FILE PHOTO: Soldiers from Burkina Faso patrol on the road of Gorgadji in the Sahel region, Burkina Faso FILE PHOTO: Soldiers from Burkina Faso patrol on the road of Gorgadji in the Sahel region, Burkina Faso 

ር. ሊ. ጳ. ኣብ ዞባ ሳህለ ሰሃራ ሰላምን ምዕብልናን ክሰፍን ጻውዒት ኣቕሪቦም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፣ ኣብ መላእ ዞባ ሳህለ ሰሃራ ዝኾነ ክፍለ ዓለም ኣፍሪቃ፣ ሰላምን ምዕባሌን ንምድንፋዕ፣ ቀጻሊ ጻዕርታት ክግበር ጻውዒት ኣቕሪቦም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ትማሊ ሰንበት ዕለት 10 ግንቦት ኣብ ዝለገስዎ ቃል ሰላምታን ምሕጽንታን፣ ብዛዕባ እቲ ኣብ ደቡባዊ ክፍል ሰሜን ኣፍሪቃ ኣብ መንጎ ኣትላንቲካዊ ውቅያኖስን ቀይሕ ባሕርን ተሰርጊሑ ዝርከብ ዞባ ሳህለ ሰሃራ ዘሎ ዘይምርግጋእን ቅልውላዋትን ከም ዘተሓሳሰቦም ገሊጾም።

"ብዛዕባ እቲ ኣብ ዞባ ሳህለ ሰሃራ፣ ብፍላይ ከኣ ኣብ ጭድን ማሊን ኣብዚ ቐረባ እዋን ተኸሲቱ ዘሎ፣ ብግብረ-ሽበራዊ መጥቃዕትታት እተፈጸመ ዓመጽ ዝገልጽ ዜና፣ ብሻቕሎት ንሰብዖ ኣሎና" ድሕሪ ቢሎም፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ዘካፈልዎ ሓሳባት፣ ድሕሪ ሓደ መዓልቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ምስ ተወከልቲ ትካል ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ናይ ሳህለ ሰሃራ ኣብ ዝገበርዎ ርክብ ኣብ ዘካፈልዎ ቃል ምሕጽንታ ነዚ ሓሳብት ለጊሶም።

ምእንቲ እቶም ግዳያት ከም ዝጸለዩ ብምርግጋጽ፣ ምስ ዅሎም እቶም በዚ ኩነታት ዝሳቐዩ ዘለዉ ሰባት ቅርበት ከም ዘለዎም ገለጹ፣ ሰላም ንምድንፋዕ ቀጻሊ ጻዕርታት ክግበር ድማ ጻውዒት ኣቕረቡ።

"ኵሉ ዓይነት ዓመጽ ደው ክብል ተስፋ እገብር፣ ኣብተን ፍቁራት ሃገራት ሰላምን ምዕብልናን ንምድንፋዕ  ዝግበር ዝዀነ ይኹን ጻዕሪ ድማ አተባብዕ ኣሎኹ" በሉ።

ኣብ ርእሲ እቲ ሥነ ኣከባቢያዉን ናይ ኩነታት ኣየር ኣገዳስነቱ፣ ኣብ መንጎ እቲ ኣብ ደቡባዊ ንፍቀ ክቢ ተኸሲቱ ዘሎ ጠውሊ ኩነታት ኣየርን፣ ከምኡ ውን ከባቢታት ሱዳንን ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ከኣ  ምድረበዳ ሰሃራን ስለ ዘሎ፣ ሓደ ናይ መሰጋገሪ ዞባ ኢዩ ዜመልክት፣ እዚ ዞባ እዚ ንነዊሕ እዋን ብውሽጣዊ ዘይምርግጋእን ግዳማዊ ስትራተጂካዊ ውድድራትን እተደረኸ ጂኦፖለቲካዊ ጸገማት ዘለዎ ስፍራ ኮይኑ ኣሎ።

ቅልውላው ኣከባቢያዊ ኩነታት ኣየር ብተደጋጋሚ ሕጽረት ምግብን ማይን የኸትል ኣሎ፣ ብልሽውና መንግስታት ድማ ዕልዋን ምቅንቓናትን ከምኡውን ግብረ-ሽበራዊ መጥቃዕትታት ኣስዒቡ ኣሎ።

ዘጋጥም ዘሎ ዘይምርግጋእን፣ ግብረ-ሽበራን፣ ሰብኣዊ ቅልውላዋትን

ሸፋቱን ጥሩፋት ጕጅለታትን ኣብ መላእ ሳህለ ሰሃራ የስፋሕፍሑ ኣለዉ፣ እዚ ድማ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ሰብኣዊ ህጹጽ ኵነታት የጋድዶ ኣሎ፣ ኣብታ ኣህጉር ድማ ብዛዕባ ዝሰፍሐ ዘይምርግጋእ ሻቕሎት ፈጢሩ ይርከብ ኣሎ።

ካብ ሰኔጋል ክሳዕ ኤርትራ ዘሎ ሰንሰለታዊ ዞባ፣ ንዓሰርተታት ዓመታት ምስ ጸጥታን ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእን፣ ቅልውላው ኣከባቢያዊ ኩነታት ኣየርን ይቃለስ ኣሎ።

ካብ 1960ታት ንነጀው፣ ድኽመት መንግስታዊ ትካላትን፣ ቍጠባዊ ውድቀትን፣ እናገደደ ይኸይድ ብምህላዉ ወሪዱ ዘሎ ኣከባብያዊ ውጥረትን ነቲ ብቐጻሊ ኣብ ስግረ ዶባት ዚዝርጋሕ ዑደት ግጭታትን ድማ ኣጐሃሂርዎ ይርከብ።

ኣብ ማሊ ዝሓለፈ ሓሙስ ኣብ ማእከል እታ ሃገር ብዘጋጠመ ኽልተ መጥቃዕትታት፣ ልዕሊ 30 ሰባት ከም እተቐትሉ ሰበ-ስልጣን ናይታ ሃገር ገሊጾም።

እቲ ብመሻርኽቲ ኣልቃይዳ ዝቘመ ግብረ ሽበራዊ ጉጅለ (JNIM) ዝተፈጸመ መጥቃዕትታት ደድሕሪ እቲ ኣብ መጀመርታ እዚ ወርሒ እዚ ኣብ ልዕሊቲ ገዛኢ ዝነበረ ጁንታ እተተሓሓዘ መጥቃዕትታት ስዒቡ ዝተፈጸመ ኢዩ ዝንበረ እዩ።

ንጸጥታ ሳህለ ሰሃራ ዝከታተሉ ናይ ምዕራብ ኣፍሪቃ ጋዜጠይናታ (WAMAPS) ከም ዝገለጽዎ፣ ኣፈናዊ ቝጽሪ ልዕሊ 50 ተቐማጦ እታ ቝሸት ሞይቶም ክዀኑ ዝከል ኢዩ፣ ካልኦት ዘይተፈልጡ ሰባት እውን ከም ዘለዉ ገለጹ።

ኣብዚ ቐረባ ዓመታት ኣህጉራዊ ተልእኾታት ጸረ-ግብረ-ሽበራ እናነከየ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ፣ ዞባዊ ምትሕብባር ድማ ደኺሙ ይርከብ ኣሎ፣ በዚ ከምዚ ድማ ዕጡቓት ጕጅለታት ኣብ ገጠራት ምቍጽጻራቶም ንኸደላድሉ ኣጋጣሚ ኸፊቱሎም ኣሎ።

ዞባ ሳህለ-ሰሃራ ካብ ትሕቲ ምድረበዳ ሰሃራ ናብ ሰሜን ኣፍሪቃን ኣውሮጳን ዝጓዓዙ ስደተኛታት ቀንዲ መሰጋገሪ መንገዲ ከኣ እዩ።

ተንተንቲ ከም ዝገለጽዎ ኣብተን ኣብ ገማግም ባሕሪ ዝርከባ ሃገራትን ናይ መወዳእታ ዕላማ ስደት ዝኾና ሃገራት ኣውሮጳን ጸቕጢ ከጋድድ ይኽእል ኢዩ ክብሉ የጠንቅቑ።

11 May 2026, 16:35