ር. ሊ. ጳ. ድሕሪ 50 ዓመት ግዳያት ናይቲ ኣብ ኢጣልያ ዘጋጠመ ቀታሊ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዘኪሮም
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ መበል 50 ዓመት ናይቲ ሓደጋ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ቴለግራም መልእኽቲ፣ ነቶም ኣብ ሰሜናዊ ኢጣልያ ኣብ እትርከብ ከተማ ፍሪዩሊ ብዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ ምድሪ እተጐድኡ ሰባት ዘለዎም መንፈሳዊ ቅርበት ገሊጾም። ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ንህዝቢ ፍሪዩሊን ዝጸሓፍዎን፣ ናብ ብፁዕ ሊቀ ጳጳሳት ሪካርዶ ላምባ ሜትሮፖሊታን ሊቀ ጳጳሳት ሰበኻ ፍሪዮሊ ዝለኣኽዋ መልእኽቶም፣ "ኣብቲ ብብፁዕ ካርዲናል ማትዮ ዙፒ ተመሪሑ ዝዓረገ መሥዋዕተ ቅዳሴ ብመንፈስ ይሓብር ኣሎኹ፣" ብምባል ንዝኽሪ እቶም ግዳያት ምስኣቶም ከም ዘለዉ ገሊጹ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መልእኽቶም፣ ምእንቲ ስድራ ቤታት እቶም ግዳያት ከም ዝጽልዩ ብምርግጋጽ፣ "ነቶም ብሞት ዜፍቅርዎም ሰባት ዝሓዘኑ ሰባት ዜጸናንዕ ቃላት" እውን ኣካፈልዎም።
እዛ ብዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር፣ ብካርዲናል ፔትሮ ፓሮሊን እተፈረመት ናይት ቴለግራም መልእኽቲ፣ ኣስዒባ ነቲ ኣብ እዋን ዕንወት እተላዕለ ኣቢይ ምንቅስቓስ ሓድነትን ምትሕግጋዝን እውን ተጕልሕ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መልእኽቶም፣ "ንዅሎም እቶም ካብ እተፈላለያ ሃገራት ዝሓገሱ ሰባት" ኣመስጊኖም፣ ነቲ "ደኺመ ዘይብል ዕዮ ናይቲ ኸባቢ ማሕበረሰብ" ድማ ነኣድዎ። እቲ መልእኽቲ ከም ዝገለጸቶ፣ እዚ ምንቅስቓስ እዚ "ናብ ንቡር ህይወት ብቕልጡፍ ክምለስ" ከምኡውን "ኣብነታዊ ዳግመ ህንጸት" ተባሂሉ ዝግለጽ ተግባር ምዃኑ እውን ተመላኽት።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም፣ "ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዜሳቒ ዅነታት ብኢጣልያውያንን ወጻእተኛታት ማሕበረሰብን እተራእየ ሰብኣውን ክርስትያናውን ሓድነት" ኣጕሊሖም፣ "ዝኽሪ እዚ ዜሕዝን ፍጻመ እዚ ንስነ-ምግባራዊ ስርዓታት ሕውነትን ልግስን ዳግም ከም እንሓስብ ክገብረና ተስፋ ይገብር" ድማ ይብሉ።
ኣብ መወዳእታ ቅዱስ ኣቦና፣ "ንመላእ ህዝቢ ፍሪዩሊ ናብ ዕቝባ ቅድስቲ ድንግል ማርያምን" ከምኡ'ውን ነቶም ጠበቓ እቲ ከባቢ ዝኾኑ ቅዱሳን ሄርማጎራስን ፎርቱናተስን ብሕድሪ ኣወፈይዎም።
