ድለ

ር.ሊ.ጳ. ልዮን ኣብ ፖምፐይ፡ ኩሉ ግዜ ኣብቲ ፈጺሙ ዘይነጽገና ብጻይና ዝኾነ ኢየሱስ ንተኣማመን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ዝኽሪ ቀዳማይ ዓመት ሕይረቶም ዕለት 8 ግንቦት ኣብ ኢጣሊያ ከተማ ፖምፐይ ምብጻሕ ከም ዘካየዱን ቅዱስነቶም ብቐዳምነት ኣብታ ከተማ ሓደ ንዝተጸገሙ ዜጋታት ዝሕግዝ ትካል ግብረ ሰናይ ብምርኻብ ኩሉ ግዜ ኣብ ኢየሱስ ክውከሉን ብቃሉ ንጻዕሮም ከነቓቕሑን ከም እተላበዉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

"በቲ ኻብ ቃላትን ኣብነትን ኢየሱስ ዚመጽእ ሓጐስ ክትነቓቕሑ ክትድረኹን ፍቕዱ ንዅሉ ድማ እዚ ሓጎስ እዚ ኣበስሩ” እንክብሉ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዕለት 8 ግንቦት ኣብ መካነ ንግደት ፖምፐይ ኣብ ዝገበርዎ ምብጻሕ ምስቶም ንግብረ ሰናይ መካነ ንግደት ቅድስቲ ማርያም ዘፖምፐይ ገዛእ ርእሶም ዘወፈዩ ሰባት ብምርኻብ፡ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ከም እተላበዉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቶም ወለንተይናታት ናይቲ ትካል ግብረ ሰናይ ቅድስተ ማርያም ዘፖፐይ ስለቲ ዘርኣይዎ ልግስን ምትእምማንን ኣመስጊኖም፣ "ነዚ ሓዋርያዊ ምብጻሕ እዚ ኣብ ኣስኣሰር እቲ ዝሓለፈ ዓመት ዕለት 19 ጥቅምቲ ቅድስና ዝኣወጅኩሉ ቅዱስ በርቶሎ ሎንጎ ምጅማረይ ባህ ዜብል እዩ - ቢሎም - “እኖና ቅድስተ ማርያም ዘሮዛርየምን ቅዱስ ባርቶሎን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዕድመን ድሕረ ባይታን ኩነታትን ዝርከቡ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ናብቲ በይኑ ንዓለም ቅሳነትን ስኒትን ክህባ ዝኽእል ኣድማሳዊ ፍቕሪ ንምምራሕ ዝእክብሉ ናይ ጸጋ ቦታ” እንክብሉ ነቲ መካነ ንግደት ቅድስተ ማርያም ዘፖምፐይ ከም ዝገለጽዎ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ሓይሊ ትንሳኤ ክርስቶስ መዓልታዊ ተመክሮ

ቅዱስ ኣቦና ንጐልጐል ፖምፐይ “ልቢ ዘማሙቕ ናይ ፍቕሪ ቦታ” ከምኡ’ውን “ናይ እምነትን ግብረ ሰናይን ዓወት” እንክብል ቅዱስ ብባርቶሎ ሎግኖ ነዚ ይገልጾ ከም ዝነበረ ዘኪሮም፡ እዚ ክውንነት ሎሚ እውን ኣዝዩ ህያውን ዝርአን እዩ። ኣብዚ፡ ኣብ ግብረ ሰናይ ኣገልግሎት መካነ ንግደት ቅድስተ ማርያም ዘፖምፐይ፡ ሓይሊ ትንሳኤ ክርስቶስ መዓልታዊ ተመክሮ ከም ዝኸውንን፡ ንልብታት ብፍቕሪ ናብ ሰናይ ሕይወት ወንጌል ዝሕድስን እዩ - ቢሎም - መካነ ንግደት ግብረ ሰናይን መካነ ንግደት እምነትን ንሓድሕዶም ከም ዝደጋገፉ ኣጒሊሖም፡ ጸሎት ንብዙሓት ሰባት ኣቀባብላን ፍቕርን ኣገልግሎትን ልግሲ ዝመልኦ ተወፋይነትን ከም ዝምግብ፡ ፍቕሪ ድማ ካብ ኩሉ ጻዕርን ትጽቢትን ኣዝዩ ዝዛይድ ተኣምራት ከም ዝፍጽም የስተብህሉ።

ገጽ ክርስቶስ ኣብ ኩሉ ሰብ ምርኣይ

ቅዱስ ባርቶሎ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ጎልጎል ፖምፐይ ምስ በጽሐ ብዓቢ ድኽነት ዝተሃስየ መሬት ከም ዝረኸበን ንሰራሕተይናታት ግብረ ሰናይ ናይቲ መካነ ንግደት ዘዘካኸሩ ቅዱስነቶም ኣብቲ ውሑዳት ድኻታት ሓረስቶት ጥራይ ዝነብሩሉን ብዓሶን ብዕሱባትን ንሓደጋ ዝቃልዑሉ ቦታ እውን እንተነበረ፡ እቲ ደሓር ቤተ ክርስቲያን ቅድስና ዝኣወጀትሉ ባርቶሎ ኣብ ኩሉ ሰብ “ገጽ ክርስቶስ” ክርኢ ከምዝኸኣለ ገሊጾም፡ ብለውሃት ባርቶሎ ንዓበይትን ንህጻናትን ብፍላይ ንዘኽታማትን ንኣባይቲ ስድራ እሱራትን ዝሃርም ልቢ እግዚኣብሔር ከምዝመስከረ እውን ከም ዘዘኻኸሩ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ጸሎት ከም መሰረት ኩሉ ነገር

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነዚ ቦታ እዚ ኣብ መላእ ዓለም ዝፍለጥ ማእከል ክርስትያናዊ ሕይወትን ውፉይነት ንኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያምን ክገብርዎ ከምዝኸኣሉ ኣዘኻኺሮም።  “ኣብ መሰረት ኩሉ ነገር ጸሎት ኣሎ፣ ብፍላይ ድማ ጸሎት መቝጸርያ - ቢሎም ጸሎት መቝጸርያ “ካልእ ኩሉ ዝከኣል ዝገብር” ሕቡእ ሓይሊ እዩ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ነዚ ጥንታዊን ውቁብን ውፉይነት ህያው ግበሩ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን “ስለዚ ነዚ ጥንታውን ውቁብን ውፉይነት ህያው ክትገብርዎን ክተስፍሕዎን እላቦ - ቢሎም - “ምስጢራት ህይወት ኢየሱስ ብተራን ኣደኣውን ዓይኒ ማርያም ብምስትንታን ከኣ እቲ ዝፈጸሞን ዝፍጽሞን ኣብ ልቢ ኣትዩ ህይወት ዝቕይርን ክስትውዓል ድማ ተላብዮም።

በዚ ምኽንያት እዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት "ነቲ ካብ ኣምላኽ ዚመጽእ ብርሃን ከም ንጹርን ትሑትን መስትያት ምእንቲ ኼንጸባርቑ ናይ ጸሎት ሰባት ኪዀኑ" ተማሕጺኖም ነዚ "መደብ ህይወት" ሓደራ እንክብሉ ኣወኪፎም፡ ብቓላቶምን ተግባራቶምን "ነቲ ቅዱስ ባርቶሎ ዘብርሆ ሃልሃልታ ፍቕሪ ከማዕብሉን ከምኡውን ኣብ ኣገልግሎትን ዘተን ህይወት እምነትን ነዚ ዘደንቕ መንእሰይ ወለዶ እሙናት ኣብነትን ጥበበይናታት መራሕትን ክዀኑ" ከም እተላበዉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣብ ኢየሱስ እምነትካ ምንባር

ቀጺሎም ቅዱስ ኣቦና ንህጻናትን መንእሰያትን በጽሕታትን “ኣብቶም ንዕብየትኩም ብፍቕሪ ዚሓልዩ ተኣማመሚ” ኣብ ምሉእ ህይወትኩም ግና፡ “ኣብቲ ዘድሕነናን ሓራ ዜውጽኣናን እተሰቕለን ዝተንሰአን ወዲ ኣምላኽ ተወከሉ ” እንክብሉ ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ ንሱ ፈጺሙ ዘይሓድገና ወይ ዘይነጽገና ዓርኪ፡ እቲ ዝርድኣናን ወትሩ ኣብ ጎንና ዝኸይድን ሓው እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ኣብኡን ኣብ ጸጋኡን ተሰረቱ

"ንዅሎም ደቂ ሰብ ብኢድ ማርያም ኣብ ሓልዮቱ ሕድሪ ብምሃብ ናብኡ ንጥበቕ ብሓገዝ ጸጋኡ ሰናይ ካብ ምግባር ኪዓግተና ኸም ዘይክእል ተስፋ ሰላም ከኣ ኣብዝን ኣብ ኵሉ ቦታን ፍጻሜኡ ኸም ዚረክብ ርግጸይናታት ንኹን - ቢሎም - ነቶም ኣባላት ግብረ ሰናይ ጸሎቶም ኣረጋገጹሎምን ቡራኬ ብምሃብ "ንግስቲ ቅድስቲ ማርያም ዘሮዛርያም በዓልቲ ፖምፐይ ምእንታና ጸልዪ! ቅዱስ በርተሎስ ምእንታና ኣማልድ! እንክብሉ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

09 May 2026, 17:21