ድለ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፦ ትምህርቲ መንእሰያት ንርእሶምን ንኻልኦትን ንኽረኽቡ ክሕግዞም ይግባእ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፦ ትምህርቲ መንእሰያት ንርእሶምን ንኻልኦትን ንኽረኽቡ ክሕግዞም ይግባእ  (@Vatican Media)

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፦ ትምህርቲ መንእሰያት ንርእሶምን ንኻልኦትን ንኽረኽቡ ክሕግዞም ይግባእ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ቫቲካን ብዛዕባ ጥዕና ኣእምሮን ትምህርትን ስነ ኣሃዛዊ ዕደ ጥበብ ኣማእኪሉ ኣብ ተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ተግባእያን ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ ቃለ ምዕዳን መንእሰያት ስቕታን ርክብን ንሰገርነት ክፉትነትን ዳግማይ ንምርካብ ሓገዝ ከምዘድልዮም የጒልሑ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ መዋእል ስነ ኣሃዛዊ ሰውራ መንእሰያት ምምሃር ሓደ ካብ ዓበይቲ ብድሆታት ዘመንና ምዃኑ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዕለት 30 ግንቦት ምስ ተሳተፍቲ ኣኼባ “ትምህርትን ስነ ፍልጠትን ባህል - መልክዓ ምድሪ ተስፋ ንዞባዊ ትምህርታዊ ዝክረ ነገር፡ ጥዕና ኣእምሮ፡ ስነ ኣሃዛዊ እደ ጥበብን ትምህርትን” ከም እተራኸቡን ኣብቲ ኣኼባ ካብ ሃገራት ላቲን ኣመሪካ ዝመጹ ክኢላታት፡ ምሁራትን ሚኒስተራትን ኣብ ሓደ ዘራኸበ ብናይ ቅድስቲ መንበር ጉዳያት ባህልን ትምህርትን ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ከምኡ’ውን ጳጳሳዊ ሽማግለ ላቲን ኣመሪካን ምስ ውድብ ሃገራት ኢቤሮ - ኣሜሪካን ብምትሕብባር ኣብ ዝተዳለወ ዓውደ ጉባኤ ተጋባእያን ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ ንላቲን ኣመሪካ ዘለዎም ፍቕሪ ብምዝካር ባህላዊ ብኢድ ዝስራሕ ናይታ ኣህጉር ኣልባሳት እናሓሰቡ እዚ ዓለባታት እዚ ብብዙሕ ፈትልን ህያው ሕብርታቱን “ነቲ ቅርጺ ንምፍጣር ሓደ ፈትሊ እኹል ከምዘይኮነ” ዘርኢ እዩ። ነፍሲ ወከፍ ፈትልን ነፍሲ ወከፍ ሕብርን ትርጉሙ “ኣብ ውሽጢ ዝዓበየ ንድፊ” ጥራይ እዩ ዝረክብ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ትምህርቲ ከም ስነ-ጥበብ ምሽፋን ቁርባን እዩ

ቅዱስነቶም፡ ትምህርቲ ንገዛእ ርእሱ ከም ህንጸት እተገለሉ ውልቀ - ሰባት ዘይኰነስ ከም "ናይ ሕብረት መስረጺ ስነ - ጥበብ" ተገይሩ ዳግማይ ክረአ ጻዋዒት ኣቕሪቦም፡ ልክዕ ከምቲ ጥንታውያን ህዝብታት ነቲ ጭፍራ ኸዋኽብቲ ኼንብቡ ናብ ሰማይ ዚጥምቱ ሎሚ ዘለዉ ሰባት እውን ኣዒንቶም ኣልዒሎም ኵላትና ናይ ሓደ ሰብኣዊ ስድራ ቤት ምዃንና ንኽንግንዘብ ዜኽእል "ዓለምለኻዊ ትምህርታዊ ከዋኽብቲ" ኪሃንጹ ዝተጸውዑ ምዃኖም ኣስተብሂሎም፡ እዚ ኣረኣእያ እዚ ነቲ ብስነ ህክምናዊ ወይ ግብረኣዊ ኣረኣእያ ጥራይ ክቐርብ ዘይክእል ናይ ኣእምሮ ጥዕና ጕዳይ ንምፍታሕ ኣድላዪ ምዃኑ ገሊጾም፡ ነቲ "ሓደ ኻብቲ ኣብዚ ግዜና ዘሎ ዝዓበየ ዓይነት ድኽነት ማለት ውሽጣዊ ኣቃውማና ምጥፋእ" ምላሽ ምሃብ ማለት እዩ - ቢሎም - ብዙሓት መንእሰያት ኣዝዩ እተራቐቐ መጋበርያታት ክረኽቡ ዝኽእሉ እኳ እንተዀኑ ንህይወቶምን ተስፋኦምን ፍቕሮምን ስቓዮምን ትርጕም ንምሃብ ግን ይቃለሱ። ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ብፍላይ ኣብዛ ናብ ቅልጣፈን ብርቱዕ ምፍሕፋሕ እትደፋፍእ ጭንቀት ፍርሂ ውድቀት ከምኡውን ምድንጋራት ዜምጽእ ዓለም ስነ -ኣእምሮኣዊ ተኣፋፍነት የርኢ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ውሽጣዊ ህይወት ዳግማይ ምርካብ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ደቂ ሰባት ትርጉም ክረኽቡ ምስ በቕዑ ምሉእ ብምሉእ ክነብሩን ውሽጣዊ ተኣፋፍነት ክብድሁን ከም ዝኽእሉ ኣስሚሮም፡ "ሓደ ሰብ ህይወቱ ዋጋ ከም ዘለዎ፡ ከም ዝፍቶ፡ ዝጽበዮን ዘለዎ፡ ኣብ ዓለም ተልእኾ ከም ዘለዎ ምስ ዝፈልጥ፡ ሽዑ ተስፋ ዳግማይ ይውለድ። ተስፋ ማለት ገርሂ ምትላል ዘይኰነስ፡ “ዋላ እውን ኣብ ኣዝዩ ጽንኩር ህሞታት ንህይወት ዘቐጽል መንፈሳዊ ሓይሊ እዩ።”

በዚ ምኽንያት መንእሰያት ካብ ገዛእ ርእሶምን ካብ ካልኦትን ካብ ውሽጣዊ ሕይወቶምን ብምብታኽ ምስ ስነ ኣሃዛዊ መርበባት ዝፈጥርዎ ምትእስሳር እኹል ከም ዘይኮነ ኣጠንቂቖም፡ መንእሰያት፡ ስቕታ፡ ኣስተንትኖ፡ ሕቶ ናይ ምሕታት ክእለት፡ ዕምቆት ዝምድናታትን ንሰግርነት ክፉትነትን ዳግማይ ንኽረኽብዎ ምሕጋዝ የድሊ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ብርሃን ክኸውን ዝተጸውዐ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ናብቲ ብዙሓት ሕብራዊ ፈትሊታት ሓደ ስሉም ዓለባ ዝፈጥር ከም ዝኾነ ዝጠቐስዎ ምስሊ ምልስ ቢሎም ብምሕሳብ፡ ንህዝባዊ ትካላት፡ ኣብያተ ትምህርቲ፡ መናብርተ ጥበብ፡ ኣባይቲ ስድራ፡ ሃይማኖታዊ ማሕበረሰባትን ዓለማት ባህልን ርክብን ብሓባር ክሰርሑ ዓዲሞም፡ ኣብዚ ናይ ስነ ኣሃዛዊ ምስግጋር ዘመን እዚ፡ ሰባት ብርሃን ክኾኑ ይጽውዑ፡ ብፍላይ ንመንእሰያት -ቢሎም - እቲ ዘድሊ ሓድሽ ባህላዊ ውህደት ክሃንጽ ዝኽእል ራእያት ኢዩ - ኣተሓሳስባን ህይወትን ዘጣመረ ምስትንታንን ተግባርን ምስ ድኻታት ሓድነትን ትርጕም ምድላይን ነቲ ዓሚቝ ሰብኣዊ ውርሻ ትምህርቲ ክዕቅብ ዝኽእል ራእያት እንክብሉ ዘስሞዎ መደረ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

30 May 2026, 17:15