ምላሽ ትህብ

ህየንተ ናይቲ ብዛዕባ ጉዳያት ዓንቀጽ እምነት ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር፣ ብፁዕ ካርዲናል ቪክቶር ማኑወል ፈርናንደዝ ብዛዕባ እቲ ኣብ ወርሒ ሕዳር 2024 ዝወጸ መልእኽቲ ቅድስቲ መንበር ኣመልኪቶም፣ ነቲ በዚ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ስምረት ዘይረኸበ ሓድሽ መጽሓፍ ቡራኬታት እውን ከም ዝምልከት ገሊጾም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

እታ ኣብ ዕለት 18 ሕዳር 2024 ብብፁዕ ካርዲናል ቪክቶር ማኑወል ፈርናንደዝ እተላእከት ደብዳበ፣ ብዛዕባ ንድፊ መጽሓፍ ቡራኬታት ጉባኤ ጳጳሳት ጀርመንን፣ ብዛዕባ ካብ ኪዳን ወጻኢ ንዚግበር መውስቦ ዝወሃብ ቡራኬን እትገልጽ መልእኽቲ፣ ነቲ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ  2025 ብተወከልቲ ጉባኤ ጳጳሳት ሃገረ ጀርመንን (DBK) ከምኡውን ብማእከላይ ኮሚተ ካቶሊካውያን ጀርመንን (ZdK) ብንጹር ዝጸደቐ "ቡራኬ ንፍቕሪ የደልድሎ" ዘርእስቱ ጽሑፍ እውን ብቝዕ መልሲ እዩ።

ህየተ ናይቲ ብዛዕባ ጉዳያት ዓንቀጽ እመነት ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር፣ ንጳጳስ ሰበኻ ትሪየርን ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሥርዓተ ኣምልኾ ጉባኤ ጳጳሳት ጀርመንን፣ ብዕለት 12 ሕዳር 2025፣ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ምስ ጳጳሳት ጀርመን ኣብ እተገብረ ናይ መወዳእታ ኣኼባ ነዚ ሓሳባት እዚ ኣነጺሮም ከም ዝገለጹሎም ዝዝከር ኢዩ።

ብፁዕ ካርዲናል ፈርናንደዝ ከም ዝገለጽዎ፣ እቲ ኣብዚ ቐረባ እዋን ብስምረት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፣ ኣብ መርበብ ሓበሬታ እዚ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር እተሓትመ፣ ናይ 2024 መልእኽቲ፣ ነቲ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ 2025 ብወግዒ ዝጸደቐ ጽሑፍ እውን ሓዊስካ፣ "እቲ እንኮ ናይ መወዳእታ ምላሽ" ምዃኑ ገለጹ።

ካርዲናል ፈርናንደስ ንዜና ቫቲካን ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፣ "እቲ ኣብታ መልእኽቲ እተነግረ፣ ነቲ ካብቲ ብዛዕባ ጉዳያት ዓንቀጽ እምነት ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ተቐባልነት ዘይረኸበ፣ ኣብዚ እዋን እዚ ተሓቲሙ ዘሎ “መጽሓፍ ቡራኬታት” (ቫደመኩም) እውን ዚምልከት እዩ" በሉ።

እወ እቲ ናይ መወዳእታ ጽሑፍ፣ ካብቲ በዅሪ ንድፊ እተፈልየ እኳ እንተ ዀነ፣ ነቲ ኣብ 2024 እተሓትመ ግን ኣየካትትን እዩ፣ ከመይሲ ብዛዕባ ሃንደበታዊነትን ናጽነትን ብዛዕባ እቶም ካብ ኪዳን ወጻኢ ንዘለዉ መጻምድቲ ዝወሃብ ቡራኬ ብዝምልከት ዝዝሪ እኳ እንተ ዀነ፣ ብመሰረት ኣዋጅ “ስኢል ተዓምኖ” (Fiducia Supplicans) ዝተጠቕሰ ዝዓይነት ሥርዓት ወይ ሊጡርጊያዊ መሰል ሥርዓታት የቕርብ፣ ኣብ ውርሒ ታሕሳስ 2023 ድማ ኢዩ ዝወጸ። እቲ ኣዋጅ ብዛዕባ ቡራኬ ብዝምልከት፣ "ቤተ-ክርስትያን ምስዚ መምርሒ እዚ ዝጋጮ ወይ ናብ ሕንፍሽፍሽ ዘመርሕ ዝዀነ ይኹን ሥርዓት ናይ ምውጋድ መሰልን ግዴታን ኣለዋ" ይብል።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ብዕልት 23 ሚያዝያ ካብ ኢኳቶሪያል ጊኒ ኣብ ዝምለሱሉ ዝነበሩ እዋን፣ ብዛዕባ እቲ ኣብ ጀርመን ንመጻምድቲ ሓደኣዊ ጾታ ዝወሃብ ቡራኬ ወግዓዊ ንምግባር ብዝምልከት ንዝቐረበሎም ሕቶ መልሲ ክህቡ ኸለዉ፣ "ቅድስቲ መንበር ድሮ ምስ ጳጳሳት ጀርመን ተዛሪባ ኣላ" በሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ወሲኾም፣ "ቅድስቲ መንበር ብዛዕባ ወግዓዊ ቡራኬ መጻምድቲ ብዝመልከት፣ ኣብዚ መዳይ እዚ ከምቲ ዝሓተትኩምዎ ንመጻምድቲ ሓደኣዊ ጾታ ወይ ኣብ ዘይሕጋዊ ኵነታት መውስቦ ንዘለዉ ሰብ ሓዳር፣ ካብቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ ዝፈቐድዎ ንላዕሊ ከም ዘይንሰማምዓሉ ንጹር ገይራቶ ኢያ" በሉ።

07 May 2026, 10:13