ር.ሊ.ጳ. ልዮን ኣብ ዞባ ሳሔል ንሰላምን ልምዓትን ዳግማይ ተወፋይነት ክህሉ ጻውዒት ኣቕሪቦም
ስምዖን ተ. ኣርኣያ- ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ሃገረ ቫቲካን ትካል ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ሓልዮ ንዞባ ሳሄል ጉጅለ መርሕነት ተቐቢሎም ድሕሪ ዘቕረብዎ ሰላምታ፡ ነቲ ቅዱስ ኣጎስጢኖስ ንኽርስትያን "ብሩህ ሙቐት" ኣብ መላእ ዓለም ምእንቲ ኺዝርጋሕ ምስ ሰላም ዘይበታተን ዕርክነት ኬማዕብሉ ዘቕረቦ ጻውዒት ብምዝካር፡ “ሰላም ሰብኣዊ ኣስተንፍሶ ጥራይ ዘይኮነስ ባዕሉ ካብ ዘለኣለም ዝሰረተ እዩ” እንክብሉ ከም ዘስተብሃሉ ዝሃበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ ትካል ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ንዞባ ሳሔል ኣብ 1984 ዓ.ም. ዝቖመ ኮይኑ ንዞባ ሳሔል ኣብ ሓያሎ ሃገራት እቲ ዞባ ምስ ውሕስነት መግቢ፣ ተበጻሕነት ማይ፣ ዘላቒ ሕርሻን ውሁድ ሰብኣዊ ምዕባለን ዝተኣሳሰሩ ውጥና ዘሳልጥ እውን ምዃኑ የመላኽት።
ሓድሽ ምዕራፍ ነቲ ትካል
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንጳጳስ ሃሳ ፍሎረንት ካብ እዋን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ እትሒዞም ጳጳሳዊ ልኡኽ ኮይኖም ንዝገበርዎ ኣገልግሎትን እቲ ትካል "ሓድሽ ጅማሮ" እንክብሉ ቅዱስነቶም ዝገለጽዎ፡ ምስ ኵርያ ሮማና ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዎት ኣባይቲ ጽሕፈት፡ ብፍላይ ድማ ውሁድ ሰብኣዊ ምዕባለ ምስ ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዘካይዶ ናይ ሓባር ዕዮን ከም ዘመስገኑ ዜና ቫቲካን ይሕብር።
ድሕሪ ናይ ኣርብዓ ዓመት ንጥፈታት፡ እቲ ትካል ኣብ "ነጥቢ መቐይሮ" ከም ዝበጽሐን፡ ምስ ዓለማዊ ቁጠባዊ ቅልውላዋትን ዘይምርግጋእን ዝተኣሳሰር ግዳማዊ ብድሆታት ከም ዘጋጠሞ ቅዱስነቶም ኣስተብሂሎም፡ ኣብዚ መንጽር እዚ እዩ ድማ ምሕዳስ ተልእኾን ኣቃውማን እቲ ትካልን ኣድላዪ ዝኸውን። ኣብ ወርሒ ለካቲት ኣብ ዳካር ዝተኻየደ ዓውደ ኣኼባ ናይ መርሕነት ኣካላት ናይቲ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ትካል ሓልዮ ንሳሄል ናይ ምሕዳስ ርኡይ ስጉምቲ ዝወሰደ ኮይኑ፡ ሓደስቲ ሕግታት ምጽዳቕ፡ ሓድሽ ኣቦ መንበርን ሓደስቲ ኣባላት ምሕደራን ምምራጽ ዘማእከለ እውን ምንባሩ ዘኪሮም፡ "በዚ ሓደስቲ ሕግታት እዚ፡ እቲ ትካል ምስ ተልእኾኡ ብቐጻልነት ሓድሽ መልክዕ ይሕዝ" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ንሳሔል ዘጋጥማ ዘሎ ብድሆታት
ቅዱስ ኣቦና ናብ ኩነታት ሳሔል ምልስ ቢሎም፡ ነቲ ዞባን ሰፊሕ ዓለምን ዝጸሉ ብዙሕ ጸገማት፡ ማለት ፖለቲካዊ ኣቀማምጣ መልክዓ ምድራዊ ወጥሪ፡ ዘይምዕሩይነት፡ ኲናት፡ ግብረሽበራ፡ ዘይውሕስነት፡ ፖለቲካውን ቁጠባውን ዘይምርግጋእ፡ ከምኡ’ውን ቅልውላው ከባቢያዊ ኣየር፡ ሳዕቤናቱ ድማ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ዋሕዚ ስደት ዘጠቓልል ምዃኑ ኣመልኪቶም። በዚ ድሕረ ባይታ እዚ ድማ ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ "ናይ ሓባር ቤትና" እንክብሉ ዝሰመይዎ ምሕላውን ብጭቡጥ ውጥናት ምትሕግጋዝን ምዕባለን ኣቢሉ ሰብኣዊ ክብሪ ኣብ ምክልኻል ዘለዎ ተራ ኣስሚሮም፡ ግዳያት ተፈጥሮኣዊ ሓደጋታት ምሕጋዝን ንዝተቓልዑ ሰባት ምድጋፍን "ናይ ግብረ ሰናይ ሕቶ ቅድሚ ምዃኑ ናይ ፍትሒ ሕቶ እዩ" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ነቲ ጉጅለ ኣባላት ምሕደራ ብሙሉእ ድምጺ ነቲ ትካል ከም ጳጳሳዊ መሰረት ክዕቀብ ዝወሰዶ ውሳነ ብሓጎስ ተቐቢሎሞ፣ ንመንፈስ መስራቲኡ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ እሙን ኮይኑ ክቕጽል ዝድርኾ ምዃኑ ኣመልኪቶም፡ ብተወሳኺ "ዘይገሃስ ሰብኣዊ ክብሪ ህዝብታት ሳሕል" ንምድንፋዕ ምስ ውሁድ ሰብኣዊ ምዕባለ ኣገልግሎት ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈትን ካልኦት ኣብ ትሕተ - ቅርጽን ሲኖዳውነት ዝሰረቱ ትካላት ቅድስቲ መንበርን ዘለዎ ቀጻሊ ምትሕብባር ከም ዘተባብዑ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
ኣብ ማእከል ዘይርጉጽነት ተስፋ
ቅዱስነቶም እቲ ዝተሓደሰ መንገዲ እቲ ትካል ሓድሽ ብድሆታትን ዘይርጉጽነትን ከምጽእ ዝኽእል ምዃኑ ኣሚኖም፡ ብዝኾነ ንዝኾነ ይኹን ጸገም ተስፋ ከይቆረጹ ብሓባር ክገጥምዎ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሓደ እዋን ነቲ ትካል ዝሃብዎ ለበዋ ብምቅላሕ መደረኦም ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
