ድለ

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ናፖሊ፡ ቤተክርስትያን ኣብ መንጎ ዘይምዕሩይነትን ጸገማትን ምቅርራብ ከተምጽእ ኣለዋ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮስ መበል 14 ኣብቲ ዕለት 8 ግንቦት ኣብ ፖምፐይን ከተማ ናምፖሊን ኣብ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ ዑደት ምስቶም ኣባላት ውሉደ ክህነት ናፖሊን ኣብቲ ዞባ ምስ ዘገልግሉ ኣባላት ሰብ ውፉይ ህየውትን ምመናንን ተራኺቦም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን፡ ምእመናን እታ ከተማ ደቡባዊት ኢጣልያ ዝጸሉ ከቢድ ክውንነት ኣብ እትገጥምሉ እዋን ብዛዕባ ክርስቶስ ክምስክሩ የተባብዑ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ነፍሲ ወከፍ ኣባል ቤተ ክርስቲያን – ካህናት፡ ኣባላት ሰብ ውፉይ ህይወትን ዓለማውያንን – ብፍላይ ኣብ ቅድሚ በደላትን ጸገማትን ከም ምስክር ፍቕሪ ክርስቶስ ድልዱል ህላወ ክኾኑ ከም እተጸውዑ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዕለት 8 ግንቦት ኣብ ናፖሊ ምስ ውሉደ ክህነትን ኣባላት ሰብ ውፉይ ህይወትን ኣብ ዘካየድዎ ርክብ ኣጒሊሖም፡ ኣብታ “ብዘይማዕርነት፡ ሽቕለት ኣልቦነት መንእሰያት፡ ምቁራጽ ትምህርቲ፡ ከምኡ’ውን ዘይምርግጋእ ኣባይቲ ስድራ ዝተለለየት ከተማ፡ ምእዋጅ ወንጌል ካብ ኩሉ ሰብ ማለት ካህናት፡ ኣባላት ሰብ ውፉይ ህይወትን ዓለማውያንን ብማዕረ ዘሳትፍ ጭቡጥን ደጋፍን ህላወ ክፍለ ኣይክእልን እዩ - ቢሎም - ኣካል እቲ ኣምላኽ ንህዝቡ ዝሃቦ ዛንታ ፍቕሪ ኢኹም፣ እዚ ኸኣ ቅድሜኹም ዝጀመረን ብኣኹም ዘይውዳእን እዩ። ከም ፍሉይን ኣድላዪን ክፍሊ ናይዚ ኣካል እዚ ኢኹም፣ ኣብ መንጎ ጽዑቕ ጽላሎት ጸልማት እውን ከይተረፈ ብርሃን ምእንቲ ኸተብርሁ። ኣይትፍርሑ፣ ልብኹም ኣይተጥፍኡ፣ ስለ እዛ ቤተ ክርስቲያንን ነዛ ከተማን መሰኻኽር ክርስቶስን ናይ መጻኢ ዘራእትን ኩኑ!” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣገዳስነት ሓልዮት

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ ብጽባቐኣ፡ ልምድታታ፡ ብባህላዊ ሃብታ፡ ብሓጐስ ብዝሒ ህዝባን “ህያው ህዝባዊ ሃይማኖትዊ ልምድታት” እትፍለጥ ከተማ፡ ብብዙሕ ማሕበራዊ ጸገማት ብዙሕ ገጻት ድኽነትን ዓመጽን እትፍለጥ ከተማ ምዃና ኣጒሊሖም፡ ኣብዚ ጽንኩር ኵነታት እዚ፡ ምእመናን ኣብ ኣገዳስነት ሓልዮት ኬተኵሩ ኣተባቢዖም፡ ኢየሱስ ንደቀ መዛሙርቲ ኤማሁስ ከም እተገልጸ ዘዘትው ቃል ወንጌል ብምዝካር ከምኣቶም፡ “ብዙሕ ጸገማት ወይ ብዘይተፈጸመ ዝመስል ውልቃውን ጉስነታውን ጸገማት ተስፋ ንቖርጽን ንጉህን” ብምዃና፡ ኣብ ጉዕዞ ህይወት “ምልክታት ታሪኽ ክንትርጉም ከጽግመና ይኽእል፡

እንተኾነ ግና ኢየሱስ ኩሉ ግዜ ኣብ ጎንና ይመላለስን ይመርሕን፣ ሓልዮትና እውን እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ውሽጣዊ ሓልዮት ንካህናትን ሃይማኖታውያንን

ኣብ ርእሲ ምክንኻን ከተማን ክፍልታትን ከምኡውን ነቶም ኣብ ጽንኩር ኵነታት ዘለዉ ሰባት ምክንኻን "ኣገዳስነት ውሽጣዊ ክንክን ማለት ንልብናን ሰብኣውነትናን ርክባትናን ምክንኻን ማለት እዩ" እንክብሉ ኣጒሊሖም፡ ነዚ ምኽሪ እዚ ብፍላይ ነቶም ኣብ ቤተ - ክርስትያን ሓላፍነት ዘለዎም ወይ ኣባላት ሰብ ወፉይ ህየውትን ብፍሉይ ብምቕራብ፡ "ክብደት ኣገልግሎቶምን ምስኡ ዚመጽእ ውሽጣዊ ቓልስን ሎሚ ብገለ መገድታት ካብ ቅድሚ ሕጂ ንላዕሊ ኸቢድ ኰይኑ ኣሎ" ኣንክብሉ ኣፍልጦ ብምሃብ፡ ኣብቲ ኣብ ናፖሊ ዘሎ ኣጸጋምን እተፈላለየን ክውንነት "ኣብ ስምዒታዊ ተመክሮታት ጥራይ እተሓጽረ ዘይኰነስ ኣብ ሕብረትን ሕብረተሰብን ዓሚቝ ጽልዋ ዝገብር" ክርስትያናዊ እምነት ንኼንጸባርቕ ኣብ ጒስነታዊ ኣገልግሎት ክስባእ ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ ነቶም ኵሎም ሓገዝ ዘድልዮም ሰባት - ዝደኸሙ ኣባይቲ ስድራ እተደናገሩ መንእሰያትን ድኻታትን ኣብ ግምት ብምእታው እዚ ብፍላይ ንካህናት ከቢድ ተልእኾ ምዃኑ ኣስተብሂሎም፡ "ኣብ ርእሲ እዚ መብዛሕትኡ ግዜ ቋንቋናን ተግባራትናን ነቲ ሎሚ ዘሎ ሓድሽ ሕቶታትን ብድሆታትን ብፍላይ ከኣ ንንኣሽቱ ሕቶታት ንምምላእ እኹል ከም ዘይኰነ ምስ እንግንዘብ ረዳኢ ዘይብሎምን ምድንጋርን ክስምዓና ስለ ዝኽእል” እንክብሉ ከም ዘብርሁ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ኣገልግሎት ክፍጸም ዘለዎ ዕማም ኣይኮነን

“እቲ ሰብኣውን ጓሳውን ጾር ብርግጽ ከቢድ እዩ” ከምኡ’ውን “ክኸብደና፣ ከድክመና፣ ጸዓትና ዝጽንቅቕ ሓደጋ ኣሎ፡ ሓድሓደ ግዜ ድማ ብዝተወሰነ ጽምዋን ናይ ጉስነት ተነጽሎ ስምዒትን ዝያዳ ክጋደድ ከምዝኽእል” እውን ኣስሚሮም፡ በዚ ምኽንያት ካህናትን ኣባላት ሰብ ውፉይ ህይወትን ብቐጻሊ ምስ እግዚኣብሔር ዘለዎም ርክብ ብምድልዳል ገዛእ ርእሶም ክከናኸኑ ብቕዓት መመያ ክህልዎምን ብመንፈስ ቅዱስ ክምርሑን ኣተሓሳሲቦም፡ “እዚ ውን መዓስ ደው ክንብል ከም ዘለና ንምፍላጥ ትብዓት ዝጠልብ እዩ፣ እቲ ዘጋጥመና ውልቃውን ጉስነታውን ኩነታት ብመንጽር ወንጌል ከነስተንትኖ ዘይንፈርሕ፣ ኣገልግሎት ናብ ክፍጸም ዘለዎ ተራ ዕማም ከይነውርድ ሓደራ” ምስ በሉ፡ ብተወሳኺ ንኣገልግሎትኩም ምሕላይ ማለት ኣብ እግዚኣብሔር ዝተሰረተ ሕውነትን ሕብረትን ምንባር ማለት ምዃኑ ኣመልኪቶም፡ እዚ ድማ “ብዕርክነትን ሓድሕዳዊ ምድግጋፍን ከምኡ’ውን ብናይ ጉስነት ውጥናትን ተበግሶታትን ብምክፋል ዝግለጽ እዩ።”

ኣብቲ ዝተበታተኑ ሕብረተሰባትና ንዘጋጥም ሓደጋ ጽምዋ ቅዱሰንቶም ኣጒሊሖም፡ እዚ ካህናት ንሓድሕዶም ክደጋገፉሉ ዝኽእሉ ሓድሽ መልክዕ ሓባራዊ ህይወት ንምሕሳብ ክድርኾም ከም ዘለዎ ተላብዮም፡ "እዚ ኣብ ውሑዳት ኣኼባታት ወይ ፍጻመታት ምክፋል ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንፈተና ውልቃውነት ንምስጋር ምስራሕ. እዩ  - ቢሎም - እዚ ብሓባር ካህናትን ኣባላት ሰብ ውፉይ ህይወትን ነስተንትኖ! ናይ ቅርበት ጥበብ ንለማመድ! እንክብሉ ከም እተላበዉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ተልእኾ ቤተ ክርስቲያን ንምስፋሕ ብሓባር ምጉዓዝ

ቀጺሎም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮስ መበል 14 ሓድነት ብኹሎም ምእመናንን ኣባላትን ቤተ ክርስቲያን ውፉያንን ኣብ ጉስነታዊ ኣገልግሎት ዝዋፈሩን ክህነጽ ከምዘለዎ ኣስሚሮምሉ። “ብኣሰር ጐይታ ብሓባር ምጉዓዝን ንዝተፈላለዩ ህያባት መንፈስ ቅዱስን ኣገልግሎትን ዋጋ ብምሃብ ተልእኾ ስብከተ ወንጌል ንቕድሚት ንስጓምን ንመንነት ቤተ ክርስቲያን ዝምልስ እዩ” እንክብሉ ገሊጾም፡ ምስዚ ተኣሳሲሩ ነቲ ርእሰ ሰበካ ናፖሊ ዘካየዶ ሲኖዶስ ሃገረ ስብከት ንኢዶም፣ በዚ ንቤተ ክርስቲያን እቲ ከባቢ ብኹሉ መልክዓ ዘሳትፍ መንገዲ ድማ ክቕጽሉ ኣተባቢዖም። ምእንቲ “ካብ ኣብ ምዕቃብ ዘተኮረ ጉስነት ናብ ልኡኻዊ ኣገባብ ክሰጋገር፣ ምስ ሓቀይና ህይወት ሰባት ምውሳእ ክህሉ፡ ንኹሎም ኣባላት ቤተ ክርስቲያን ንሓድሕዶም ክሰምዑን ብሓባር ክመላለሱን ጻውዒት ኣቕርቦም፣ “ኩሉ ሰብ ኣብ ጉስነት ኣገልግሎትን ህይወትን ቤተ ክርስቲያን ንጡፍ ተሳታፊ እምበር ተሓባባሪ ጥራይ ኣይኮነን፣ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ብዝህቦ ተወፋይነትን ምስክርነትን ከም ማይ ብሑቝ ኮይኑ ክዋሳእ ዝኽእል ህልውን ትኩርን፡ ሰባት ንወንጌል ንኽነብሩን ካብኡ ምትብባዕ ንከተማ ናፖሊ ንምሕዳስ ዝሕግዝ መንገድታት ከመይ ጌርካ ከም እትውጥንን ምቕራብን ዝፈልጥ ማሕበረሰብ ክዓቢ መታን እንክብሉ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

09 May 2026, 17:28