ቀዳማይ ዓመት ሕርየት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 - ሰላም ዝብል ቃል!

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ቀዳማይ ዓመት ርእሰ ሊቃነ ጵጵስናኦም “ዘይዓጥቀን ዕጥቂ ዘፍትሕን” ዕርቅን ሰላምን ክህሉ ደጋጊሞም ጻውዒት ኣቕሪቦም እዮም፣ “ጐይቶት ውግእ” ድማ “ካባና ድምጺ ሰላም” ክሰምዑ ከም እተላበዉ ይዝከር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ዘይተዓጥቀን ዕጥቂ ዘፍትሕን ሰላም” እንክብሉ ዕለት 8 ግንቦት 2025 - ኣብ መዓልቲ ሕርየቶም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ - ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ብዛዕባ ሰላም ዘለዎም ራእይ ኣነጺሮም እዮም።

ስቕታ ኣጽዋር ካብ ምቁራጽ ተኹሲ ከም ዘይመጽእ ኣብ በዓለ ልደት ኣብሪሆም፡ ካብቲ ተኣፋፊ ስምምዓት ኣህጉራዊ ስነ ፖለቲካዊ ኣቀማምጣ መልክዓ ምጽሪ ገዛእ ርእሶም የርሕቑ።

ከምዚ ዝኣመሰለ ስምምዕ ንዝዀነ ይኹን ናይ ዕርቂ ጻውዒት ብኣሉታዊ መገዲ ዕጥቒ ዝፈተሐ ዕርቂ ከምስሎ ዘኽእል ኢዩ፡ ንሰባት መልሲ ናይ ምሃብ፡ ንጡፋት ናይ ምዃን ወይ ናይ ምቅዋም ድሌት ይዓግት። እቲ ናብ ልብን ባዶ ትርጉም ዘለዎም ቃላትን ክሰፍር ዘስግእ “ዓቢ ድኻም” እዩ።

ኣብቲ ዕለት 25 ታሕሳስ ካብ ማእከል ሰገነት ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ኮይኖም ንሮማን መላእ ዓለምን - Urbi et Orbi  ቡራኬ ሂቦም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ ብገጣሚ የሁዳ ኣሚቻይ "ባህርያዊ ሰላም" ልክዕ ከምቲ "ብሃንደበት" ኣብ መሮር ዚዕምብብ፡ ዕርቂ እውን ልክዕ ክምኡ "ዕምባባታት" በረኻ ብገርህነት ዚበቍል እንክብል ዝነገሮ ሰላም ጠቒሶም፡ ስኒት ባይታ ዝደልዮ እዩ። ሰላምን ዕርቅን ከም ዕምባባ መሮር እዩ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ኣብ ሓደ ዓመት ውሽጢ ሰላም ዝብል ቃል ካብ ልሳን ቅዱስነቶ

ጳጳስ ሮማ ኣብ ቀዳማይ ዓመት ርእሰ ሊቃነ ጳጳስናኦም ኣብ ዘስምዕዎ መደረታት ልዕሊ 400 ግዜ “ሰላም” ዝብል ቃል ተጠቒሞም እዮም። ካብቶም ኣብ ኣዳራሽ ጳውሎስ ሻድሻይ ምስ ናይ መራኸቢ ብዙሓን ስራሕተይናታትን ጋዜጠይናታትን ሰብ ሙያ መራኸቢ ብዙሓንን ካብ ዘካየድዎ ርክብ ጀሚሮም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብዛዕባ ውግኣት ኣብ ምንጋር ከምኡውን ነቲ ኣብኡ ተሓቢኡ ዘሎ ናይ ዕርቂ ትምኒት ኣብ ምብራህ "ኣብ ግንባር ኢኹም ዘለኹም" ብምባል "ካብቲ ሓድሓደ ግዜ እንረኽቦ 'ግምቢ ባቢሎን' ካብ ሕንፍሽፍሽ ፍቕሪ ዘይብሉ መብዛሕትኡ ግዜ ስነ-ሓሳባዊ ወይ ወገናዊ ዝዀነ ቛንቋታት ከውጽኣና ዝኽእል" ዓይነት ሓሳብ ንሓሳብ ምልውዋጥ ክህሉ ኣተባብዖም።

 

ምኽንያቱ ሰላም ኣብ ትሕቲ ሰንደቕ ዕላማ ኣይዓርፍን እዩ። ልዕሊ ዅሉ ድማ ሰላም ዕሽነት ኣይኰነን። ስለዚ "ኣዘዝቲ ውግእ" "ንምጥፋእ ሓንቲ ደቒቕ ከም ዝወስድ ግን መብዛሕትኡ ግዜ ምሉእ ህይወት ንደግመ ህንጸት እኹል ከም ዘይኮነ" ከም ዘይፈልጡ ተመሲሎም ክነብሩ ከንቱ እዩ። "ንምቕታልን ንምጥፋእን ብቢልዮናት ዝቝጸር ዶላራት ከም ዘድሊ ንሰባት ንምፍዋስን ንምምሃርን ንምትንሳእን ዘድሊ ሃብቲ ግን ኣይርከብን" ኢልካ ምሕሳብ እውን ከንቱ እዩ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ምስቶም ኣብ ሓፈሻዊ ዓመታዊ ዓውደ ኣኼባ ትካል ረድኤት ንምብራቓውያን ኣቢያተ ክርስቲያን (ROACO) ዝተሳተፉ ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ. መደረ፡ "ሰባት ኣብ ጁባ ነጋዶ ሞት ዝኣቱ መጠን ገንዘብ ክግንዘቡ ይጅምሩ ኣለዉ - ቢሎም - ነዚ ሓቂ እዚ ከም ዘይትፈልጥ ተመሲልካ ምንባር ትርጉም የብሉን። ሓደስቲ ኣባይቲ ሕክምናን ኣብያተ ትምህርትን ንምህናጽ ክውዕል ዝኽእል ገንዘብ ድሮ ዝነበረ ንምጥፋእ ይውዕል ኣሎ" ብምባል ነዚ ተግባር እዚ ኮኒኖምዎ እዮም።

ሳዕቤን ኲናት

ካብቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ቫቲካን ብዛዕባ ሰላም ንመጀመርታ ግዜ ዝጠቐስዎ ክሳብ ቅድሚ ወርሒ ኣብ ዘይመልእ ግዜ ኣብ ማእከል ኣፍሪቃ፣ ኣብ ባመንዳ ካሜሩን፣ ልክዕ ምስ ናይቲ ከባቢ ሕብረተሰብ ዕርቂ ንምድንፋዕ ኣብ ካቴድራል ቅዱስ ዮሴፍ ኣብ ዝተኻየደ ርክብ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፣ ሓድነት ኣብ ዝተፈላለየ ግዝያውን መልክዓ ምድራውን ሸነኻት ዝዝርጋሕ ምዃኑ የጒልሑ።

ልዕሊ ኩሉ እቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘለዓዓልዎ ስኒት ኪኖ እቲ “ጐይቶት ውግእ” “ተግባራት ሞት” ውሳኔ ዘመሓላልፍ ኣቢያተ መግንስቲ ዝሓልፍ እዩ፤ ኣብ ልዕሊ እቶም "ብተስፋ ምቝራጽን ብንብዓትን ጸበባን ጥራይ ዚምገቡ" ዝዓነወን መከላኸሊ ዘይብሎምን ኣካላት ዝንብርከኽ።

እዘን ቃላት ኣዚ ሮማ ኣብ ዝርከብ ዋና ቤት ጽሕፈት FAO ውድብ መግብን ሕርሻን ሕቡራት ሃገራት፡ ንሓደ ካብቲ ብዙሕ መዓተይና ጎናዊ ሳዕቤናት ግጭት ማለት ነቲ ሓደ ካብቶም ብዙሓት ዘሕዝን ጎናዊ ሳዕቤናት ግጭት ዝኾነ ጥሜት ዘዘኻኽራ ኣያተን።

ዕምቆት፡ ቅርበት፡ ብርክኻ ምዕጻፍ ዝብላ፡ ከምቲ ኣብ ቅዳሴ ጸሎተ ሓሙስ ዘስምዕዎ ስብከት ምስሊ ናይ ሓደ ኣብ ኣገልግሎት ኩሉ ዝኽእል ኣምላኽ ንምግላጽ ተዝተጠቐሙለን ቃላት።

እቶም ንግርጭታት ዘጓሃህሩ ጣኦታት

ሰሙነ ሕማማት ንባዕሉ ሓደ ካብቲ ጳጳስ ሮማ ንሰላም ዘቕረብዎ ጻውዒት ዝለዓለ ህሞት እዩ ነይሩ።

ኣብ በዓለ ሆሳዕና ዋላ ሓደ ሰብ ስም ኣምላኽ ንውግእ መመኽነይታ ገይሩ ክጥቀመሉ ከም ዘይክእል ደጋጊሞም ብምዝኽኻር - ኣእዳውኩም ምስ እትዝርግሑ፡ ኣዒንተይ ካባኻትኩም እኽውለን፡ ምህለላ እኳ እንተ ኣብዛሕኩም፡ ኣይሰምዕን እየ፡ ዝብላ ቃላት ነቢይ ኢሳያስ ተወኪሶም፡ "ጸሎት እቶም ውግእ ዘለዓዕሉን ዘካይዱን ኣይሰምዖን እዩ ከም ዝበሉ ዘዘካኸረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ጳጳስ ሮማ ከም ተካኤ ጴጥሮስ ኣብ ልዕሊ ቝስሊ ኲናት ይንብርከኹ። "ንርእሶም ኰነ ንሓይሎም ዓባስ ዕዉርን ጸማምን ጣኦት ንኽገብሩ ነቲ ህያው ኣምላኽ ዝባኖም ይህቡ።” በዚ ኸኣ ነቲ ኵላውነት ዝሓቁፍ ዝግልጽዎ ሰላም፡ ንኣባላት ምምሕዳር ሞናኮ - ፈደራላዊት ጀርመን ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን “ነቲ ሎሚ ዘሎ ግጭታት ዘጐሃህር ጣኦታት እውን ዘቃልዕ ኮይኑ፡ እዚ ጣኦት እዚ ስልጣን ወይ ከኣ ገንዘብ እዩ እንክብሉ ከም ዘጉልሑ የዘኻኽር።

ገርሀይና ዕርቂ​

ኣብ ሰሙነ ሕማማት ቅዱሰንቶም ኣብ ዝጸውዕዎ ጸሎት መቝጸርያ ምእንቲ ሰላም ዘስመሩሉ ስኒት ዝብል ሓሳብ ብኻልእ መዳይ ሰላም ዝብል ቃል ዝውክል እዩ፡ እዚ ስኒት እዚ እውን ከምቲ ኣብ ሊባኖስ ምብጻሕ ኣብ ዘካየድሉ እዋን ብዛዕባ ብህርመት ሙዚቃ ዝግለጽ ዘብርህዎ ሲኒት ከም ኣብነት ብምቕራብ፡ “ስኒት ከምቲ ንደገ ዝውሕዝ ካብ ገዛእ ርእስና ብዝዓበየ ጥዑም ቃና፣ ብውሁድ ቃና መለኮታዊ ፍቕሪ ክንምራሕ ዘኽእለና ውሽጣዊ ምንቅስቓስ እዩ - ቢሎም - ነታ ከም ውሑዳት ካልኦት፣ ናይ ውግእ መዓት እትነብር ሃገር የረጋግኡ።

ኣብ መንጎ መዓልታዊ ኩነታት ኩሉ፡ ሰላም ሓደ መዓልቲ ከም ዝብጻሕ ርግጸይና ኰይኖም፡ ሰላም ክብጻሕ ዘለዎ ነገር እዩ። ከምዚ እተዘይከውን ድማ እቲ ንመበል 59 ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ሰላም ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ “ዘይተዓጥቀን ዕጥቂ ዘፍትሕን ሰላም” ባዶ ትርጉም ዘይብሉ ምኾነ ነይሩ።

ትብዓት ንምፍታሕ ኣጽዋር

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘቕረብዎ ጻውዒት ጭቡጥ ክውንነት ግጭታትን ሓደ ካብቲ ርኡይ መበገሲኡን ዝትንክፍ ቅድድም ኣጽዋር እዩ። ባዕሎም ጳጳስ ሮማ ከም ዝዘከርዎ ኣብ 2024 ዓለማዊ ወተሃደራዊ ወጻኢታት ብ9.4% ከም ዝወሰኸን እዚ እውን ካብ ዓሰርተ ዓመት ዝረአ ዘሎ ዘይቋረጽ ዝንባለ ምዃኑ ብምምልካት፡ 2.718 ትሪልዮን ዶላር ወይ 2.5% ዓለማዊ ውሽጣዊ ፍርያት ዝምንዝዕ ምዃኑ የዘኻኽሩ።

“ሰይፊካ ኣንብር!” ዝብላ ኢየሱስ ንጴጥሮስ ዝበሎ ቃላት መሰረት ገይሮም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንሓያላት ዓለም ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ዝጸውዕዎ ጸሎት መቑጸርያ ምእንቲ ሰላም ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፥ ኣጽዋር ናይ ምፍታሕ ትብዓት ክህሉ ዓዲሞም እዮም።

ሎሚ ኣጽዋር ተቐይሩ ኣሎ: ካብ ኣስያፍ ናብ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት: እዚ ድማ ነቲ ምስሊ ውግእ ናብ “መሳርሒ ናይ ቪድዮ ጸወታ” ይቕይሮ ኣሎ። ገና ግን ኲናት ክንለምዶ ዘይብልና መዓት ክውንነት ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ፡ ከምቲ ዕለት 18 ሰነ 2025 ድሕሪ ዝለገስዎ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ብኣጽንዖት ዝበለዎ።

ስፖርትን ባህልን: መሳርሒታት ዕርቂ

“ንሕጊ ዘይምግዳስ” ኣካይዳ ንምውጋድ ናይ ምህዞ መገድታት ምድላይ የድሊ። እዚ እውን ናብ ስኒት ዝመርሕ  ምዃኑ ኣብታ ናይ ስፖርት ክቡር ዋጋ ማእከል ዝገበረት መልኽቶም ዝበልዎ ብምምልካት እዚ ድማ ኣብ ውድድር - ልዕሊ ዅሉ ግን ኣብ ህይወት - “ውድቀት ናይ መወዳእታ ቃል ፈጺሙ ኣይኰነን” ዝብል ዓሚቕ ትምህርቲ ምህላዉ ነስተብህል።

ክርስትያን ይብሉ ቅዱስነቶም ኣብቲ ዕለት 3 መስከረም 2025 ኣብ ዝለገስዎ ሓፈሻዊ ኣስትምህርቶ ትምህርተ ክርስቶስ - “ንድኽመት ፍቕሪ ምሉእ ብምሉእ ብምቕባል እምበር፡ ብሓይሊ እከይ ዝስዕር ኣይኮነን” እንክብሉ ብምምልካት፡ ሓድነት እውን ብኣስተንትኖን ዋጋ መጽናዕትን ዝሓልፍ ብምዃኑ ከምቲ ንጳጳሳት ኢጣልያ፣ “መንገድታት ትምህርቲ ዘይጎነጻውነት” ከስፍሑ ዝሓተትዎ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብዛዕባ ሰላም ክዛረቡ እንከለዉ፡ ምስ ትምህርቲ ዝተኣሳሰር “ዳግመ ኣወዳድባ ስርዓታት” ከምዘድሊ የስተዕሉ፡ እዚ ድማ “ኣብ መበል ዕስራ ክፍለ ዘመን ዝተረኽበ ንቕሓት” ክዕቅብን ነቶም ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ግዳያት ከይርስዑን ዝኽእል “ናይ ተዘክሮ ባህሊ” ዘተባብዕ እዩ።

ድሕሪ ዘመናት ዝጸንሐ ታሪኽ ከመይ ጌርካ ውግእ ሰላም ከም ዝየምጽእን ነቶም ዚፍጽምዎ እውን ሰላም ዘየምጽእ ምዃኑ ክንኣምን ኣይምተኻእለን ዶ?" እንክብሉ ንናይ ምስራቕ ኣቢያተ ክርስትያ ዝሓልይ ጳጳሳዊ ማሕበር ኣባላት ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ከም ዝሓተቱ ዝዝከር እዩ። ኵሉ ነገር ኪርሳዕ ይኽእል እዩ፣ "ብርሃን" እውን ከይተረፈ እንክብሉ ኣፍልጦ ብምሃብ፡ "ሰላም ከምቲ ኣብ መሮር ዝበቁል ዘይደለኻዮ ዓይየት ዕንባባን ኣታኽልትን" ኮይኑ ክመጽእ ይኽእል ኢዩ እቲ ኣብ መንጎ ኣእማን እውን ከይተረፈ ዝበቁል፡ እዚ ልክዕ ከምቲ ኣጽዋር ዘፍትሕ ጽባቔ እዩ።

08 May 2026, 16:57