ድለ

UKRAINE-CRISIS/BORDER-MARIUPOL-MOTHERS UKRAINE-CRISIS/BORDER-MARIUPOL-MOTHERS  (Eva Korinkova)

ር. ሊ. ጳ. ልዮን ኣብ መዓልቲ ኣዴታት ምእንቲ ነፍሲ ወከፍ ኣደ ጸልዮም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ መበል 14 ንቅድስት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ታዋድሮስ ዓመታዊ "መዓልቲ ዕርክነት ኮፕቲክን ካቶሊክን ሰላምታ ይልእኽዎም፣ ንመንፈስ ተቐባልነት ዜጋታት ደሴታት ካናሪ ነኣዶ፣ ንዅለን ኣዴታት ድማ ሕጉስ መዓልቲ ኣደ ይምነኹ።

ኣባ ተውልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

መዓልቲ ኣዴታት ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ልዕሊ 40 ሃገራት፣ ኣብ ካልአይቲ ሰንበት ናይ ወርሒ ግንቦት ኢዩ ተኸቢሩ ዝውዕል፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ድማ ንዅለን ኣዴታት ፍሉይ ሓሳባቶም ብምክፋል ነዚ ዕለት እዚ ኣይዘንገዕዎን።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ትማሊ ሰንበት ደድሕሪ ጸሎት ኦ ንግስተ ሰማይ ኣብ ዘካፈልዎ ቃል ሰላምታን ምሕጽንታን፣ ነቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዝተረኽቡ ምእመናን እንክዛረቡ "ብኣማላድነት ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣደ ኢየሱስን ኣዴናን፣ ንነፍሲ ወከፍ ኣደ ብፍላይ ከኣ ነተን  ኣብ ኣዝዩ ጽንኩር ኵነታት ዝርከባ ዘለዋ ብፍቕርን ሞሳን ንጸሊ" ክብሉ ተላበው።

መዓልቲ ዕርክነት ኮፕቲክን ካቶሊካውያንን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ወሲኾም፣ ንርእሲ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስትያን ግብጺ ሕውነታዊ ሰላምታ ኣቕሪቦም፣ "ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ዕለት 10 ግንቦት 'መዓልቲ ዕርክነት ኮፕቲክን ካቶሊካውያንን' ተዘኪሩ ይውዕል ኣሎ" ክብሉ እውን ኣመልከቱ።

"ንብፁዕ ወቅዱስ ፓትርያርክ ታዋድሮስ ዳግማዊ ሕውነታዊ ሰላምታይ ኣቕርብ፣ ስለ መላእ ሕዝቢ እታ ፍቅርቲ ቤተ-ክርስትያን ኮፕቲክ ድማ ጸሎተይ ከረጋግጸሎትም እፈቱ፣ እቲ ናይ ምሕዝነት ጕዕዞና ናብቲ 'ኣዕሩኽይ' ክብል ዝጸውዓና ክርስቶስ ናብ ምሉእ ሓድነት ክመርሓና ድማ ተስፋ እገብር" በሉ።

ምስጋና ንደሴታት ካናሪ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣስዒቦም እውን "ህዝቢ ደሴታት ካናሪ ዝልለየሎም ናይ ምቕባል መንፈስ" ዘለዎም ናይ ምስጋና ቓላት ገሊጾም።

ደሴታት ካናሪ ንተጓዓዝቲ ናይታ "ናይ ሆንዲየስ ክሩዝ መርከብ ብሃንታ-ቫይረስ እተጠቕዑ" ከም እተቐበልዎም ብምጥቃስ፣ "ኣብ ዝቕጽል ወርሒ ናብተን ደሴታት ኣብ ዝገብሮ ምብጻሕ ክረኽበኩም ተስፋ እገብር" ክብሉ ድማ ሓጐሶም ገለጹሎም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መደምደምታ ካብ ዕለት 6 ክሳዕ 12 ሰነ ናብ ሃገረ ስጳኛ ሃዋርያዊ ዑደት ክገብሩ መዲቦም ኣለዉ፣ ነተን ናይ መወዳእታ ኽልተ መዓልትታት ናይቲ ጕዕዞ ድማ ኣብ ደሴታት ተነሪፍን ግራንን ካናርያን ከሕልፍወን ኢዮም፣ ኣብኡ ድማ ንስደተኛታትን ንምሕጋዝ ምስ እተወፈዩ ውድባትን ተቕዋማትን ክራኸቡ ኢዮም።

11 May 2026, 16:37