ድለ

2026.05.02 Papa Leone riceve la prima copia del libro con i suoi interventi da Priore generale degli Agostiniani 2026.05.02 Papa Leone riceve la prima copia del libro con i suoi interventi da Priore generale degli Agostiniani  (@Vatican Media)

ር. ሊ. ጳ. ናይ መጀመርታ ሕታም ናይታ "ብጸጋ ናጻ ዝኾኑ" ዘርእስታ መጽሓፍ ተቐቢሎም

ካብ ሎሚ ሰኑይ ዕለት 4 ግንቦት ጀሚሩ ብቋንቋ ጣልያን እተዳለወት ናይ መጀመርታ ሕታም፣ ናይታ ሓዳስ መጽሓፍ “ብጸጋ ናጻ ዝኾኑ” (Free Under Grace ) ዘርእስታ ናብ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቀሪባ። እዛ መጽሓፍ እዚኣ ቅድስ ኣቦና ኣብቲ ጠቕላሊ ሓለቓ ማሕበር ካህናት ኣጐስጢኖሳውያን ኮይኖም ዘገልገሉሉ ግዜያት ንዘቕረብዎ ጽሑፋት ዝሓዘት መጽሓፍ ኢያ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

እዛ ብቋንቋ ኢጣልያ እተሓትመና መጽሓፍ፣ ናይታ Free Under Grace ዘርእስታ (ብቤት ማሕተም ቫቲካን እተሓተመት) ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ተወፍያ። እዛ መጽሓፍ እዚኣ ካብቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን፣ ከም ኣባ ሮበርት ፕረቮስት (2001-2013) ጥቕላኢ ሓለቓ ማሕበር ካህናት ኣጐስጢኖሳውያን (2001-2013) ኰይኖም ኣብ ዝጸንሓሉ እዋን፣ ዝጸሓፍዎ ጽሑፋ ጥርኒፋ እተቕርብ ዘላ መጽሓፍ ኢያ።

እዛ ካብ ሎሚ ሰኑይ ዕለት 4 ግንቦት ጀሚራ ኣብ ቤተ መጻሕፍቲ ወጺኣ ኣላ፣ እታ ናይ መጀመርታ ቅዳሕ ናይዛ ብቛንቋ ኢጣልያኛ እተሓትመት መጽሓፍ ድማ፣ በቶም ሕጂ ዘለዉ ጠቕላሊ ሓለቃ ማሕበር ካህናት ኣጐስጢኖሳውያን ክቡር ኣባ ጆሴፍ ፋረል ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ገጸ በረኸት ቀሪባ ኣላ። ኣመሓዳሪ ሓዋርያዊ ቤተ መዛግብ ቫቲካን ድማ ሓደ ኻብቶም ኣሰናዳእቲ እታ መጽሓፍ ዝነበሩ ኣጐስጢናዊ ካህና ክቡር ኣባ ሮኮ ሮንዛኒ ከምኡውን ኣሰናዳኢ ናይዛ መጽሓፍ ዝኾኑ ዳይረክተር ቤት ማሕተም ሃገረ ቫቲካን ሎረንዞ ፋዚኒ ምስኣቶም ሓቢሮም ንበበሩ። ብዘይካ ክቡር ኣባ ሮንዛኒ እታ መጽሓፍ ብክቡር ኣባ ሚገል ኣንጀል ማርቲን ጁዋሬዝን፣ ክቡር ኣባ ማይክል ዲ ግሪጎሪዮን እውን ከም ኣሰናዳእቲ ኮይኖም ክልቲኦም ካብ ማሕበር ኣጉስጢኖሳያን እውን ተሳቲፎም ኢዮም።

እዛ መጽሓፍ እዚኣ ኣብ ዝመጽእ ኣዋርሕ ብእተፈላለየ ቛንቋታት ክትሕተም እያ፣ ኣብዚ እዋን እዚ ድማ ኣብ 30 ቋንቋታት ተተርጊማ ናብ መላእ ዓለም ተዘርሒሓ ኣላ። ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2025 ኣብ ከተማ ፍራንክፈርት ኣብ እተገብረ ኣህጉራዊ ምርኢት መጻሕፍቲ ሃገረ ቫቲካን ከም ዝኣወጆ፣ እዛ መጽሓፍ እዚኣ ንመጀመርታ ግዜ ናይ ሮበርት ፍራንሲስ ፕረቮስት መደረታትን ስብከታትን ደብዳበታትን መልእኽትታትን ዝሓዘት ኰይና ንመንፈሳውነት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዓሚቝ ርድኢት እትህብ እያ።

እዛ ብጸጋ ናጻ ዝኾኑ ዝርእስታ መጽሓፍ፣ ረቡዕ ዕለት 6 ግንቦት ኣብ ከተማ ሮማ (ሰዓት 5፡00 ድሕሪ ቐትሪ፣ ኣብ ጳጳሳዊ ተቕዋም ሥነ ኣበው ቤተክርስቲያን ኣጉስቲንያኑም) ብብፁዕ ካርዲናል ፒትሮ ፓሮሊን ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ብወግዒ ክትቐርብ እያ። ክቡር ኣባ ጆሴፍ ፋረል ጠቅላኢ ሓለቃ ማሕበር ካህናት ኣጐስጢኖሳውያን፤ ህየንተ ናይቲ ብዛዕባ ጉዳያት መራኸቢ ብዙሓን ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንብር ዶ/ር ፓውሎ ሩፊኒን፣ ማሪያ ግራዝያ ካላንድሮን ጸሓፊትን; ከምኡውን ኣንድርያ ቶርኒየሊ ዋና ዳይረክተር ዜና ቫቲካንን ኣብቲ ኣጋጣሚ ክሳተፉ ኢዮም።

04 May 2026, 15:13