ድለ

መደብ ሓዋርያዊ ጉዕዞ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ናብ ስጳይና መደብ ሓዋርያዊ ጉዕዞ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ናብ ስጳይና  (@Vatican Media)

መደብ ሓዋርያዊ ጉዕዞ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ናብ ስጳይና

ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቤት ጽሕፈት ዕለት 6 ግንቦት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮስ መበል 14 ድሕሪ ሓደ ወርሒ ኣብ ስጳይና ከካይድዎ ናይ ዝኾነ ሓዋርያዊ ዑደት ዝርዝር መደባት ወግዓዊ ከም ዝገበሮን ቅዱሰንቶም ኣብዚ ምብጻሕ እዚ ኣብ ማድሪድ፡ ባርቸሎናን ደሴታት ካናሪን ክበጽሑን፡ ነቲ ኣብ ዓለም ዝነወሐ ባዚሊካ ቅድስቲ ስድራ ቤት ክባርኹን ዑደት ከካይዱን ከም ዝኾኑ ይሕብር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቤት ጽሕፈት ሓበሬታን ክፍሊ ማሕተምን ቅድስቲ መንበር ዕለት 6 ግንቦት ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ናብ ስጳይና ዝገብርዎ ሃዋርያዊ ጕዕዞ ዓሰርተ ክልተ መደረን ኣርባዕተ መስዋዕተ ቅዳሴ ከምኡውን ምስ ፖለቲካዊ፣ ቤተ-ክርስትያንን በረገሳውን መራሕቲን ዘካይድዎ ርክብ ዘጠቓልል ኮይኑ ከተማ ማድሪድ ባርቸሎናን ደሴታት ካናሪን ክበጽሑ ምዃኖም የረጋግጽ።

ምሉእ መደብ ናይቲ ቅዱስነቶም ኣብ ማድሪድ ዘካይድዎ ሓዋውርያዊ ዑደት ከም ዝሕብሮ፡ ቅዱስ ኣቦና ካብ ዕለት 6 ሰነ ናብ ርእሰ ከተማ ስጳይና ክኣትዉ እዮም፣ ንጉስ ፊሊፐ ሻድሻይ ድማ ኣብ ንጉሳዊ ቤተ መንግስቲ ኣቀባብላ ክገብርሎምን ብድሕሪኡ ምስ ሰበስልጣን መንግስቲ፣ ወከልቲ በርገሳዊ ማሕበራትን ኣብ ስጳይና ምስ ዝርከቡ ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ልኡካነ መንግስታት ክራኸቡን ምሸት ኣብ ማእከላይ ማድሪድ ኣብ ዝርከብ ፕላዛ ደ ሊማ ምስ መንእሰያት ክራኸቡን ጸሎት ዋዜማን ክመርሑ እዮም፡ ንጽባሒቱ ዕለት 7 ሰነ ኣብ በዓለ ቅዱስ ቁርባን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ኣደባባይ ደ ሲቤለስ መስዋዕተ ቅዳሴ ክሰርዑን ኣብ ስጳይና ምስ ዘገልግሉ ኣባላት ማሕበር ቅዱስ ኣጎስጢኖስ ብውልቂ ክራኸቡን ኣስዒቦም ምስ ወከልቲ ባህልን ስነ ጥበብን ንግድን ኣብ ሞቪስታር ናይ ምርኢት ቅርዓት ክራኸቡ ከም ዝኾኑ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓበሬታን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዕለት 8 ሰነ ንግሆ ምስ መራሔ መንግስቲ ስጳይና ፔድሮ ሳንቸዝ ቅድሚ ንህዝባውን ላዕለዋይ ሓጋጊ ቤት ምኽሪ ኣባላት ዘስምዕዎ መደረ ክራኸቡ እዮም። ቀጺሎም ኣብ ዋና ቤት ጽሕፈት ጉባኤ ጳጳሳት ስጳይና ምስ ጳጳሳት ስጳይና ክራኸቡን ምሸት ኣብ በርናበው ምስ ማሕበረሰብ ሃገረ ስብከት እቲ ከባቢ ክራኸቡ ከም ዝኾነ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓበሬታን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ምረቓ ባዚሊካ ቅድስቲ ስድራ ቤት

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዕለት 9 ሰነ ናብ ባርቸሎና ክገሹን ነቲ ኣብታ ከተማ ዘሎ ዝተሓደሰ ባዚሊካ ቅድስቲ ስድራ ቤት ክምርቑን ነቲ ናይቲ ባዚሊካ ግምቢ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣተሰምየ ኣብ ዓለም ኣዚዩ ብንውሓቱ ዝፍለጥ ክባርኹ እዮም። እቲ ኣብቲ ባዚሊካ ዘሎ ዝነውሐ ቅድሚ 16 ዓመት ብር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ዝተባረኸ መብዛሕትኡ ግዜ “መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ እምኒ” ተባሂሉ ዝግለጽ ሎሚ ዓመት መበል ሚእቲ ዓመት ካብዚ ዓለም ብሞት ምፍላዩ ብዝዝከር ብፍሉጥ ካታሎናዊ ናይ ስነ ህንጻ ሊቅ ኣንቶኒዮ ጋውዲ ዝተነድፈ ክባርኹ እዮም።

ስደትን ደሴታት ካናሪን

ኣብ ጎድኒ ዘዕርግዎ ቅዳሴታትን ወግዓዊ ጽምብላትን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብዛዕባ እተገለሉ ማሕበረሰባት ዘለዎም ሻቕሎት ከም ብሓድሽ ከጕልሑ እዮም፡ ኣብ ማድሪድ ግዳም ሓደር ኣሕዋትን ኣሓትን ዝዕቆቡሉ ማእከል ከበጽሑ ኣብ ባርቸሎና ኣብ ዝርከብ ቤት ማሕቡስ ከብጽሕን ከም ዝኾኑን ኣብቲ ናይ መወዳእታ ክፋል እቲ ዝገብዎ ሓዋርያዊ ጉዕሶ ስደትን ስደተይናታት ማእከላይ ቦታ ክሕዝብ እዩ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዕለት 11 ሰነ ናብተን ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ገማግም ኣፍሪቃ ዝርከባ ደሴታት ካናሪ ክበጽሑን፣ ደሴታት ካናሪ ስደተይናታት ናብ ኤውሮጳ ዝኣትውሉ ቀንዲ መተሓላፎ ከም ዝኾነን ኣብ ላስ ፓልማስ ደ ግራን ካናርያን ሳንታ ክሩዝ ደ ተነሪፍን መስዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉ እዮም እዚ ድማ ብዛዕና ኣቀባብላን ሓገዝን ስደተይናታት ዘገልግሉ ዜጋታት ንምትብባዕ ዝሃቀነ ምዃኑ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓበሬታ ክፍሊ ማሕተምን መገልጺ የረጋግጽ።

07 May 2026, 16:34