ር. ሊ. ጳ. ልዮን መበል 14 ምስ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት መንግሥታት ኣመሪካ ማርኮ ሩቢዮ ተራኺቦም
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ዋና ጸሓፊ ሕቡራት መንግሥታ ኣመሪካ ማርኮ ሩቢዮ ትማሊ ሓሙስ ናብ ኢጣልያ ኣብ ዝገበሮ ምብጻሕ፣ ናብ ሃገረ ቫቲካን እውን ምብጻሕ ኣካይዱ፣ ኣብኡ ድማ ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ሓዋርያዊ ህንጻ ቅድስቲ መንበር ተራኺቡ።
ብመሰረት እቲ ካብ ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቅድስቲ መንበር ዝወጸ መግለጺ ከም ዘመልከቶ፣ "ልባዊ ዝርርብ" ክልቲአን ሃገራት፣ "ኣብ መንጎ ቅድስቲ መንበርን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ጥዑይ ዲፕሎማሲያዊ ርክባት ንምምዕባል፣ ዘለዎም ሓባራዊ ቘራጽነት" ከም ዘሐድሳ ገይርወን ኣሎ ክብል የመላኽት።
እቲ ርክቦም፣ "ብዛዕባ እቲ ኣብ ዞባውን ኣህጉራውን ደረጃ ዘሎ ዅነታት፣ ብፍላይ ነተን ብኲናትን ፖለቲካዊ ውጥረትን ኣጸጋሚ ሰብኣዊ ዅነታትን ዘለወን ሃገራት፣ ከምኡውን ንሰላም ደኺመ ኸይበልካ ምዕያይ ኣድላዪ ምዃኑ" ዘለዎም ርእይቶታት ናይ ምልውዋጥ ዘጠቓልል ርክብ ኢዩ ዝነበረ።
ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቅድስቲ መንበር ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ብዛዕባ እተን ኣብ ኲናት ዝርከባ ዘለዋ ሃገራት ከም ሊባኖስን ኢራንን ዝኣመሰላን፣ ሃገራት ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ዘጠቓለለ እዩ ዝነበረ።
ኣብዚ ቐረባ ግዜ ምስ ኣመሪካ ውጥረት እናወሰኸ ይኸይድ ብምህላዉ፣ ብዛዕባ ሃገረ ኩባ እውን ከም እተዘራረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
