2026.05.04 ር.ሊ.ጳ.  ልዮን መበል 14 ምስ ናይ ሃገረ ኣይስላንድ ርእሰ ብሔር ቶማስዶቲር ተራኺቦም 2026.05.04 ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ምስ ናይ ሃገረ ኣይስላንድ ርእሰ ብሔር ቶማስዶቲር ተራኺቦም  (@VATICAN MEDIA)

ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ምስ ናይ ሃገረ ኣይስላንድ ርእሰ ብሔር ቶማስዶቲር ተራኺቦም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዕለት 4 ግንቦት ንወግዓዊ ምብጻሕ ሃገረ ቫቲካን ንዝኣተወት ናይ ረፓብሊካዊት ኣይስላንድ ርእሰ ብሔር ቶማስዶቲር ተቐቢሎም ከም ዘዘራረቡን ካብ ቅዱስነቶም ተሰናቢታ ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፓሮሊን ከም እተራኸበት ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቤት ጽሕፈት ሓበሬታን ክፍሊ ማሕተምን ቅድስቲ መንበር ዕለት 4 ግንቦት 2026 ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡

ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንወግዓዊ ምብጻሕ ሃገረ ቫቲካን ንዝኣተወት ናይ ረፓብሊካዊት ኣይስላንድ ርእሰ ብሔር ክብርቲ ወይዘሮ ሃላ ቶማስዶቲር ተቐቢሎም ከም ዘዘራረቡን ካብ ቅዱስነቶም ተሰናቢታ ብናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ጉዳያት ርክብ ምስ ሃገራትን ዓለምለኸ ትካላትን ሊቀ ጳጳሳት ፖል ሪቻርድ ጋላገር ምስ ዝተሰነዩ ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ከም እተራኸበት የመላኽት።

ኣብ ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ኣብ ዝተኻየደ ምዉቕ ክሌኣዊ ዘተ ዘሎ ሰናይ ክልተኣዊ ዝምድና ቫቲካንን ኣይስላንድን ከም ዝጎለሐን፡ ኣብ ምድንፋዕ ሓባራዊ ረብሓ ሕብረተሰብን ብፍላይ ድማ መንእሰያትን እወታዊ ኣበርክቶ ናይቲ ከባቢ ቤተክርስትያን ከም ተሰመረሉ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፡ ኣብቲ ክልተኣዊ ዘተ ብተወሳኺ ኣብ ዞባውን ኣህጉራውን ጉዳያት ብፍላይ ድማ ኣብ ኩነታት ግጭት፡ ኣብ ኣድላይነት ዘተ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ተስፋታት ሰላምን ዘተኮረ ምይይጥ ምክያዱ ኣፍሊጡ።

Photogallery

ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ምስ ናይ ሃገረ ኣይስላንድ ርእሰ ብሔር ቶማስዶቲር ተራኺቦም
05 May 2026, 16:16