ናይ ር.ሊ.ጳ. ናይ ወርሒ ግንቦት ናይ ጸሎት ሓሳብ፡ 'ኩሉ ሰብ መግቢ ምእንቲ ክረክብ'
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ካቶሊካውያን ኣብዚ ወርሒ ግንቦት ምስኦም ሓቢሮም ኩሉ ሰብ መግቢ ምእንቲ ክረክብ ክጽልዩ ይምሕጸኑ፡
ዕለት 30 ሚያዝያ ዓለም ለኸ መርበብ ንናይ ር.ሊ.ጳ. ጸሎት ቅዱስነቶም ንወርሒ ግንቦት ዘቕረብዎ ናይ ጸሎት ሓሳብ ወግዓዊ ከምዝገበሮን፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብ መኣድና ብዙሕ መግቢ ይባኽን ከምዘሎ እናሓዘኑ ጐይታ "ኣባና ሓድሽ ንቕሓት ከበራብር: ስለ እቲ መዓልታዊ እንረኽቦ መግቢ ከነመስግን፣ ብትሕትና ክንምገብን፣ ብሓጎስ ክንካፈልን ንፍረታት ምድሪ ከም ህያብ ጎይታ፣ ንኹሉ እምበር ንውሑዳት ጥራይ ከም ዘይኮነ" ንምክንከናኸን ክንመሃር ይጽልዩ።
ኢየሱስ ብማሕበረሰብና ኣቢሉ ብጭቡጥ ተግባር እንኮላይ ናይ ምስትውዓል ወፈራታት ናይ መግቢ ባንክታት ከምኡውን ጥንቁቕን ሓላፍነት ዝስምዖን ኣነባብራ ብምድንፋዕ 'ነቲ ስስዐ ዝመልኦ ኣጠቓቕማ ናብ ናይ ሓድነትን ምትሕብባርን ባህሊ ክንቅይሮ' ከም እንኽእል ክገብረና ቅዱስ ኣቦና ጸሎትም ብምቕራብ፡ "ንስኻ ፍቑር ወድኻ ኢየሱስ ንህይወት ዓለምዝፍተት ኣንጌራ ክኸውን ዝለኣኽካልና ፍትሒ ሕውነት ዝጸምአ ሓድሽ ልቢ ሃበና - ቢሎም - ኣብ መደምደምታ "ሓደ እኳ ኻብ መኣዲ ኣይወገድ፡ መንፈስካ ድማ ንእንጌራ ኸም መግቢ ዘይኰነስ ከም ምልክት ሕብረትን ሓልዮትን ጌርና ኽንርእዮ ይምህረና ኣሜን” ዝብል ጸሎት የቕርቡ።
ዓለምለኻዊ ጉዳይ
ብመሰረት ትካል መርሕ ግብሪ መግቢ ዓለም ኣብ 2026 ኣብ ዘውጽኦ ዓለምለኻዊ ጸብጻብ፡ ኣብዚ ዓመት እዚ 318 ሚልዮን ሰባት ናይ መግቢ ቅልውላው ወይ ካብኡ ዝኸፍአ ዅነታት ከጋጥሞም ከም ዝኾነ ብምምልካት፡
እቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዘጋጠመ ግጭት ቅድሚ መፋርቕ ናይዚ ዓመት እዚ 45 ሚልዮን ተወሰኽቲ ሰባት ከቢድ ጥሜት ከጋጥሞም ከም ዝኽእል የጠንቅቕ።
ኣህጉራዊ ዋና ሓለፊ ዓለምለኻዊ መርበብ ንናይ ር.ሊ.ጳ. ጸሎት ኣባ ክሪስቶባል ፎነስ እቲ ቅዱስ ኣቦና ዘመሓላለፍዎ ብምስማዐ ርእየት ዝተደገፈ ናይ ጸሎት ሓሳብ ብወግዒ ኣብ ዘቕረቡሉ መድርኽ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ እቲ ዕላማ ኣዝዩ ኣገዳሲ ምዃኑ ብምምልካት፡ "እዚ ሓሳብ እዚ ካብ ልቢ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝነቐለ ምዃኑ ሓቢሮም፡ ኣብ ዓለም ብዙሓት ሰባት ከም ምግቢ ዝኣመሰለ ኣገዳስን ሰብኣውን ነገር ኪረኽቡ ዘይምኽኣሎም ኣዝዩ እዩ ዜጕሂ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ እዩ ኵሉ ዘይግደስ ከክይከውን ቅድም ብጸሎት ደሓር ከኣ ንጭቡጥ ናይ ሓድነት ተግባር ወሳኒ ስጕምቲ ኺወስድ ዚሓትቱ ዘለዉ" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንጸሊ
ብስም ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ኣሜን
ጐይታ ፍጥረት፣ ከም ምልክት ፍቕርኻን ሓልዮትካን ፍርያም ምድርን ምስኡ ድማ ናይ ዕለት እንጌራናን ሃብካና።
ኣብ መኣድና ብዙሕ መግቢ ኺክባኽን እንከሎ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ኣሕዋትን ኣሓትን ድማ ብጥሜት ይሳቐዩ ምህላዎም ሎሚ ብጓሂ ነስተውዕሎ።
ምእንቲ ዕለታዊ እንጌራ ምምስጋን ክንመሃር ኣብ ውሽጥና ሓድሽ ፍልጠት ኣበራብር፦
ብገርሀይናነት ክንምገቦን፡ ብሓጐስ ክንካፈልን ንፍረ ምድሪ ኸም ህያብ ካባኻ ንውሑዳት ጥራይ ዘይኰኑስ ንዅኡ እተመደበ ጌርና ክንከናኸኖን መታን።
ሕያዋይ ኣቦ፣
ስስዐ ዝመልኦ ኣተሓሳስባ ንምቕያር ናይ ሓድነት ባህሊ።
ማሕበረሰብና ጭቡጥ ተግባር የተባብዕ፦ ናይ ምስትውዓል ወፈራታት፣ ባንክታት መግቢ፣
ከምኡውን ጥንቁቕን ሓላፍነት ዚስምዖን ኣነባብራ
ንስኻ እቲ ፍቑር ወድኻ ኢየሱስ ዝለኣኽካልና ንህይወት ዓለም ዚኸውን እተቘረሰ እንጌራ፣
ፍትሒ ዝጠመየ ሕውነት ዘጸምእ ሓድሽ ልቢ ሃበና
መንፈስካ ድማ እንጌራ ከም ንብረት ሃልኪ ዘይኮነስ፣ ከም ምልክት ሕብረትን ሓልዮት ጌርና ክንርእዮ
ይምህረና።
ኣሜን!
