ር. ሊ. ጳ፦ “ጳራቅሊጦስ ንኣእምሮና የብርሃናን የዕቍበናን”

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ትማሊ ሰንበት ዕለት 24 ግንቦት ላቲናዊ ሥርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን በዓለ ጰራቅሊጦስ ብምኽባራ፣ ኣብ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ፣ ጴንጠቆስጠ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ህይወትና ብኸመይ ተኣምራት ይገብር ከም ዘሎ ኣስተንተኑ፣ ጳራቅሊጦስ ንኣእምሮ ብምብራህን፣ ኣብ ልብና ሓድሽ ሕይወት ብምስረጽን፣ "ንታሪኽ ይቕይሮ፣ ንድሕነት ይኸፍቶ፣ እዚ ኸኣ ጐይታ ንዅሉ ዝህቦ ውህበት እዩ" በሉ።

ኣባ ተወልተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

"ብሳላ ሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ስብከትና ብሓጐስን ተስፋን ዝመልአ እዩ፣ ከመይሲ ንሕና — እወ ንሕና ባዕልና — ናይ ሓድሽ ዓለም ብርሃንን ጨው ምድሪን ኢና።"

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ትማሊ ሰንበት ንግሆ ኣብ ቤተ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ፣ ንበዓለ ጴንጠቆስጠ ኣብ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ፣ ነዚ ዘጸናንዕ መዘኻኸሪ ለጊሶም፣ ዘመነ ትንሳኤ ኣብዚ ክብረ በዓል እዚ ኣብ መፈጸምታ ከም ዝበጽሕ እውን ኣስተንተኑ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም፣ ነቲ ሓዋርያት ብፍርሂ ተዋሒጦም ኣብ ላዕለዋይ ደርቢ ተዓጽዮም ዝነበሩሉ ናይ መዓልቱ ንባብ ወንጌል ብምጥቃስ ኢዮም ስብከቶም ዘካፈሉ። ጐይታናን መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ግና እቲ ማዕጾ ተዓጽዩ እናሃለወ ኽነሱ፣ ኣብ ማእከሎም ደው ኢሉ ከም ዝሕጐሱ ገበሮም። ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንተግባራቱ፣ "ሰላም ንኣኻትኩም ይኹን" ብዝብል ቃላት ብምስናይ፣ ኣባኡ ድማ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ልዕሊ ደቀ መዛሙርቱ ኡፍ እናበለ ሃቦም።

ቅዱስ ኣቦና ወሲኾም ከም ዝገለጽዎ፣ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ህይወት ሓዋርያት ከመይ ገይሩ ዘደንቕ ነገራት ከም ዝገበረ ኣጕልሑ፣ መንፈስ ቅዱስ ሎሚ እውን ይዓዪ ኸም ዘሎ እውን ኣስተንተኑ።

ጰንጠቈስጠ፣ "በዓለ ፋሲካ ኢዩ!" ከምኡውን "በዓል ናይቲ ንሕና ኵልና ብጸጋ ዝኾናዮ፣ በዓለ ሥጋ ክርስቶስ" ምዃኑ እውን ኣስመሩሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቀጺሎም፣ ምእመናን ነዚ ምሥጢር እዚ ኼብዕሉ ኸለዉ፣ ኣብ ሰለስተ መዳያት መንፈስ ቅዱስ ከተኵሩ ከም ዘለዎም ብምግላጽ፣ እቲ ቐዳማይ ከም "መንፈስ ሰላም" እቲ ኻልኣይ ከኣ "መንፈስ ተልእኾ"፣ እቲ ሳልሳይ ድማ "መንፈስ ሓቂ" ምዃኑ ገለጹ።

ኣብ ልብና ሰላም የፍስስ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ፈለማ ኣብ መንፈስ ሰላም ብምትኳር፣ መንፈስ ቅዱስ ብምስጢረ ክርስቶስ ኣቢሉ፣ ኣብ መንጎ ኣምላኽን ደቂ ሰብን ሰላም ከም ዝገበረን፣ ነዚ ሰላም እዚ ኣብ ልብና ብምፍሳስ፣ ኣብ መላእ ዓለም ዘስፋሕፎ መንፈስ ቅዱስ ምዃኑ እውን ኣስተብሂሎም።

ቅዱስነቶም ኣስዒቦም፣ እዚ ሰላም እዚ ካብ ይቕረ ምባል ዝምንጩን፣ ናብ ግባሪ ምሕረት ከም ዝመርሓናን እውን ኣጕልሑ። ጐይታ "እቲ ንዅሉ ኻብ ሞት ዘድሓነ፣ ነዚ ውህበት እዚ ንወላ ሓደ እኳ ኣይነፍጎን እዩ እሞ፣ መንፈስ ሰላሙ ኻብ ወሰን ታሪኽ ክሳዕ ወሰን የፍስስ ኣሎ" በሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ መሥዋዕተ ቅድሴ በዓለ በጳቅሊጦስ 2026
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ መሥዋዕተ ቅድሴ በዓለ በጳቅሊጦስ 2026   (AFP or licensors)

ኵላትና ኽንምስክር ተዓዲምና ኣሎና

ቅዱስነቶም ቀጺሎም፣ ናብ ተልእኾ መንጌላዊ መዳይ መንፈስ ቅዱስ ምልስ ብምባል ድማ፣ መንፈስ ቅዱስ፣ "ኣብ ተልእኾና ዝመልኣናን ዘነቓቕሓናን ዝድግፈናን ህያው ውህበት ክርስቶስ" ምዃኑ ዘኪሮም።

ኣብ ዕለተ ጴንጠቆስጠ ሓዋርያት ብሓይሊ መንፈስ ኢየሱስ ክሰብኩ ከም ዝጀመሩ ብምዝካር፣ እቲ ናይ መጀመርታ ዕዮ መንፈስ ቅዱስ፣ ኣባና ኢየሱስ ጐይታ ምዃኑ ንኽንእውጅ፣ እምነት ዝህበና ምዃኑ ገለጹ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ወሲኾም፣ እዚ እምነት እዚ ኣብ ኵሉ ሰናይ ግብሪ፣ ኣብ ኵሉ ግብሪ ምሕረትን፣ ብዅሉ ውርዝናን ከም ዚግለጽን ብምስትንታን ድማ፣ "እቲ ግብሪ ኣምላኽ እምበር፣ ንሕና ነፍሲ ወከፍና ኢና" በሉ፣ እዚ ድማ ንሕና ኩልና “እቶም ናብ ድራር ጐይታ እተዓደምና፣ ንቃሉ ክንሰምዕ እተኣከብና ከምኡ ውን ኣብ ኩሉ ቦታታት መሰኻኽሩ ክንከውን እተጸዋዕና” ምዃና ኢዩ።

መሳርሕቲ ወንጌል

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ስብከቶም ብምቕጻል፣ ኵሎም ምእመናን ብሓቂ "መዓይይቲ ወንጌል" ምዃኖም እውን ኣጕሊሖም፣ "መላእ ቤተ-ክርስትያን ሓላዊኡ ጥራይ ዘይኰነትስ፣ ናይ ወንጌል ቀንዲ ቀላሲት እያ" ደማ በሉ።

ብሳላ ሓይሊ መንፈስ ቅዱስ፣ ስብከትና ብሓጐስን ተስፋን ዝመልአ ምዃኑ እውን ገለጹ።

ንሕና ባዕልና "ሓድሽ ዓለምን" ከምኡውን "ብርሃንን ጨውን ምድሪ" ምዃንና እውን ኣጕልሑ፣ እዚ ድማ ብሳላ ጻማናን ዘሎና ፍሉይ መሰልን ዘይኰነስ፣ ብሳላ እቲ "ንሓጥኣን ዚቕድሶምን፣ ለምጻም ዘንጽሖምን፣ ዝኸሓዶ ድማ ናብ ሓዋርያ ዝልውጥ" ቃል ጐይታ እዩ ክብሉ መስከሩ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ወሲኾም፣ "ንዓለም ሓድሽ ህይወት ዘየምጽእ እኳ ደኣ ብጌጋታትን ዓመጽን ኣገጊት ክትከውን ዝገብራ ገለ ገለ ለውጥታት ኣሎ" ብምባል እውን ኣፍልጦ ሃቡሉ። ይኹን እምበር "መንፈስ ቅዱስ ንኣእምሮ የብርሆ፣ ኣብ ልብና ድማ ሓድሽ ሓይሊ የሰርጽ ኢዩ" በሉ።

ሓድነት ኣብ ሓቂ ምድንፋዕ

በዚ ኸምዚ መንፈስ ቅዱስ፣ "ንታሪኽ ይቕይሮ ንድሕነት ድማ ይኸፍቶ፣ እዚ ኸኣ ጐይታ ንዅሉ ዚህቦ ውህበት እዩ።" ተልእኾ ቤተ-ክርስትያን ነዚ ዕድመ እዚ ይምስክር፣ በዚ ኸምዚ ድማ ነቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ሕንፍሽፍሽ ምስ ኣምላኽን ኣብ መንጎናን ናብ ሕብረት ዘብጽሕ ትገብሮ።

እቲ ብነብያት ኣቢሉ እተዛረበ መንፈስ ቅዱስ፣ ኵሉ ሳዕ ምስትውዓልን ስኒትን ውህበደት ህይወትን ብምውሳድ፣ ኣብ ሓቂ ሓድነት ከም ዜስፋሕፍሕ ኣዘኻኺሮም።

መሥዋዕተ ቅዳሴ በዓለ ጰራቅሊጦስ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ 2026
መሥዋዕተ ቅዳሴ በዓለ ጰራቅሊጦስ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ 2026   (@Vatican Media)

ጸራቕሊጦስ ዘዕቍበና ምንጪ ቅድስናን ድማ እዩ

ኣብ መወዳእታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ከም ዝገለጽዎ፣ ጳራቅሊጦስ ካብ ኵሉ እቲ ነዚ ምርዳእ እዚ ዝዓናቕፍ ነገራት፣ እንተላይ ካብ ኣድልዎን ግብዝናን ከምኡውን ንብርሃን ወንጌል ካብ ዝኽውል ፋሽናትን ከም ዜዕቍበና ገሊጾም እዮም።

በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፣ "እቲ ኣምላኽ ዝሃበና ሓቂ ንዅሎም ህዝብታት ሓራ ዘውጽእ ቃል ኰይኑ፣ ንዅሉ ባህሊ ኻብ ውሽጡ ዝቕይር መልእኽቲ ኣለዎ" በሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ወሲኾም፣ መንፈስ ቅዱስ ሓንሳእን ንሓዋሩን ዘይኰነስ፣ ብቐጻሊ ኸም ዚፈስስ ኣስፊሖም ገለጹ።

"ከምቲ ቅዱስ ቍርባን ህያው ህላወ ናይቲ ብዘይምቍራጽ ዝምግበና ክርስቶስ ዝዀነ፣ ከምኡ ድማ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ጥምቀት ብባህርያቱ ንሕተም፣ እዚ ድማ ክርስትያን ዝገብረ እዩ" በሉ።

ብተመሳሳሊ መንገዲ፣ መንፈስ ቅዱስ ከም መረጋገጺ ኮይኑ ኢዩ ዝዓዪ፣ ከም መሰኻኽርን ኣብ ቅዱሳት ስርዓታትን ከኣ ኣገልገልቲ፡ ጓሶት፡ ከምኡ ውን ህዝቢ ኣምላኽ ከም እንኸውን ይገብረና።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ ከም ዝገለጽዎ፣ "ኣብ ነፍሲ ወከፍ ምስጢራት፣ ንሱ ኢዩ እቲ ብጸሎትን ብግብሪ ምሕረትን ብምስማዕ ቃል ኣምላኽን፣ ንህያባትናን ባህርያትናን ዜብዝሕ ምንጪ ቅድስና እዩ" በሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጵሳት ልዮን መበል 14 ኣብ መሥዋዕተ ቅድሴ በዓለ ጰራቅሊጦስ2026
ርእሰ ሊቃነ ጳጵሳት ልዮን መበል 14 ኣብ መሥዋዕተ ቅድሴ በዓለ ጰራቅሊጦስ2026

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን፣ ነቲ ቅዱስ ጳውሎስ ናብ ሰብ ቆሮንጦስ ዝጸሓፎ ብምጥቃስ፣ "ንነፍሲ ወከፍ ምእንቲ ሓባራዊ ረብሓ ናይ መንፈስ ቅዱስ ምግላጽ እተዋህቦ" ቢሎም ብምዝኽካር፣ በዚ ምኽንያት እዚ ኢና እምበር፣ ኣብ ኣምላኽ እንነብርን፣ ናይታ ንዓለም እተገልግል ሓንቲ ኣካል ዝዀነት ቤተክርስትያን ኣባልት ዝዀንና።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም፣ "ሳላ መንፈስ ቅዱስ ንኹሎም ደቂ ሰባት ሓቀይና ሰላም ከነምጽእ ንኽእል ኢና፣ እቲ ዘድሕን ሓቂ፣ ማለት ክርስቶስ ጐይታና እዩ" ክብሉ እውን ጻውዒት ኣቕረቡ።

ካብ ክፉእ ኲናት ኣድሕነና

ቅዱስ ኣቦና ኣብ መደምደምታ፣ መንፈስ ቅዱስ "ካብቲ ብልዕለ-ሓይሊ ዘይኰነስ ብሓይሊ ፍቕሪ ብዝሰዓር ኽፉእ ውግእ ከናግፈናንን፣ ንደቂ ሰብ ካብ ጸበባ ሓራ ክገብረናን" ከምኡውን "በቲ ብስም ኢየሱስ ንዅሎም ህዝብታት እተሰብከ ምድሓን፣ ካብ መቅዘፍቲ ሓጢኣት ከሕውየና" ብምጽላይ ንዅሎም ምእመናን ምስ ቅዱስነቶም ሓቢሮም ክጽልዩ ብምዕዳም ስብከቶም ዛዘሙ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ መበል 14 መንፈስ ቅዱስ ነቲ ሎሚ ዀነ ወትሩ ብኣማልድነት ቅድስቲ ኣደ ኣምላኽ፣ ንሓዋርያት ትብዓት ዝሃቦም ጸጋታቱ ከስርጸልና ብምጽላይ ደምደሙ።

መሥዋዕተ ቅዳሴ በዓለ ጰራቅሊጦስ 2026
25 May 2026, 10:06