ድለ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዕለት 22 ነሓሰ ናብ ሪፓብሊካዊት ሳን ማሪኖ ክበጽሑ እዮም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዕለት 22 ነሓሰ ናብ ሪፓብሊካዊት ሳን ማሪኖ ክበጽሑ እዮም  (@VATICAN MEDIA)

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዕለት 22 ነሓሰ ናብ ሪፓብሊካዊት ሳን ማሪኖ ክበጽሑ እዮም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዕለት 22 ነሓሰ ናብ ሰሜናዊ ኢጣልያ ከተማ ሪሚኒ ቅድሚ ምኻዶም ናብ ሪፓብሊካዊት ሳን ማሪኖ እውን ክበጽሑ መደብ ከም ዘለዎም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ሰንበት ዕለት 22 ነሓሰ ንግሆ ናብ ሪፓብሊካዊት ሳን ማሪኖ ከምዝበጽሑ ምዃኖም ቤት ጽሕፈት ህየንተ ቤተ ጳጳስ ሓሙስ ዕለት 28 ግንቦት ዝሃቦ መግለጺ ዝጠቐሰ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ ኣብ ዝቕጽሉ ኣዋርሕ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ መበል 47 ሕታም ዓውደ ኣኼባ ምሕዝነት ህዝብታት ንምስታፍ ኣብ መላእ ኢጣልያ ሓያሎ ጉስነታዊ ዑደት ከካይዱ ከም ዝኾኑን፡ ኣብ ሰሜናዊ ኢጣልያ ዞባ ኤሚልያ - ሮማይና ኣብ እትርከብ ከተማ ሪሚኒ፣ ቀዳም ዕለት 22 ነሓሰ ክበጽሑ ምዃኖ የረጋግጽ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ናይቶም ቅድሚ ሕጂ ናይ ረፓብሊካዊት ሳን ማሪኖ መራሕቲ ሃገራት ሪፓብሊክ ሳን ማሪኖ – ማቴዮ ሮሲን ሎረንዞ ቡግሊን ዘቕረቡሎም ዕድመ መሰረት ዘካይድዎ ምብጻሕ ከም ዝኾነ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቤት ጽሕፈት ኣፍሊጡ።

30 May 2026, 17:08