ር. ሊ. ጳ. ኣብ ጸሎት ንግሥተ ሰማይ፦ 'ንሰማይ ኣብ ምድሪ እዚ ከሎኹም ተጸባበይዎ'
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ሓምሸይቲ ሰንበት ዘመነ ፋሲካ ኣብ ዘዕረግዎ ናይ ፍርቂ መዓልቲ ጸሎት ኦ ንግሥተ ሰማይ፣ ብዛዕባ እቲ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ንዓና እተዛረቦ ቓላት፣ ልክዕ ከምቲ ነታ ቐዳመይቲ ቤተ-ክርስትያን ዝገበረ ኣብ ብርሃን ትንሳኤ፣ ሓድሽ ትርጕም ከም ዘለዎ ገሊጾም። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብቲ ዘካፈልዎ ኣስተንትኖ፣ "እቲ ሓደ እዋን ንደቀ መዛሙርቲ ዘናወጾም ወይ ዘጨንቖም፣ ሕጂ ግና ናብ ተዘክሮኦም ይምለስ፣ ልቦም የጽንዖን ተስፋ ድማ ይህቦም ኣሎ" በሉ።
ቅዱስነቶም ብዛዕባ እቲ ናይ መወዳእታ ድራር ዘዘንቱ ክፍሊ ወንጌል ብብርሃን ትንሳኤ ብምስትንታን፣ ነቲ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝኣተወልና ቃል ተስፋ ኣጕልሑ፣ እዚ ድማ ናብቲ ዓብዪ ምሥጢር ዓወት፣ ኣብ ልዕሊ ሞት ዓወት ዝንበርና ብምጥቃስ፣ "ኣብቲ ኣነ ዘሎኹዎ፣ ንስኻትኩም ውን ምእንቲ ክትህልዉ ተመሊሰ ክመጽእ ኢየ እም ክወስደኩም እየ" (ዮሓ 14 3) ንዝበሎ ቃል ኣዘኻኸሩ።
ሓድሽ ኣመክንዮ ሕውነት
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም ነቲ ብምርሓቕን ብምውድዳርን ዝግለጽ ጥንታዊ ዓለም ምስ መንግስቲ ኣምላኽ ብምንጽጻር ድማ ኣስተንትኖኦም ቀጸሉ፦ "ኣብዛ ገና እንጐዓዘላ ዘሎና ኣረጊት ዓለም፣ ኣቓልቦ ዝስሕብ ፍሉይ ቦታታት ኣሎ (...)። ኣብቲ እቲ ዝተንስአ ጐይታ ዝወስደና ሓዳስ ዓለም ግና፣ እቲ ልዕሊ ዅሉ ኽቡር ዝዀነ ነገር ኵሉ ሰብ ኪበጽሖ ኣብ ዝኽእል ኢዩ ዘሎ" በሉ።
እዚ ድማ ነፍሲ ወከፍ ወድሰብ ፍሉይ ፍጥረት ብምዃኑ፣ "ሓደ እኳ ምስ ካልእ ኣይደናገርን ከምኡውን ሓደ እኳ ኣይጠፍእን እዩ" ዚብል ሓሳብ ይገልጸልና።
ንሞት ስምካን ተዘክሮኻን ከም ዚድምስስ ጌርና ኢና እንፈርሖ፣ ነፍሲ ወከፍ ግና ኣብ ኣምላኽ ምሉእን ብባዕሉን እዩ። ብሓቂ እዚ እዩ ምልኣት ህይወትና፣ ኣብ ሃሰስ ምባል እነሕልፎ ግዜ ሓድሓደ ግዜ ኸኣ ቍሩብ ቈላሕታን ተፈላጥነትን ንምርካብ ዝዀነ ይኹን ነገር ክንገብር ፍቓደኛታት ኢና" ክብሉ ድማ ኣጠንቀቑ።
እምነትን ናጽነትን
ወሲኾም ቅዱስ ኣቦና ነቶም ኣባኡ እተረኽቡ ምእመናን፣ ኣብ ክርስቶስ ክውከሉ ተማሕጸንዎም፦ "ልብኹም ኣይሸበት. . . ብኣምላኽ እመኑ ብኣይውን እመኑ" (ዮሓ 14 1) ንዝብል ቃል ወንጌል እውን ኣዘኻኸርዎም።
ከምዚኣ ዝኣመሰለት እምነት፣ "ንልብና ኻብቲ ናይ ምውናንን ኣሳልጦን ጭንቀትን፣ ዋጋ ምእንቲ ኺህልወና ልና ኽቡር ቦታ ኻብ ምስዓብ ሓራ ኸም ዜውጽኣና" ገለጹ። ሰብኣዊ ኽብረት ኣብ ማሕበራዊ ተፈላጥነት እተመርኰሰ ኣይኰነን፦ "ነፍሲ ወከፍ ሰብ ኣብቲ እንኮ ናይ ሓቂ ሓቂ ዝዀነ ምሥጢር ኣምላኽ ደረት ዘይብሉ ዋጋ ምህላዉ ኢዩ" ድማ በሉ።
ሰማይን ሕውነታዊ ፍቕርን
ብተወሳኺ ውን ቅዱስ ኣቦና ክርስትያን ምእመናን "ንሰማይ ኣብ ምድሪ ኣቐዲሞም ብሕውነትን ሰላምን ጽውዓት ምዃኖም ንዅሉም ደቂ ሰባት ክገልጹ" ከም እተጸውዑ ኣጕልሑ።
በዚ ዓይነት ፍቕሪ እዚ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ንሓቀይና መንነቱ የለሊ፣ "ኣብ መንጎ ብዙሓት ኣሕዋትን ኣሓትን ድማ ነፍሲ ወከፎም ፍሉያት ኮይኖም ከም እተፈጥሩ ይፈልጡ።"
ኣብ መደምደምታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነዚ መልእኽቲ እዚ ናብ ኣማላድነት ቅድስቲ ድንግል ማርያም ብሕድሪ ብምዋፋይ "ነፍሲ ወከፍ ክርስትያናዊ ማሕበረሰብ፣ ንዅሉ ሰብ ክፉት ዝዀነን፣ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ኣቓልቦ ዝህብን ቤት ኪኸውን ኣለው" ብምባል ኣስተንትኖኦም ዛዘሙ።
