ድለ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን 14 ኣብ ቫቲካን ክጽልዩ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን 14 ኣብ ቫቲካን ክጽልዩ   (@Vatican Media)

ር. ሊ. ጳ. ልዮን 14 ኣብ ስፍራ ኣታኽልቲ ቫቲካን ምእንቲ ሰላም ጸሎት መቝጸርያ ኪመርሑ ኢዮም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ነቲ ውግእ ደው ንምባል ብተደጋጋሚ ዘቕርብዎ ዘለዉ ጻውዒት ብምስዓብ ብዕለት 30 ግንቦት ኣብ ስፍራ ኣታኽልቲ ቫቲካን ብዓለም ደረጃ ንዝግበር ጸሎት መቝጸርያ ኪመርሑ ኢዮም። ነፍሲ ወከፍ ምሥጢር ከኣ ነቶም ብውግእ ዝተጸልዉ ሰባት ማለት ካብ ዝተበታተኑ ስድራ ቤታት ክሳዕ ሰራሕተኛታት ሕክምናን ወለንተኛታትን ኪውፈ ኢዩ።

ኣባ ፍሬእግዚእ በኪት - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ካብታ ዝተመርጹላ ዕለት ጀሚሮም ኣብ መላእ ዓለም ሰላም ምእንቲ ኪሰፍን ጻውዒት ካብ ምቕራብ ኣየቛረጹን። እቲ ዘቕርብዎ ጻውዒት ከኣ ብቐጻሊ ብጸሎት ዝተሰነየ ጻውዒት ኢዩ።

በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ቅዱስ ኣቦና ቀዳም ዕለት 30 ግንቦት ሰዓት 7፡ 00 ድሕሪ ቀትሪ፡ ኣብ ስፍራ ኣታኽልቲ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ግሮቶ እኖና እግዚእትነ ማርያም ሉርደስ ጸሎት መቝጸርያ ክመርሑ ኢዮም።

ኣብ መላእ ዓለም ዘለዉ ኵሎም ደቂ ሰባትን፡ ኵሎም ቅዱሳት መካነ ንግደታትን ከኣ ምስ ቅዱስ ኣቦና ሓቢሮም ኣብ ጸሎት መቝጸርያ ክሳተፉ ተዓዲሞም ኣለዉ።

ገለ ካብቶም ተሳትፎኦም ዘረጋገጹ ዓበይቲ መካነ ንግደታት- መካነ ንግደት እመ ኣምላክ (ዛርቫኒትስያ ዩክረይን)፣ ኣህጉራዊ መካነ ንግደት ንግሥተ ሰላምን ሠናይ ጕዕዞን (ኣንቲፖሎ ፊሊፒንስ)፣ መካነ ንግደት ቅድስት ማርያም ዘሮዛርዩም/መቝጸርያ (ፋጢማ ፖርቱጋል); መካነ ንግደት ቅድስት ማርያም ንግሥተ ሰላም (ሜድጁጎሪ ቦዝንያን ሄርዞጎቪናን)፣ መካነ ንግደት እኖና ቅድስቲ ማርያም ሉርደስ (ሉርደስ ፈረንሳ)፣ መካነ ንግደት ቅዱስ ሻርበል ኣናያ (ቢብሎስ ሊባኖስ); ጳጳሳዊ መካነ ንግደት ቤተ መቕደስ ሎሬቶ (ሎሬቶ ኢጣልያ) ኢዮም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ምስጢር ብፍሉይ ነቶም ብውግእን፡ ዓመጽን ዝተጐድኡ ደቂ ሰባት ብምዝካር፡ ናብ ኣማልድነት እኖና እግዚእትነ ማርያም ንግሥቲ ሰላም ምእንቲ ከወፍይዎም፡ ናይ ደስታ ምሥጢር ኪጽልዩ ኢዮም።  

እታ ቐዳመይቲ ናይ ደስታ ምስጢር ነቶም ግዳያት ኲናት ብፍላይ ከኣ ነቶም ኣብ ኣዝዮም ተኣፈፍቲ ኵነታት ዘለዉ ክትውፈ ኢያ፣ እታ ካልኣይቲ ናይ ደስታ ምስጢር ከኣ፡ ናብቶም ብውግእ ዝተጠቕዑ ደቂ ሰባት፡ ናይ ተስፋን፡ ምጽንናዕን፡ እምነትን ቃላትን ዜብጽሑ ክትውፈ ኢያ። እታ ሳልሳይቲ ናይ ደስታ ምስጢር፡ ነቶም መዓልታዊ ሰብኣዊ ረድኤት ዜብጽሑ ሰራሕተኛታት ሕክምናን፡ ሓካይምን፡ ወለንተኛታትን ክትውፈ ኢያ።

እታ ራብዓይ ናይ ደስታ ምስጢር ከኣ፡ ምእንቲ እቶም ብሰንኪ ሓደጋ ኲናት ዚሳቐዩን፡ እሱራትን፡ ምእንቲ ኵሎም እቶም ንሰብኣዊ ክብረት ዚጥሕስ ዓመጽ ዝወረዶም ክትውፈ ኢያ። እታ ሓምሸይትን ናይ መወዳእታን ናይ ደስታ ምሥጢር ከኣ፡ ውግእ ደው ንምባልን፡ ኣብ ዓለም ነባሪ ሰላም ንምምጻእን ዝተወፈየት ክትከውን ኢያ።

ኣብ ሮማ ዝተረኽቡ ነጋድያንን፡ ምእመናንን እውን፡ በቶም ኣብ ኣደባባይ ቅዱስ ጴጥስሮ ተተኺሎም ዘሎ ዓበይቲ ስክሪናት ኣቢሎም ኪሳተፉ ኢዮም።

እዚ ተበግሶ እዚ በቲ ንስብከተ ወንጌል ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር - ክፍሊ መሰረታዊ ሕቶታት ብዛዕባ ስብከተ ወንጌል ኣብ ዓለም ዝተወሃሃደ ኢዩ።

 

29 May 2026, 14:16