ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፥ 'ሓደ ሰብ ወንጌል ኣበሲርካ ኢለ ዝነቅፈኒ እንተ ኾይኑ ብሓቂ ይግበሮ! ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፥ 'ሓደ ሰብ ወንጌል ኣበሲርካ ኢለ ዝነቅፈኒ እንተ ኾይኑ ብሓቂ ይግበሮ! 

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፥ 'ሓደ ሰብ ወንጌል ኣበሲርካ ኢለ ዝነቅፈኒ እንተ ኾይኑ ብሓቂ ይግበሮ!

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ከተማ ካስተል ጋንዶልፎ ከባቢ ሮማ ኣብ ዝርከብ ጳጳሳዊ ህንጻ ኣፈትን ንጋዜጠይናታት ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ ቤተ ክርስቲያን ብቐጻሊ ኣንጻር ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ከም እትዛረብን ነዚ ከም እተነቓቕሕን ደጊሞም ብምርግጋጽ ክነቕፎም ዝደሊ ዝኾነ ይኹን ሰብ ኣብ ሓቂ ተመርኲሱ ክገብሮ ከም ዘለዎ ድማ ይገልጹ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ትማሊ ሰሉስ ምሸት ካብ ካስተል ጋንዶልፎ ናብ ሮማ ቅድሚ ምምላሶም ኣብ ኣፈት ጳጳሳዊ ህንጻ ንጋዜጠይናታት ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ ነቲ ርእሰ ብሔር ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ  ዶናልድ ትራምፕ ብዛዕባኦም ዝተዛረቦ ዳሕረዋይ ነቐፌታ ዝምልከት ንዝቐረበሎም ሕቶ ኣብ ዝሃብዎ መልሲ፡ “ተልእኾ ቤተ ክርስቲያን ወንጌል ምእዋጅ፣ ሰላም ምስባኽ እዩ፡ ሓደ ሰብ ወንጌል ብምእዋጀይ ክነቕፈኒ እንተደልዩ ብሓቂ ይግበሮ - ቢሎም - ቤተ ክርስቲያን ብቐጻሊ ኣንጻር ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ከም እትዛረብ ኣጽኒዖም የዘኻኽሩ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ርእሰ ብሔር ትራምፕ ኢራን ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ክትውንን ከም ቅቡል እዮም ዝርእይዎ ዝብል ንዘቕረቦ ነቐፌታ ምስ ተሓታቱ “ንዓመታት ቤተ ክርስቲያን ኣንጻር ኩሉ ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ተዛሪባ እያ ትዛረብ እውን እላ፣ ስለዚ ኣብዚ ነጥቢ ዘጠራጥር ጉዳይ የሎን” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 “ካብታ ዝተመርጽኩላ ቀዳመይቲ ህሞት ኣትሒዘ፡ ሕጂ ድማ ናብ ቀዳማይ ዓመት ዝኽሪ ቀሪብና ኣሎና። እብቲ እዋን እቲ ድማ ‘ሰላም ምሳኻትኩም ይኹን’ ብምባል ብንጹር ከም ዝተዛረቡ ደጊሞም ኣጕሊሖም፣ “ብሰንኪ ክቡር ዋጋ ቃል ኣምላኽ ክስማዕ ጥራይ እየ ተስፋ ዝገብር - ቢሎም - ዕለት 7 ግንቦት ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ማርኮ ሩቢዮ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ክካየድ ተመዲቡ ዘሎ ርክብ ብዝምልከት ንዝቐረበሎም ሕቶ ድማ “ጽቡቕ ዘተ” ክኸውን ተስፋ ከምዘለዎም ገሊጾም፣ “ብምትእምማንን ብግልጽን” ክቐርብ፣ ምእንቲ “ንሓድሕድና ጽቡቕ ጌርና ክንረዳዳእ። ነቲ ርእሰ ብሔር ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝሃብዎ ርእይቶ ደጊሞም ብምጥቃስ "እቲ ዝመጸሉ ዘሎ ጕዳያት ናይ ሎሚ ጕዳያት ኣይመስለንን። ክንርእዮ ኢና" ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

06 May 2026, 16:32