ድለ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ምስ ናይ ካናዳ መራሔ መንግስቲ ብስልኪ ተራኺቦም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ምስ ናይ ካናዳ መራሔ መንግስቲ ብስልኪ ተራኺቦም 

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ምስ ናይ ካናዳ መራሔ መንግስቲ ብስልኪ ተራኺቦም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14ን መራሔ መንግስቲ ካናዳን ብዛዕባ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ቀረባ እዋን ወግዓዊ ዝገበርዋ ናይ መጀመርታ ዓዋዲት መልእኽቲ ከምኡ እውን ኣብ መንጎ ህዝብታት ብፍላይ ድማ ኣብ ማእከላይ ምብራቕን ዩክሬንን ዝግበር ጻዕርታት ሰላምን ካልኦት ናይ ሓባር ተገዳስነት ዘለዎም ኣርእስታትን ኣማእኪሎም ብስልኪ ኣብ ዘካየድዎ ርክብ ከም እተመያየጡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ መንጎ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14ን መራሔ መንግስቲ ካናዳ ማርክ ካርኒን ዕለት 29 ግንቦት ድሕሪ ቀትሪ “ብምኽንያት ሕትመት ግሩም ሰብኣውነት - Magnifica humanitas ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቲ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ስልኪ ርክብ ብመሰረት መግለጺ ቤት ጽሕፈት ፕረስ ቅድስቲ መንበር “ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎት ብስነ - ምግባራዊ ኣረኣእያን ሰብ ማእከል ብዝገበረ ኣገባብን ምምዕባል ዘለዎ ኣገዳስነት ከም ዝዘተዩ” ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ “ኣብቲ ዝተኻየደ ናይ ስልኪ ርክብ ብደረጃ ዞባውን ኣህጉራውን ሓድሕዳዊ ተገዳስነት ዘለዎም ሕቶታት፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ማእከላይ ምብራቕን ኣብ ዩክሬንን ሰላም ኣብ ምድንፋዕ ዝግበር ጻዕርታት” ኣማእኪሎም ሓሳብ ንሓሳብ ከም እተለዋወጡ ኣፍሊጡ።

ቀዳማይ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ልዮን ምስ ናይ ካናዳ መራሔ መንግስቲ

መራሔ መግንስቲ ካናዳ ማርክ ካርኒ ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ቅዱሰንቶም ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኮይኖም ምስ ተሓረዩ ዕለት 18 ግንቦት 2025 ብወግዒ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣገልግሎትም ንምብጋስ ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ንፈለማ ግዜ ከም እተራኸቡ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

30 May 2026, 17:12