ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ንኣገልግሎት ጳጳሳዊ ሓለዋ ጸጥታ ስዊዘርላንድ የመስግኑ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ስነ ስርዓት ቃለ መሓላ 28 ሓደስቲ ኣባላት ናይ ጳጳሳዊ ሓለዋ ጸጥታ ስዊዘርላንድ ከም እተረኸቡን ኣብቲ ስነ ስርዓት ቃለ መሓላ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ንጳጳሳዉ ሓለዋ ጸጥታ ስዊዘርላድ ስለ ኣገልግሎት ከም ዘመስገኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዕለት 6 ግንቦት ድሕሪ ቀትሪ፡ 28 ሓደስቲ ኣባላት ጳጳሳዊ ሓለዋ ጸጥታ ስዊዘርላንድ ናይ ተኣማንነት ቃለ መሓላ ከምዝፈጸሙን ናይ ጳጳሳዊ ሓለዋ ጸጥታ ስዊዘርላንድ ኣዛዚ ክሪስቶፍ ግራፍ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ንህላወ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ክብሪ ብምሃብ፡ ኣብቲ ስነ ስርዓት ምርኻቦም ቅዱስነቶም ምስ ጳጳሳዊ ሓለዋ ጸጥታ ስዊዘርላንድ ናይ ዘለዎም ቅርበት ክቡር ምልክት ምዃኑ ኣጉሊሑ፡ ነቶም ኣብቲ ስነ ስርዓት ዝተረኽቡ ናይ መግንስትን ፖለቲካን ኣካላት ከምኡ እውን ነቶም ናይቶም ቃለ ማሕላ ዝፈጸሙ ኣባይቲ ስድራን ምስጋናኡ ከም ዘቕረበ ኣፍሊጡ።

ኣብ መዛዘሚ እቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ ኣብቲ ስነ ስርዓት ንዝተረኽቡ ናይ ስዊዘርላንድ ርእሰ ብሔርን ካልኦት ናይ ፖለቲካን ሓይሊ ምክልኻልን ወከልቲ ምውቕ ሰላምታኦም ቅድሚ ምቕራቦም ብቐዳምነት ንኣባይቲ ስድራ ቃለ መሓላ ናይ ዝፈጸመ ሓደስትን ነባራትን ኣባላት ጳጳሳዊ ሓለዋ ጸጥታ ስዊዘርላንድን ኣመስጊኖም ከምኡ'ውን ነቶም ሓደስቲ ቃለ ማሓላ ዝፈጸሙ ኣባላት ጳጳሳዊ ሓለዋ ጸጥታ ስዊዘርላንድ "ክብርን ምስጋናን" ብምቕራብ እቲ ዝተፈጸመ ማሓላ፡ ካብ ናይ መንእሰይ ኒሕ፡ እምነት ኣብ እግዚኣብሔር፡ ፍቕሪ ቤተ ክርስቲያን ናይ ዝነቐለ ተኣማንነት ምስክር ምዃኑ ከም ዘጒልሑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ትርጉም ኣገልግሎት

ኣብ መጀመርታ ናይቲ ስነ - ስርዓት፡ ናይ ጳጳሳዊ ሓለዋ ጸጥታ ስዊዘርላንድ ኣዛዚ ክሪስቶፍ ግራፍ ብዛዕባ ዘመናዊ ርድኢት “ኣገልግሎት” ኣስተንቲኑ ሎሚ እቲ ቃል መብዛሕትኡ ግዜ ከም ባዶ ሓረግ ይንጸግ ወይ’ውን ንውልቃዊ ዕግበት ከም ዕንቅፋት ከም ዝረአ ኣስተብሂሉ፡ ገሊኦም ድማ ብጌጋ ምግልጋል ምስ ትሑት ወይ ዘዋርድ ነገር ማዕረ ይገብርዎ - ቢሉ - ንኻልኦት ምህላው ኣብ ሕመረት ናይቲ ሰብ ምዃን እዩ፡ ማለት "ክእለትና ንኻልኦት ብምጥቃም ጥራይ ኢና ብሓቂ ንነብስና ነማልእ" እንክብል ኣስሚሩሉ፡ ኣገልግሎት ዕንቅፋት ዘይኮነስ ንውልቃዊ ዕብየት ዕድል ምዃኑ ከም ዘጒለሐ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ናይዚ ቅዲ ሕይወት እዚ መሰረታዊ ኣብነት ድማ - ክግልገል ዘይኮነስ ከገልግል ዝመጸ ኢየሱስ ክርስቶስ ምዃኑ ኣጒሊሑ፡ እዚ ክርስትያናዊ ኣብነት፡ ካብ ትዕቢትን ርእሰ ፍትወትን ነጻ ካብ ዝኾነ መገዲ ወጻኢ ስልጣን ብዘይግቡእ ምጥቃም ዘወግድ ምዃኑ ኣብሪሁ፡ እቶም ዘገልግሉ ልዕሊ እቶም ዘገልግልዎም ከም ዘይኮኑ ከስተውዕሉ ድማ ከም እተላበዉ ኣመላኺቱ፡ ተልእኾ ጳጳሳዊ ሓለዋ ጽጥታ ስዊዘርላንድ፡ እዚ ማለት ንቅዱስ ኣቦና ከም ተካኢ ሓዋርያ ጴጥሮስ ብዘይ ዕንቅፋት ኣገልግሎቶም ክፍጽሙ፡ ብኹሉ ሓይሎም ምድጋፍን ሓለዋኦም ምርግጋጽን ዝብል ምዃኑ ከም ዘዝኻኸረ ኣፍሊጡ።

ናይ ምስጋና ቃል

ኣብ መዛዘሚ እቲ ኣዛዚ ነቶም መንእሰያት ንኸገልግሉ ድልውነቶም ኣመስጊኑ። ኣብ ሓለዋ ዝጸንሑሉ ግዜ ንነፍሲ ወከፎም ብውልቂ ንኽዓብዩን ናይ ጸዋዕታ ስምዒት ንኽዓምቁን ክሕግዞም ተስፋ ከምዘለዎ ገሊጹ። እቲ ዝፈጸምዎ ማሕላ፡ ወግዓዊ ግዴታ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንነብሶም - ብቓልን ብግብርን - ንጽቡቕ ሕብረተሰብ ክውፈዩ ዝብል መብጽዓ ምዃኑ ከም ዘብረሀ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

07 May 2026, 16:41