ር.ሊ.ጳ. ከተማ ናፖሊ 'ዓውደ መጽናዕቲ ሰላም' ክትከውን ብምምሕጻን ዑደቶም ይዛዝሙ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ቀዳማይ ዓመት ዝኽሪ ር.ሊ.ጵጵስናኦም ኣብ ፖምፐይን ናፖሊን ዝገበርዎ ጉስነታዊ ምብጻሕ ኣብ ዝዛዘምሉ እዋን፡ ኣብ ፍትሕን ምትሕግጋዝን ማሕበራዊ ሓላፍነትን ዝተሰረተ ሰላም ዳግማይ ንምህናጽ ተወፋነት ክህሉ ጻውዒት ኣቕሪቦም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ማእከል ከተማ ናፖሊ ኣብ ዝርከብ ኣደባባይ ፕለቢሽቶ ንዝተኣከቡ ኣስታት 50,000 ዝግመቱ ዜጋታት እናተዘዋወሩ ሰላምታ ከም ዘቕረቡን ቅዱሰነቶም ኣብ ፊት ካቴድራል ፍልሰታ ለማርያም ኣብ ዝርከብ ኣደባባይ ምስ በጽሑ፡ ንበርገሳውያን ሰበስልጣን፡ ንሊቀ ጳጳሳት እታ ከተማ ካርዲናል ዶመኒኮ ባታሊያን ምእመናንን ሰላምታ ኣቕሪቦም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ ኣብ መዓልታዊ ህይወት ኣብ ፍትሒ ዝተሰረተ ማሕበራዊ ምሕዳስን ሓድነትን ሰላምን ክህሉ ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ብጽባቐን ቁስልን ዝተለለየት ከተማ

ብዛዕባ እቲ ደቀ መዛሙርቲ ኤማሁስ ዚገልጽ መልእኽቲ ወንጌል ኣማእኪሎም፡ ንናፖሊ ፍልይ ዝበለ ጽባቐን ዓሚቝ ቍስልን ዘለዋ ኸተማ ምዃና ዘኪሮም፡ ካብታ ከተማ ዚወጽእ ጽባቐን ድኽነትን ፍርህን ምድንጋርን ምስቶም ኣብ መገዲ ምስ ክርስቶስ ዚራኸቡ ዝደኸሙን ተስፋ ዝቘረጹን ደቀ መዛሙርቲ ኩነታት ዝመሳሰል ምዃኑ ኣስተብሂሎም፡ "ብሓቂ እንታይ እዩ ዜገድስ?" እክብሉ ሓቲቶም፣ ዜጋታት ኣብቲ መብዛሕትኡ ግዜ ብድኻምን ዘይምግዳስን ማሕበራዊ ምክፍፋልን ዝረኣየሉ ኵነታት ዘሎ ትርጕም ከም ብሓድሽ ከለልዩ ዓዲሞም፡ ነቲ ናፖሊ ዘጋጠማ ዘሎ ስግንጢር ኣናሓሰቡ፡ እዚ ድማ ጎኒ ጎኒ ቀጻሊ ዘይማዕርነት፡ ናብ ሰፊሕ ሓቛፊ ቁጠባዊ ዘይትርጎም እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ጽላት መስህብ ጠቒሶም ሽቕለት ኣልቦነት፡ መጠን ምቁራጽ ትምህርቲ፡ ሕጽረት ኣገልግሎትን ጽልዋ ዝተወደበ ገበንን ከም ምልክታት ናይቲ ሕጂ ንማእከልን ንወሰናስን እታ ከተማ ዝጸሉ “መልክዓ ምድራዊ ዘይማዕርነት” ምዃኑ ኣመልኪቶም፡ ኣብዚ መንጽር እዚ፡ ምትእምማን፡ ድሕነትን ዕድልን ንምምላስ ህላወ መንግስታዊ ትካላት ኣገዳሲ ምዃኑ ከም ዘስመሩሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

መዓልታዊ ጀጋኑ

ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ነቶም ብዙሓት “መዓልታዊ ጀጋኑ” ናፖሊ ንኢዶም፣ ማለት ንፍትሕን ሓቅን ክብርን ብዘይ ርኣዩለይን ስምዑለይን ዘገልግሉ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን፡ ጻዕርታቶም፡ ተነጺሉ ክጸንሕ ዘይኮነስ፡ ኣብ ናይ ሓባር “መርበ ሰናይ” ንመላእ ማሕበራዊ ኣካላት ዘደልድልን ዝሽፍንን ክኸውን ኣለዎ - ቢሎም - ብፍላይ ድማ ንበርገሳዊ ትካላትን ቤተ ክርስቲያንን በርገሳውያን ማሕበራትን ዘሳትፍ ትምህርታዊ ውዕል፡ ኣብታ ከተማ ከም “ማእስር ሕብረት” ዘለዋ ተራ ኣጉሊሖም፡ እዚ ምትሕብባር’ዚ ክደክም ዘይኮነስ ንመጻኢ እታ ከተማ ናይ ሓባር ተልእኾ ኮይኑ ክዓምቕ ኣለዎ እንክብሉ ከም እተላበዉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

“ዓውደ መጽናዕቲ ሰላም”

ናፖሊ፡ ኣብ መዓልታዊ ዝምድናታት፡ ኣብ ከባቢታትን ኣብ ጭቡጥ ተግባራት ፍትሕን ትምህርትን ዕርቂ ዝህነጸላ፡ “ናይ ፖስትካርድ ከተማ” ጥራይ ክትከውን ከምዘይትጽዋዕ ኣተሓሳሲቦም “ብዘይ ፍትሒ ሰላም የለን፡ ብዘይ ግብረ ሰናይ ፍትሒ ድማ ምሉእ ኣይኰንን” ኣብክብሉ ኣረጋጊጾም፡ ከም ተኣፈፍቲ ኣባይቲ ስድራ መአንገድን ነቶም ኣብ ሽግር ዘለዉ ናይ ደገፍ ማእከላት ዝኣመሰለ ተበግሶታት ሓዊስካ ጭቡጥ ምልክታት ተስፋ ጠቒሶም፡ እዚ እንግዶትን ክንክንን ሓድሽ ተበግሶን  ከም ህያው መግለጺ ሰላም እዩ” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ምልክታት ምሕዳስ

ቅዱስነቶም ናፖሊ ኣብ መንጎ ባህልታትን ኣብ መንጎ ሃይማኖታትን ናይ ዘተ መድረኽ ንምግባር ዝግበር ጻዕሪ ንኢዶም፣ እዚ ድማ ካብ ከባቢታት ግጭት ዝመጹ መንእሰያት ዘሳትፍ ተበግሶታት ዘጠቓልል ምዃኑ ኣስተብሂሎም፡ ንነዊሕ እዋን ስደተይናታትን ተመዛበልትን ናይ ምቕባል ልምዲ እታ ከተማ ኣጉሊሖም፣ እዚ ድማ ህጹጽን ግዚያውን ምላሽ ዘይኮነስ ናይ ርክብን ንሓድሕዳዊ ምዕባለ ዕድል እዩ ብምባል፣ ናብ ተራ መንእሰያት ተመሊሶም፡ ናይቲ ናይ ምእንጋድ ባህሉ ብርሑቕ ዝዓዘቡ ካብ ምዃን ርሒቖም ቀንዲ ተዋሳእቲ ሕዳሴ ምዃኖም ብምዝኽካር፡ ካብ ባህላዊ ውጥናት ክሳብ ተበግታት ቁምስናታትን ኣገልግሎት ግብረ ሰናይን፡ መንእሰያት ናፖሊ ድሮ “ምልክታት ዝተሓደሰት ከተማን ዝተሓደሰት ቤተክርስትያንን” ይቐርጹ ከምዘለዉ ገሊጾም፡ ንህዝቢ ናፖሊ ብኣማላድነት ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያምን ንፍቑር ቅዱስ ሓላዊ እታ ከተማ – ቅዱስ ጀናሮ ኣማዕቍይቦም ብትብዓትን ብተስፋን ብሓባር ምጉዓዝ ክቕጽሉ ብምትብባዕ መደረኦም ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

09 May 2026, 17:31