ር. ሊ. ጳ.፦ ንስም ኣምላኽ ወተሃደራዊ ቍጠባዊ ወይ ፖለቲካዊ ረብሓ ንምርካብ ኣይንጠቐመሉ
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ መበል 14 ዝሓለፈ ቀዳም ዕለት 09 ግንቦት ምስ ተወከልቲ ማሕበረሰብ ምስልምና ሃገረ ሰኔጋልን ምስ ተወከልቲ ናይታ ኣብታ ሃገረ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያንን ተራኺቦም ኣብ ዝለገሱሎም መደረ፣ "ብሓባር ነቲ ሓባራዊ ሓላፍነትና ንወስድ - ኣብ ዓሌት ሃይማኖት ወይ መበቈል እተመስረተ ዝዀነ ይኹን ዓይነት ኣድልዎን ስደትን ብምዅናን፣ ንወተሃደራዊ ቍጠባዊ ወይ ፖለቲካዊ ረብሓ ተባሂሉ ንስም ኣምላኽ ንዝጥቀም ዝዀነ ይኹን ከይዲ ብምንጻግ፣ ንነፍሲ ወከፍ ዝሳቐዩ ውሑዳን ወገናትና ድምጽና ኣልዒልና ንጣበቕ" ክብሉ ተማሕጸንዎም።
ንሕውነትኩምን ንሰላማዊ ብሓባራዊ ናብራኹም ሓልውዎ
ቅዱስ ኣቦና ኣብ መደረኦም ነቲ ኣኼባ ከም ኣገዳሲ መግለጺ ዕርክነትን ሓባራዊ ቈራጽነትን ጌሮም ብግላጽ፣ ሰላማውን ሕውነታውን ሕብረተሰብ ንምድንፋዕ ከም ዝዓለም ኣመልኪቶም።
ሃገረ ሰኔጋል ምቕባል ኣጋይሽን ሓድነትን ከም እተንጸባርቕን፣ ኣብ መንጎ ክርስትያን ምእመናንን፣ ምእመናን ሃይማኖት ምስልምናን ካልኦት ባህላዊ ሃይማኖታትን ብሰላም ብሓባር ብምንባር ኣርኣያ ከም ዝዀነት እውን ኣዘኻኺሮም። ኣብ መንጎ እቶም ብሃይማኖታቶምን ዓሌቶምን እተፈላለዩ ህዝብታት ንዚግበር ዝርርብ መሰረት ዝኸውን ሓቂ ምዃና እውን ገለጹ።
"ነዚ መዝገብ ሕውነት ድማ ብጥንቃቐ ክዕቀብ ኣለዎ" ብምባል፣ "ንሃገርኩም ጥራይ ዘይኰነስ ንመላእ ሰብኣውነት እውን ክቡር ረብሓ ኢዩ" በሉ።
ኣብ ኣፍሪቃ ንሰላም ዘዕኑ ዘሎ ስግኣታት
ይኹን እምበር ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን፣ ነቲ ኣብ ኣፍሪቃ ዘጋጥም ዘሎ ብድሆታት እውን ይጠቕሱ።
"እቲ ዘሕዝን ግን ኣብ ኣህጉር ኣፍሪቃ ዕጥዋዊ ግጭታት ይቕጽል ምህላዉ ኢዩ፣ እዚ ድማ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላውን፣ ዓሚቝ ዘይማዕርነትን የምጽእ ኣሎ፣ ከምኡ ውን እቲ ምግዳድ ዓመጻ ዝመልኦ ጥሩፍነት በብመዓልቱ ንብምሉኡ ህዝቢ ይፍትኖ ኣሎ" በሉ።
ኣብ ርእሲ እዚ ድማ "እናወሰኸ ዚኸይድ ዘሎ ስደትን ምምዝባላትን፣ ንማሕበራዊ ቅርጺ ዚምርዝ ጽልኢ ዝመልኦ መደረታትን ማእሰርትን፣ ንስድራ ቤታት ምድኻም ከምኡውን ምብልሽው ስነ-ምግባራውን መንፈሳውን መወከሲታት፣ ብፍላይ ከኣ ኣብ መንእሰያት ዕንወት ዘኸትል" ምዃኑ ገለጹ።
ኣብዚ መዳይ እዚ እቲ ብመንፈስ "ቴራንጋን"፣ ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ብዝግበር ዘተን እተመስረተ ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት፣ ውጥረት ንምቅላልን ነባሪ ሰላም ንምህናጽን፣ "ክቡር መሳርሒ" ምዃኑ ኣመልከቱ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ወሲኾም፣ "ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ዝግበር ዘተ ብምትብባዕን፣ መራሕቲ ሃይማኖት ኣብ ተበግሶታት መንጐይናነትን ዕርቅን ብምስታፍ፣ ፖለቲካውን ዲፕሎማሲያውን ውጥረት ከህድኡ፣ ጥሩፍነት ንምክልኻል ከምኡውን ናይ ኣኽብሮትን ሓባራዊ ምክብባርን ባህሊ ከስፋሕፍሑ ዝኽእሉ ስነ-ምግባራዊ ሓይልታት ክጥቀሙ ይኽእሉ ኢዮም" ክብሉ ተላበዉ።
ኣብ ሓቅን ሰላምን እተመስረተ ዲፕሎማሲያውን ሃይማኖታዉን ዘተ ኣድላዪ እዩ
ሎሚ ይብሉ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን፣ ዓለም ኣብ ሰላምን ፍትሕን ሓቅን እተመስረተ ዲፕሎማሲን ሃይማኖታዊ ዘተን እትደልየሉ ዘላ እዋን ኢዩ።
"ንሕና ምእመናን ክርስትናን ምስልምናን ብሓባር ኴንና፣ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ብኢድ ኣምላኽ ከም እተፈጥረ፣ በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ዝዀነ ይኹን ሕጊ ዀነ ሰብኣዊ ሓይሊ ክምንዝኦ ዘይክእል መሰልን ኽብርን ከም እተዋህቦ ንኣምን ኢና" በሉ።
ስለዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፣ በዚ መሰረት ሕውነትን እምነትን ሰብኣውነትን ኣብ መበቈል ሃይማኖታት ዝተረኽበ፣ ብሓባር ንስም ኣምላኽ ብፍላይ ንወተሃደራውን ቍጠባውን ፖለቲካውን ረብሓታት ምጥቃም ክነጽጋ ከም ዘለወን ኣስተንተኑ። ስደትን ኣድልዎን ምዅናን፣ ከምኡውን ነቶም ንውሑዳን ዝኾኑ ወገናት ምዕቋብ ኣድላዪ ምዃኑ ተላበዉ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ተዘክሮኦም እንክገልጹ "ከምቲ ኣብ ካሜሩን ኣብ ባሜንዳ ዝበልክዎ 'ነቶም ንሃይማኖትን ንስም ኣምላኽን ንወተሃደራዊ፣ ቍጠባዊ ወይ ፖለቲካዊ ረብሓኦም ክብሉ፣ ነቲ ቕዱስ ናብ ጸልማትን ረሳሕን ኩነት ዝጥቀሙሉ ሰባት ወይለኦም" በሉ።
ንረብሓ ሰብኣውነት ብሓባር ንዕየ
እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ንሓድሕድና ብዝያዳ ንኽንረዳዳእን ንሓድሕድና ንኽንሰምዕን፣ ብኣኽብሮትን ሕውነትን ብሓባር ንኽንነብር ባህጊ ምእንቲ ክህሉ ጸልዮም። "መገዲ ዝርርብ ንኽትስዕቡ፣ ንግርጭታት ብተግባራዊ ምንቅስቓስ ሕውነት ምላሽ ንምሃብ፣ ከምኡውን ንፍልልያት ከይፈራህኩም ልብኹም ንኻልኦት ክትከፍቱ ትብዓት ይሃብኩም" ክብሉ ድማ መረቕዎም።
ኣብ መወዳእታ ቅዱስ ኣቦና ንሰላምን ፍትሕን ሕውነትን ዝገብርዎ መብጽዓ ብዙሕ ፍረ ከምጽእ ጸልዮም፣ በዚ ኸምዚ ድማ ኣብ መንጎ እተፈላለዩ ወገናት፣ ንረብሓ ሰብኣውነት ዝያዳ ዓሚቝ ምትሕብባር ክምዕብል ተማህሊሎም።
