ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን፡ ልግሲ ጳጳሳዊ ትካል ምትሕግጋዝ ሓልዮት እግዚኣብሔር ዘርኢ እዩ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ኣሜሪካ ዝመደበሩ ጳጳሳዊ ትካል ግብረ ሰናይ ናብ ሮማ ንግደት ኣብ ዝገብረሉ ዘሎ እዋን ዕለት 1 ግንቦት ኣብ ሃገረ ቫቲካን ከም እተራኸቡን ኣብ ፔሩ ዝርከብ ናይ ቀደም ሃገረ ስብከቶም ቺክላዮ፡ ካብቲ ጳጳሳዊ ትካል ገንዘባዊ ደገፍ ከምዝረኸበ ብምዝካር፡ ተካኢ ጴጥሮስ ኣብ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ንዘለዎም ናይ ሓገዝ ኣገልግሎት ብንዝገብርዎ ዓቢይ ደገፍ ድማ ኣመስጊኖም፡ "ኣባልነት ኣብቲ ጳጳሳዊ ትካል ዓመት ዓመት እናዓበየ ከምዝኸይድን፡ እቲ ዝወሃብ ደገፍ ንምዕባይ ከምኡ'ውን ሓድሽ ናይ ኣገልግሎት መገድታት ንምርካብ ዘለዎ ርሑቕ ዝጥምት ክፉትነት ምስ ፈለጥኩ ድማ ዝፈረረከት ሓጎስ ክገልጸልኩም እፈቱ" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
“ክርስቶስ ንሓዋርያትን ተካእቶም ጳጳሳትን፡ ንቤተ ክርስቲያን ክመርሕዋ እኳ እንተመዘዞም፡ ነፍሲ ወከፍ ካቶሊክ ብቓልን ብግብረ ሰናይን ወንጌል ክእውጅ ተልእኾ ተዋሂብዎ እዩ፡ ቅዱስ ያዕቆብ ንቀዳሞት ማሕበረ ክርስቲያን ከም ዝጸሓፎ እምነት ብዘይ ግብሪ ዝሞተት እያ፡ ናይ ምድሓን ሓይሊ የብላን” ዝበሎ ጠቒሶም፡ “ጐይታ ደቀ መዛሙርቱ ንድኻታትን ተቓላዕትን ክሓልዩ ከም ዝጽውዖም ወንጌል ይምህረና” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን እቲ ትካል ኣብ ወንጌላዊ ተልእኾ ቤተ ክርስቲያን ንዝሳተፉ ካብ መላእ ዓለም ንዝመጹ ሰባት ሰብኣዊ ሓገዝን ናጻ ናይ ትምህርቲ ዕልድን ከም ዝህብ ኣስተብሂሎም። እዚ ድማ ንካህናትን ኣባላት ሰብ ውፉይ ህይወትን ኣብ ቤተ ክርስቲያን መራሕቲ ምእንቲ ክኾኑ ቀጻሊ ምዕቡል ትምህርቲ ክረኽቡ ዝገብር ምዃኑ ኣስተብሂሎም፡ “ለጋስነትኩም፡ ማእለያ ዘይብሎም ሰባት ኣብ ማሕበረሰቦም ንሰናይነትን ሕያውነትን ኣምላኽ ብጭቡጥ መንገዲ ክረኽብዎ ኣኽኢልዎም እዩ - ቢሎም - ቅዱስነቶም ንኣባላት ጳጳሳዊ ትካል ምትሕብባር ንዝገበርዎ ልግሲ ብስም ኩሎም ካብ ሕያውነቶም ተጠቀምቲ ዝኾኑ ሰባት ኣመስጊኖም፡ እዚ ርክብ እዚ ድማ ኣብ ዘመነ ፋሲካ ዝፍጸም ምዃኑ ብምዝካር ኢየሱስ ንደቂ መዛሙርቱ “ሰላም ምሳኻትኩም ይኹን!” እንክብል መጋበርያ ሰላም ክኾኑ ዝሃቦ ዕድመ ኣሐዲሶም፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻይ ንልምዓት “ሰላም” ዝብል ዝሃውብዎ ካልእ ሓድሽ መጸውዕ ኣስተብሂሎም፣ እዚ ድማ “ሓቀይና ስኒት ግጭት ዘይምህላው ጥራይ ዘይኮነስ፣ ንሓቀይና ዘይነጻጸል ውሁድ ሰብኣዊ ምዕባለ ብንጥፈት ካብ ምድንፋዕ ዝመጽእ” ማለቱ ምዃኑ ኣመልኪቶም፡ "እቲ ጳጳሳዊ ትካል ንምትሕግጋዝ ዘሳልጦ ጭቡጥ ተበግሶታት ሓቀይና ምዕባለ ንምድንፋዕ ኣብ መንጎ ማሕበረሰባትን ውልቀሰባትን ስምምዕ ንምትብባዕ ዝመርሕ ርግጸይና መንገዲ'ዩ" ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ኣብ መወዳእታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንጳጳሳዊ ትካል ምትሕግጋዝ ኣብ ሮማ ንዝገብርዎ ግደትን ንኣገልግሎቶምን ንስራሕ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያንን ንዝገበርዎ ደገፍን ምስጋናኦም ኣሐዲሶም፡ “ንኣገልግሎተይ ከም ተካኢ ቅዱስ ጴጥሮስን ንጠለባት ቤተ ክርስቲያንን ቀጻሊ ጸሎትኩም እሓትት” ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።
