ድለ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ፖምፐይ፦ ኵሉ ሳዕ ኣብቲ ፈታዊና ፈጺሙ ዘይሓድገና ኢየሱስ ንተኣመን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ መበል 14 ኣብቲ ናብ ከተማ ፖምፐይ ዝካየድዎ ጕስነታዊ ምብጻሕ፣ ከም ፈላሚ መደብ ምስ ሓደ እተሸገሩ ዝሕግዝ ትካል ግብረ ሰናይ ተራኺቦም፣ ኵሉ ሳዕ ኣብ ኢየሱስ ክውከሉን ቃሉ ንጻዕርታቶም ከነቓቕሖን ተማሕጸንዎም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ሎሚ ዕለት 8 ግንቦት፣ ኣብ ዝኽሪ ቀዳማይ ዓመት ከም ናይ ሮማ ጳጳስ እተመርጹሉ ዕለት ምኽንያት ብምግባር ናብቲ "ቤተ መቕደስ ግብረ ሰናይ" ተባሂሉ ዝስመ ኣብ መካነ ንግደት ደበረ ቅድስተ ማርያም ዘፖምፐይ ዝርከብ ምብጻሕ ኣካየዶም፣ ኣባኡ ኣብ ዘካፈልዎ ሓሳብት ድማ፣ "በቲ ኻብ ቃላት ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስን ኣብነታቱን ዝምንጩ ሓጐስ ተደሪኽኩም ንዅሎም ደቂ ሰባት ወንጌል ስበኹም" ክብሉ ተላበውዎም።

ምስቶም ኣብ ኣብ ቤተ መቕደስ ግብረ ሰናይ ቤተ እተረኽቡ ምእመናን ንምርኻቡ፣ ቅዱስ ኣቦና ሎሚ ዓርቢ ፈለማ ናብ ፖምፐይ ደሓር ከኣ ናብ ናፒሊ ዝገብረዎ ዘለዉ ሓዋርያዊ ምብጻሕ፣ ናይ መጀመርታ መደቦም እዩ ዝነበረ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ፖምፐይ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ፖምፐይ   (@Vatican Media)

ቅዱስነቶም ነቶም ወለንተኛታት ናይቲ ትካል ስለቲ ዘርኣይዎ ልግስን ተኣማንነትን ኣመስገንዎም፣ "ነዚ ጕስነታዊ ምብጻሕ ኣስኣሰር እቲ ዝሓለፈ ዓመት ብዕለት 19 ጥቅምቲ ቅድስናኡ ዝኣወጅናዮ ቅዱስ ባርቶሎ ሎንጎ ተኸቲለ ምጅማረይ ባህ ዜብል እዩ" በሉ።

ኣስዒቦም ድማ ቅዱስ ኣቦና "እዚ ናይ ጸጋ ስፍራ እኖና ቅድስቲ ማርያም ዘመቝጸርያን ቅዱስ ባርቶሎን፣ ኣብ ኵሉ ዕድመን ድሕረ ባይታን ከምኡውን ኵነታትን ዝርከቡ ሰብኡትን ኣንስትን ናብቲ ንዓለም ህድኣትን ስኒትን ጥራይ ክህባ ዝኽእል ሓደ ምንጪ ኣድማሳዊ ፍቕሪ ዝመርሖም ከምኡውን ናብ ኣምላኽ ዘብጽሖም ኢዩ።"

ሓይሊ ትንሳኤ ክርስቶስ በብመዓልቱ ይግለጽ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅዱስ ኣብ ሓሳባቶም ነቲ እዚ ቅዱስ እዚ፣ ነዚ ስንጭሮ ፖምፐይ "ንልቢ ዘሓጕስ ቦታ ፍቕሪ" ከምኡውን "ዓወት እምነትን ልግስናን" ዝርከበሉ ኢሎም ይጽውዖ ምንባሩ ዘኪሮም፣ እዚ ሓቂ ድማ ሎሚ እውን ህያውን ዝርአን ምዃኑ ኣመልኪቶም።

"ኣብዚ ኣብ ቤተ መቅደስ ግብረ ሰናይ ሓይሊ ትንሳኤ ክርስቶስ በብመዓልቱ ትምኰርዎ ኣሎኹም፣ ብፍቕሪ ኣቢሉ ድማ ልቢ ናብ ጽቡቕ ህይወት ወንጌል ይሕደስ" በሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ወሲኾም፣ "ቤተ መቕደስ ግበረ ሰናይ"ን "ቤተ መቕደስ እምነትን" ንሓድሕዶም ከም ዚደጋገፉ እውን ኣስተንተኑ።

ጸሎት ንብዙሓት ሰባት ብተቕባልን ፍቕርን ኣገልግሎትን ልግስን ከም ዚድግፎም፣ ፍቕሪ ድማ ካብ ኵሉ ጻዕርን ትጽቢትን ንላዕሊ ዝዀነ ተኣምራት ከም እትፍጽም ገለጹ።

ገጽ ክርስቶስ ኣብ ኵሉ ሰብ ምርኣይ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ቀሲሎም፣ ነቶም ኣብ ስንጭሮ ፖምፐይ ንፈለማ እዋን ምስ በጽሑ ብብርቱዕ ድኽነት ዝሳቐዩ ሕዝቢ ከም ዝረኸቡ፣ ነቶም ናይ ግብረ ሰናይ ትካል እዚ ቤተ መቕደስ እዚ ኣዘኻኸርዎም።

ኣብዚ ሒደት ድኻታት ሓረስቶት ጥራይ ዚነብሩሉን ብዓሶን ሸፋቱን ዚሳቐዩሉን ቦታ እውን እንተ ዀነ እቲ ናይ መጻኢ ቅዱስ ኣብ ኵሎም ሰባት "ገጽ ክርስቶስ" ኪርኢ ኸም ዚኽእል ኣመልከቱ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣስዒቦም፣ ብለውሃት ቅዱስ ባርቶሎ ኣቢሉ፣ ነቲ ህያው ዝኾነ ልቢ ኣምላኽ ንዓበይትን ንቘልዑን ህጻናትን፣ ብፍላይ ከኣ ንዘኽታማትን እሱራትን ከም ዝገለጸሎም ዘኪሮም።

ጸሎት መሰረት ናይ ኩሉ ነገር እዩ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነዚ ቦታ እዚ ማእከል ክርስትያናዊ ህይወትን መንፈሳውነት ቅድስቲ ድንግል ማርያምን ኣብ መላእ ዓለም ከም ዝኾነ እውን ዘኪሮም እዮም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብ ኣስተንትኖኦም፣ "መሰረት ኵሉ ነገር ጸሎት ኢዩ፣ ብፍላይ ከኣ ቅዱስ ጸሎት መቝጸርያ እዩ" በሉ።

ነዚ ጥንታዊን ባህ ዜብልን መንፈሳውነት ህያው ግበርዎ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ቀጺሎም፣ "ስለዚ ንዅላትኩም ነዚ ጥንታዊን ባህ ዜብልን መንፈሳውነት ህያው ክትገብሩን ከተስፍሕዎን እምሕጸነኩም ኣለኹ" ክብሉ ተላበውዎም።

በዚ ምኽንያት እዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን "ነቲ ኻብ ኣምላኽ ዚመጽእ ብርሃን፣ ከም ንጹርን ትሑትን መስትያት ምእንቲ ኼንጸባርቑ፣ ናይ ጸሎት ሰባት ኪዀኑ" ዝብል "መደብ ህይወት" ጻውዒት ብሕድሪ ኣወፈዩሎም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ወሲኾም፣ ብቓላቶምን ተግባራቶምን "ነቲ ቅዱስ ባርቶሎ ዝገለጾ ሃልሃልታ ፍቕሪ ከተማዕብሉ ኢኹም" ከምኡውን "ኣብ ኣገልግሎትን ህይወት ምክፋልን እምነትን ነዚ ዘደንቕ መንእሰይ ወለዶ፣ እሙናት ኣብነታውያንን ጥበበኛታት መራሕትን ክዀኑ" ከም ዘለዎም ገለጹ።

ትውክልትኹም ኣብ ኢየሱስ ግበርዎ

ብድሕርዚ ቅዱስ ኣቦና፣ ንቘልዑን ንመንእሰያትን ኣጕባዝን ዜተባብዕ ቃላት ኣቕረቡሎም ።

"ኣብቶም ንዕቤትኩም ብፍቕሪ ዝከናኸኑኹም እምንቶ ይሃሉኹም" ክብሉ እኳ እንተ መዓድዎም፣ ኣብ ምሉእ ህይወትኩም ግና "ኣብቲ እተሰቕለን ዝተንስአን ኢየሱስ ተአመኑ፣ ንሱ ዜድሕነናን ሓራ ዜውጽኣናን እዩ" ክብሉ ድማ ተማሕጸንዎም።

ጐየታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ይብሉ ቅዱስነቶም  "ዓርክና ኢዩ፣ እቲ ዘይሓድገናን ዘይነጽገናን ኢዩ፣ እኳ ደአ እቲ ዚርድኣናን ኵሉ ሳዕ ኣብ ጐድንና ዝመላለስን ሓውና እዩ" ክብሉ ኣመልከቱሎም።

ኣባኡን ኣብ ጸጋኡን ተወከሉ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መደምደምታ፣ "ብሓገዝ ጸጋኡ ሰናይ ካብ ምግባር ክዓግተና ዝኽእል ዋላ ሓንቲ ነገር ከም ዘየልቦን፣ ተስፋ ሰላም ኣብዝን ኣብ ኵሉ ቦታን ከም ዝፍጸም ርግጸኛታት ክንከውን ድማ ምስኡ ንለግብ" በሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ ኣብ መወዳእታ ምእንቲ እቶም ሰራሕተኛታት ግብረ ሰናይ ከም ዝጽልዩ ብምርግጋጽን፣ ሓዋርያዊ ቡራኬኦም ብምክፋልን "ኦንግስቲ ቅዱስ መቝጸርያ ዘፖምፐይ ምእንታና ኣማልዲ! ኦ ቅዱስ በርቶሎ ለምነልና!” ክብሉ ቃለ ምዕዳኖም ዛዘሙ።

08 May 2026, 15:12