ድለ

2026.05.06 ር.ሊ.ጳ. ልዮን ኣብ ደቡባዊ ሊባኖስ ምስ ዝርከቡ ካህናት ዘካየድዎ ናይ ምስማዐ ርእየት ርክብ 2026.05.06 ር.ሊ.ጳ. ልዮን ኣብ ደቡባዊ ሊባኖስ ምስ ዝርከቡ ካህናት ዘካየድዎ ናይ ምስማዐ ርእየት ርክብ 

ር.ሊ.ጳ. ልዮን ኣብ ደቡባዊ ሊባኖስ ምስ ዝርከቡ ካህናት ዘካየድዎ ናይ ምስማዐ ርእየት ርክብ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ሊባኖስ ምስ ዝርከቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ፓውሎ ቦርጃ ኣብ ዘካየድዎ ናይ ምስማዐ ርእየት ርክብ፡ ነቶም ኣብቲ ርክብ ንዝሓበሩ ካብ ደቡባዊ ዞባታት ሊባኖስ ንዝመጹ ዓሰርተ ካህናት ብምትብባዕ ጸሎቶም ከም ዘረጋገጹሎም ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ረቡዕ ዕለት 6 ግንቦት ከባቢ ሰዓት 9፡45 ንግሆ፡ ካብ ዓድታት ደቡባዊ ሊባኖስ ዝመጹ ጉጅለ ናይ ሰበኻ ካህናት፡ ካብ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ናይ ምስማዐ ርእየት ጻውዒት ምስ በጽሖም ዝተሰምዖም ሓጎስ ኣብቲ ዝተኻየደ ርክብ ከም ዘረጋገጹን ቅዱስነቶም ነቶም ካህናት “ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ጽንኩር ኩነታት ኣብ ግምት ብምእታዊ ንዝገብርዎ ዘለዉ ኣገልግሎት ብምትብባዕ ኣመስጊኖም ሓዋርያዊ ቡራኬ እውን ከም ዝሃቡ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ምትብባዕን ምቅርራብን

ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ናብ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ሊቀ ጳጳሳት ፓውሎ ቦርጃ ኣብ ዝገብርዎ ናይ ምስማዐ ርእየት ርክብ ሊቀ ጳጳሳት ቦርጃ ኣብቲ ዶባዊ ከባቢታት – ምስ ትካላት ግብረ ሰናይ ብምትሕብባር – ናይ መግቢ ሓገዝ፡ መሰረታዊ ድሌታት፡ ከምኡ’ውን ናይ ምጽንናዕ ቃላትን ቅርበት ቤተ ክርስቲያንን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳትን ንምብጻሕ ዑደት ከም ዘካየዱ ዝዘከረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ እዚ ቅርበት እዚ በቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዝገበርዎ ናይ ምስማዐ ርእየት ጻውዒት ዝያዳ ዝጭበጥ ከም ዝኾነን፡ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2025 ቀዳማይ ዓለም ሓቆፍ ሓዋርያዊ መገሻኦም ኣብ ሊባኖስ ከም ዘካየዱ ኣዘኻኺሩ፡ ኣብቲ ዘካየድዎ ሓዋርያዊ ዑደት ምስ በርገሳውን ዓቕለሲያውን ወከልቲ ብምርኻብ ኩነታት እታ ብኲናት ዝተሃስየት ሃገር ብቐረባ ብምክትታል፣ ደገፍ ቅድስቲ መንበር ከም ዘረጋገጹ የጒልሕ።

እስትንፋስ ተስፋ

ዕለት 5 ግንቦት ሓዋርያዊ ልኡኽ ቅዱስቲ መንበር ነቶም ኣብ ደቡባዊ ዞባ ሊባኖስ ዘገልግሉ ካህናት “ካህናት ደቡብ” ዝብል ጉጅለ ክፈጥሩን ንጽባሒቱ ከባቢ ሰዓት 9፡30–9፡45 ኣብቲ ቅዱስ ኣቦና ዝገብርዎ ናይ ምስማዐ ርእየት ርክብ ክሓብሩ ሓቲቶም ከም ዝነበሩን ብጀካ እዚ ናይ ግሪኽ ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ጢሮስ  ጳጳስን ተራዳኢ ጳጳስን ከም ዝሓበሩ ዝገለጸ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡

እቶም ኣብቲ ርክብ ዝሓበሩ ካህናት ብስልኪ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፡ እቲ ርክብ ሰናይን ዘጽንዖምን ካብ ምዃን ሓሊፉ ቅዱስ ኣቦና ብጸሎት ቀረባና ምዃኖም ሓገዞም እውን ከም ዘይፍለየና ዝረጋገጽሉን ቡራኬኦም ዝተቐበልናሉ፡ ሰላም ቀልጢፉ ክረጋገጽ ዘሎ ተስፋ ክስምዓካ ዝገብር እዩ። እቲ ናይ ምስማዐ ርእየት ርክብ ንውሑዳት ደቓይቕ ዝተኻየደ እውን እንተነበረ፡ ኣዝዩ ዘድሊ ናይ ተስፋን ምትእምማንን እስትንፋስ እዩ - ቢሎም - ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ነዚ ተወሳኺ ምልክት ኣቓልቦ ናብ ውሉደ ክህነት ደቡብ እነቕርቦ ምስጋና ንሊቀ ጳጳሳት ቦርጅያ እውን እዩ፡ ብጹዕነቶም ብስም ቅዱስ ኣቦናን ኵላዊት ቤተ ክርስትያንን ናብቲ ብቦምባታት ዝተደብደብን ዝዓነወን ከባቢ ብኣካል ንዘካይድዎ ምብጻሕን ንዘቕርብዎ ሰብኣዊ ሓገዝን የመስግኑ።

07 May 2026, 16:37