ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብ ኣቸራ፡ ' ሓላፍነት ወሲድና ህይወት ነገልግል'

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ኢጣሊያ ዞባ ኣቸራ ኣብ ዘካየድዎ ጒስነታዊ ዑደት ኣብቲ ‘ምድሪ ሓዊ’ ብዝብል መጸውዕ ኣብ ዝፈለጥ ዞባ ንዝርከቡ ከንቲባታትን ተቐማጦ እታ ኸተማን ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ ኵሉ ሰብ ኣንፈት ኣብ ምትኽኻል ክሓብር ተማሕጺኖም፡ ኣብኡ ምርኻቦም ነቲ ናይቲ ከባቢ ተቐማጦ ዝስዕብዎ ቅኑዕን ንሞት ዝቃወምን ሰናይ መገዲ ንምትብባዕን ንምጽናዕን ምዃኑ ከም ዝሓበሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ ነፍሲ ወከፍ ቅኑዕ ልቢ ህይወት ካብ መበቆሉን ብኡንብኡ ብሞት ኣብ ሓደጋ ምስ ዝወድቕን ዝገብርዎ ምልዕዓል ክብርን ሓላፍነትን ንምርግጋጽን ንምትብባዕን” ምዃኖም ኣጊሊሖም፡ ኣብ መንጎኦም ምርኻቦም፡ ከምኡ'ውን "ነቲ ናይቲ ከባቢ ጽባቐ ዝሓክኽ በደል ክድምሰሰ ዘይክኣል ኣብ ዝመስለሉ ዞባ ክበጽሑ" ዝተሰመዖም ሓጎስ ገሊጾም፡ "ኣብ ህይወትና ጽባቐ ዝያዳ ተነቃፊ ብዝዀነ መጠን ዝያዳ ሓልዮትን ሓላፍነትን ከም ዚሓትት ክንርዳእ ንኽእል ኢና - ቢሎም - ቀንዲ ትርጕም እቲ ዘካየድዎ ሓዋርያዊ ዑደት፡ "ነፍሲ ወከፍ ቅኑዕ ልቢ ህይወት ምስ ዓምበበትን ብኡንብኡ ብሞት ምስ እትሳቐን ዝስምዖም ናይ ክብርን ሓላፍነትን ስምዒት ንምርግጋጽን ምትብባዕን እዩ፡ እዚ ስምዒት እዚ፡ ካብ ፈጣሪ እግዚኣብሔር ዝመጸ እዩ። . . . ብርግጽ ብዛዕባ ክብደት ገበናዊ በደልን ንገበን ቦታ ዝገድፍ ዘይምግዳስን ሰፊሕ ንቕሓት ንምምጻእ ሓጊዙ እዩ" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

መጠንቀቕታ ካብ ምድረበዳነት ሕልና

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ነቶም ጳጳሳት ካህናትን ዲያቆናትን ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ኣባላት ሰብ ውፉይ ህይወትን ምመናንን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ስቡሕ ኣንተ ብዝብል ኣርእስቲ ዝለገስዎ ዓዋዲ መልእኽትን ካብ ገዛእ ርእሳ እትወጽ ናብ እትብልን ሲኖዳዊትን ቤተ ክርስቲያን ዝብል ዘቕረብዎ ጻውዒትን ከይወዓሉን ከይሓደሩን ዝተቐበልዎ ምዃኖም ኣመስጊኖም፡ "ብሓባር ምምልላስ ንርእሰ ውከሳ ምስዓር ተቓውሞን ምፍርራህን እናሃለወ ኽነሱ ትብዓት ዝመልኦ ትንቢት ጐይታ ካባና ዝደልዮን መንፈሱ ዘነቓቕሖን እዩ - ቢሎም - ኣብዚ ዞባ እዚ "ህይወት ኣሎ ንሞት ድማ ይጻረሮ። ፍትሒ ኣሎ፣ ኪሰፍን ድማ እዩ፡ ይኹን እምበር ካብ ስራሕ ምብኳርን ነቲ ህልው ኩነታት ብምቕባል ምልምላም ወይ ኣድላዪን ትብዓትን ውሳነታት ንምድንጓይ  ካብ ዝፈታተን ፈተና ኸም ዘየድሕን ብምግላጽ "ህይወት ኪምረጽ ኣለዎ፡ ጽሕፍታው፡ ምጉርምራምን ተሓታትነት ናብ ካልኦት ምስግጋር መዕበዪ ዘይሕጋውነትን ቀዳማይ ምድረበዳነት ሕልናን እዩ" እንክብሉ ከም ዘጠንቀቑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስቓይ ንጹሃትን ህጻናትን

"ነፍሲ ወከፍና ሓላፍነት ንውሰድ፡ ፍትሒ ንመርጽ፡ ንህይወት ነገልግል! እቲ ናይ ሓባር ረብሓ ቅድሚ ንግዳዊ ረብሓ ውሑዳት፡ ቅድሚ ወገናዊ ረብሓ፡ ንእሽቶ ይኹን ዓቢ ክመጽእ ኣለዎ - ቢሎም - እዛ መሬት እዚኣ “ብዙሕ ዋጋ ከም ዝኸፈለት፡ ንብዙሓት ደቃ ከም ዝቐበረት፡ ስቓይ ሕጻናትን ንጹሃትን ከም ዝተዓዘበት” ድማ ኣስተብሂሎም፡ “ዋጋን ክብደትን ናይቲ መከራ፡ ንሓድሽ ኪዳን መሰኻኽር ክንከውን ብሓባር ክንጽዕር የገድደና። ንስኻትኩም ናብ ግዜ ዳግማይ ልደት ትጓዓዙ ኣለኹም፡ እዚ ድማ ናይ ምእላይ ወይ ምኽሓድ ግዜ ዘይኮነስ ናይ ስነ - ምግባራዊ ተግባርን ንጡፍ ዝኽርን እዩ” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ “ኣስተንትኖኣዊ ምጥማት ዝግበረሉ ህሞት እዩ። ስቡህ ኣንተ ብዝብል ኣርእስቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ዝደረስዎ ዓዋዲ መልእኽቲ ንኹሎም ደቂ ሰባት ሓላፍነት ገዛእ ርእሶም ክወስዱ ዝጽውዕሉ እዋን ምዃኑ የተሓሳስበና፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብቲ ብዛዕባ ኣከባቢ - ናይ ሓባር ቤትና ኣማእኪሎም ዝጸሓፍዎ Laudato si - ስቡሕ ኣንተ  ዘርእስቱ ዓዋዲ መልእኽቲ “‘ስነ ምህዳራዊ ባህሊ’ ኣብ ዙርያ ምብራስ ከባቢ፡ ምምዝማዝ ተፈጥሮኣዊ ዕቑር ሃብትን ብከላን ዘስዕቦ ጸገማት፡ ናብ ተኸታታሊ ህጹጽን ከፊላውን ምላሽ ክወርድ ከምዘይክእል የዘኻኽረና፣ ንነገራት ፍልይ ብዝበለ ዓይነት ኣገባብ ምጥማት ይግባእ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣድላይነት ትምህርቲ

ገሊኦም ሰባት ንደቅና ዝሓሸት ዓለም ምሕዳግ "ኣዝዩ ልዑል ህርፋን ዝኾነ እዩ ዝመስል፡ ይኹን እምበር "ዝሓሹ ኣወዳትን ኣዋልድን ንዓለም ናይ ምሕዳግ ተልእኾ ከምኡ ኪኸውን የብሉን። ኣብ ትምህርትን ሕንጸትን ኣገዳስነት ተወፋይነት ቀዳምነት ክህልዎ ዝግባእን እዩ . . . ብርግጽ ንመንእሰያት ግን ከኣ ንዓበይቲ እውን ትምህርቲ ክወሃቦም ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ ንቘልዑ ግን ከኣ ብዕድመ ዝደፍኡ፣ ዜጋታትን መራሕትን፣ ሰራሕተይናታትን ወሃብቲ ስራሕን፤ ካብ ምእመናንን ካህናትን ኵላትና ገና እንመሃሮ ነገር ኣሎና፡ ኵሉ ሰብ ዝህቦ ነገር ኣለዎ ቅድም ግን ምቕባል ክንመሃር ኣሎና። ምሃብ ቀሊል ኣይኰነን፣ እዚ ናይ መጻኢ መጀመርታ እዩ ልክዕ ከምቲ ክሳዕ ሕጂ ዘይሓሰብናዮን ዘይኣመንናዮን ወይ ብግብእ ዘየፍቅርን ማዕጾ ዝኣልይ እዩ፡ ምምሃር ዘይምቁራጽ፦ እዚ እዩ ማሕበረሰብ ዚገብረና” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ሓቀይና ለውጥን ፈውስን

"ንክርስትያን ኣብ መገዲ ምስ ኢየሱስ ምጉዓዝ' ማለት ኣብ ኵሉ ዘመናት ምሉእ ብምሉእ ደቀ መዛሙርቱ ምዃን ማለት እዩ - ቢሎም - ንምድርን ንምልእቲ መሬትን ንምልዋጥ ናብ ዘኽእል ሰናይ ነገር ዝሃንጽ ናይ ሓቂ ቍጠባውን በርገሳውን ሃይማኖታውን ኣተሓሳስባ" ምልዋጥ ምዃኑ ኣጕሊሖም፡ ንሰባትን ትካላትን መንግስታውን ናይ ብሕቲ ውድባትን ነቲ ድሮ ኣብ ትምህርታውን ማሕበራውን ደረጃ ፍረ ዘፍሪ ዘሎ ሕብረት ከደልድሉን ከስፍሑን ተማሕጺኖም፡ "ንገበናዊ ጥምረት ክጻረሮን ከፍርሶን ጥራይ ዘይኰነስ ነቲ ድሮ ኣብ ልብኹም ዘሎ ብሉጽ ሓይልታትን ዓበይቲ ሓሳባትን ብእወታዊ መገዲ ከራኽቦን ከስፍሖምን እዩ” ምስ በሉ፡

ነቶም ብትብዓት ተወፋይነቶም ንመጀመርያ ግዜ ንኽፍኣት እዛ ምድሪ ዝኹንኑ “ፈለምቲ” ኣመስጊኖም።

ነፍሲ ወከፍ "ንምድርን ማይን ኣየርን ብሓባር ምንባር ደቂ ሰብን ዚብክል ተግባራት ዝተሓሓዝ ናይ ሓይልን ሃብቲ ምኽዕባትን ፈተናታት ብምንጻግ ማዕጾ ናይ ሓባር ቤትናን ንጥዕና ፍጥረትን ክሕልዉ ተማሕጸኖም፡ ነቲ ዳርጋ ዝዓብለለናን ኣብ ሕማምን ኣብ ድኽነትን ዝሓድገና ዘሎ "ጐሓፍን ምባኽንን መርዛምን ኣገባብ ምዕባለ” ከም ዝነቐፉ ዜና ቫቲክን የመላኽት።

ጽቡቕ ኣሰራርሓ ማሕበረሰብ ምህናፅ

“ስለዚ ብኻልእ መገዲ ሃብታማት ክንከውን ንመሃር፡ ንዝምድናታት ዝያዳ ኣቓልቦ ክንህብ፡ ንሓባራዊ ረብሓ ዋጋ ንምሃብ ዝያዳ ተወፋይነት፡ ምስ መሬት ዝያዳ ተጣቢቕና፡ ነቶም ኣብ መንጎና ክነብሩ ዝመጹ ኣብ ምቕባልን ምውህሃድን ዝያዳ ምምስጋን” ዝብል መገዲ፡ እቲ ክንጓዓዘሉ ዝግብኣና መንገዲ “ጸቢብ እዩ፣ ምኽንያቱ ካባና፣ ካብ ዘለናዮ ስለ ዝጅምር። ጸገማት ናይ ሓባር ቤትና ጸገምና እዩ፤ ጽባቐኣ ጽባቐና እዩ - ቢሎም - ኣብ ለይቲ ከም ናይ ሓለውቲ ዕማም ኣሎና። ንሕና እውን ካብቶም ሓድሽ ወጋሕታ ዝርእዩ ሰባት ክንከውን ንኽእል ኢና" እንክብሉ መደረኦም ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

25 May 2026, 15:14