ክሌኣዊ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ምስ ናይ ስጳይና መራሔ መንግስቲ ፐድሮ ሳንቸዝ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ወርሒ ሰነ ናብ ስጳይና ቅድሚ ከካይድዎ ዝኾነ ሓዋርያዊ ጉዕዞ ዕለት 27 ግንቦት ንወግዓዊ ምብጻሕ ሃገረ ቫቲካን ንዝኣተወ ናይ ስጳይና መራሄ መንግስቲ ፔድሮ ሳንቸዝ ፔረዝ - ካስተጆን ኣብ ሃገረ ቫቲካን ተቐቢሎም ከም ዘዘራረቡ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፡ መራሔ መንግስቲ ስጳይና ካብ ቅዱስነቶም ተሰናቢቱ ብናይ ቅድስቲ መንበር ጉዳያት ርክብ ምስ ሃገራትን ኣህጉራውያን ትካላትን ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ፖል ሪቻርድ ጋላገር ምስ ዝተሰነዩ ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፐድሮ ፓሮሊን ከም እተራኸቡን፡ ኣብዚ ዳሕረዋይ ክሌኣዊ ርክብ
ኣብ መንጎ ቅድስቲ መንበርን ስጳይናን ዘሎ ሰናይ ርክብን ከምኡ እውን ብዛዕባ እቲ "ምልክት ሰናይ ዝምድና" እንክብሉ ዝገለጽዎ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ስጳይና ከካይድዎ ዝኾነ ጉዕዞ ዕግበት ከም ዝጎለሐ ኣመላኺቱ፡ "ኣብ እተፈላለየ ኩርናዕ ዓለም ዝካየድ ዘሎ ግጭታትን ዘምጽኦ ሳዕቤን ስደት ኣገዳስነት ብዝሓ ጎናውነትን ኣህጉራዊ ሕጊ ምኽባርን ከምኡ እውን ንሰላም ንምድጋፍ ቀጻሊ ህጹጽ ኣድላይነት" ዜጠቓልል ሓያሎ ኣህጉራዊ ጕዳያት ኣማእኪሎም እውን ከም እተመያየጡ ኣፍሊጡ።
ብተወሳኺውን "ኣብ መንጎ ቤተ - ክርስትያንን ሰበ-ስልጣን መንግስትን ከምኡውን ኣብ መንጎ እተፈላለዩ ተዋጽኦታት በርገሳውያን ሕብረተሰብ ኣብ ሓባራዊ ምክብባርን ሓባራዊ ረብሓ ንምድንፋዕን ዝዓለመ ፍረ ዘለዎ ዘተ ምምዕባል ዝኣመሰለ ሓባራዊ ተገዳስነት ዘለዎ ጕዳያት" ኣማእኪሎም እውን ከም እተመያየጡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።
