ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ፖምፐይ፦ ኣምላኽ ንጽልኢ ኣሕዋት ይእለዮ ንመራሕቲ ዓለም ድማ ብርሃኑ ይሃቦም
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዝኽሪ ቀዳማይ ዓመት ር.ሊ.ጵጵስናኦም ዕለት 8 ግንቦት ኣብ ደቡባዊ ኢጣልያ ከተማታት ፖምፐይን ናፖሊን ኣብ ዘካየድዎ ሓዋርያዊ ዑደት፡ ኣብ ቅርዓት መካነ ንግደት ቅድስተ ማርያም ዘሮዛርያም ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ዝለገስዎ ስብከት፡ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኮይነ ዝተሓረኹላ ዕለት ዓመታዊ ክብረ በዓል ቅድስቲ ማርያም ዘሮዛርየም በዓልቲ ፖምፐይ ምንባሩ ብምዝካር “ስለዚ ናብዚ ክመጽእ ግድን እዩ፣ ኣገልግሎተይ ኣብ ትሕቲ ሓለዋ ቅድስት ድንግል ከወክፍ መታን - ቢሎም - ብተወሳኺ ልዮን ዝብል ስም ምምራጸይ ኣብ ኣሰር ልዮን መበል 13 ዘተነብረን፣ ብዙሕ ጽቡቕነቱ ድማ ሰፊሕ ስልጣናዊ ትምህርቶም ንጸሎት መቝጸርያ ምምዕባል ዘጠቓልል ብምዃኑ እዩ እንክብሉ ገሊጾም፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ብዛዕባ ውርሻ ቅዱስ ባርቶሎ ሎንጎን በዓልቲ ቤቱ ማሪያና ፋርናራሮ ደ ፉስኮን ብሓባር ኰይኖም ነቲ ኣብ ከረን ቬሱቭዮ ዚርከብ ቤተ መቕደስ መሰረት ከም ዘንበሩን፣ ኣብዚ ቦታ እዚ ድማ ድማ ኣብ 79 ብዘጋጠመ ሓደጋ እሳተ ጎሞራ ሓደ ዓቢይ ስልጣነ ዝተቐበረሉ ስፍራ እውን ምንባሩ ኣዘኻኺሮም፡ ቅድሚኦም ዝነበሩ ቅዱስ ር.ሊ.ጳ. ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ 2003 ዓ.ም. ኣብ መዛዘሚ ዓመተ ቅዱስ መቝጸርያ፡ “ሎሚ ከምቲ ኣብ ዘመነ ጥንታዊት ፖምፐይ ዝነበረ፡ ካብ ክርስትያናዊ ክብርታት ርሒቑ ንዝኽሪ ክብርታት ከይተረፈ ዝስእን ዘሎ ሕብረተሰብ ክርስቶስ ምእዋጅ ኣድላዪ እዩ” እንክብሉ ዘስመሩሉ ሓሳብ ዘኪሮም፡ ቅዱስ ኣቦና ብዛዕባ ምስጢር ብስራት እናሓሰቡ ሰላም ለኪ ኦማርያም ናብ ሓጐስ ዝዕድም ጻውዒት ከም ዝዀነ ኣስተብሂሎም፣ ከመይሲ ቃላት ገብርኤል መልኣኽ ምሕረት ኣምላኽ ብኢየሱስ ናብታ ብሓጢኣት ዝቘሰለት ዓለምና ከም ዝመጸ ስለ ዘዘኻኽረና - ቢሎም - "እነኹልካ" ብዝብላ ቃላት ኣቢላ ቅድስት ድንግል ማርያም ንኢየሱስን ንቤተ-ክርስትያንን ስለ ዝወለደት ንቤተ ክርስቲያን ንኢየሱስ ኣብ ምቕባል መገዲ ትመርሓ” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ “እዚ ህሞት እዚ ኣብ ታሪኽ ንልቢ ዝስሕብን ናብቲ ጸሎት ቅዱስ መቝጽርያ ሱር ዝሰደደሉ ኣስተንትኖ ልዕል ዘብል መቐርትን ሓይልን ኣለዎ" ብምባል ጸሎት መቝጸርያ ኣብ ታሪኽ ድሕነት እተመስረተ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፡ ጸሎት መቝጽርያ ክንጽሊ ከሎና፡ ኩሉ ኣብ ልዕሊ ኣኖና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዝግበር ናይ ፍቕሪ ተግባራት “ናብ ኢየሱስ ተመሊሱ ናብቲ ምንጭን ጫፍ ናይ ኩሉ ክርስትያናዊ ሕይወት ዝኾነ ቅዱስ ቁርባን ዘብጽሓና ብምዃኑ ንእግዚኣብሔር ዘለና ፍቕሪ ነሐድሶ፥ ከም ዝበሉ የመላኽት።
"መቝጸርያ ቅርጺ ማሪያም እኳ እንተ ሃለዎ ክርስትያናውን ቅዱስ ቍርባናውን ልቢ ኣለዋ" ብምባል ብዙሓት ወለዶታት ክርስትያን ብመቝጸርያ ኸም እተቐርጹ ብምዝካር፡ ጸሎት መቝጸርያ እቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝኾነ ክርስትያናዊ ቲዮሎጊያ ዝሓዘ መዝገብ እዩ፡ ናብ ብራኸ ምስጢረ መለኮት ናይ ምብጻሕ ዓቕሚ ኣለዎ” እንክብሉ ኣጒሊሖም፡ “ካብ ምሥጢራት ክርስቶስ፡ "ካብቲ ብለውሃት ድንግል ኣደ እተደምጸ ቅዱስ ስም ዚበልጽ ካልእ እንታይ ኣሎ?" "በዚ ስም እዚ ደኣ እምበር ብዝዀነ ይኹን ካልእ ነገር ክንድሕን ኣይንኽእልን ኢና - ቢሎም - መቝጸርያ ልብና ናብ ድሌታት ዓለም ብፍላይ ድማ ኣገዳስነት ኣባይቲ ስድራን ድሌት ሰላምን ክምልከት ከም ዝገብር ገሊጾም፡ ኣብ ዓለምና ክሳብ ሕጂ ዝካየዱ ዘለዉ ብዙሓት ውግኣት ብምዝካር፡ ፖለቲካውን ቁጠባውን፡ ከምኡ’ውን መንፈሳውን ሃይማኖታውን ዝኾነ ዳግማይ ተወፋይነት ክህሉ ዝጽውዕ ምዃኑ ኣስተብሂሎም፡ “ሰላም ኣብ ውሽጢ ልቢ እዩ ዝውለድ፡ ነቲ ዜና መዓልታዊ ዘቕርበልና ምስሊ ሞት ኢድና ክህንብ ኣይንኽእልን ኢና።”
መለኮታዊ ሓይሊ ፍቕሪ ኣምላኽ ንዓለም ምእንቲ ከድሕና ንሰላም መቝጸርያ ክድገም ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ "ብኣማልድነታ [ማርያም] ካብ ኣምላኽ ሰላም ልቢ ዚትንክፍ ቂምን ጽልኢ ኣሕዋትን ዝኣልይ ነቶም ፍሉይ ሓላፍነት መንግስቲ ዚስከሙ ዘብርህ ምሕረት ይውሓዝ" እንክብሉ ዝለገስዎ ስብከት ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
