ር. ሊ. ጳ. ምእንቲ ኣብ ቻይናን ማእከላይ ምብራቕን ዝርከቡ ክርስትያን ምእመናን ጸልዮም
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ደድሕሪ እቲ ናይ ዕለተ ሰንበት ጸሎት ኦ ንግሥተ ሰማይ ዘካፈልዎ ሓስባት፣ ዓለምለኻዊ መዓልቲ ጸሎት ምእንቲ ቤተ-ክርስትያን ቻይና ምኹኑ እውን ዘከሩ። ቅዱስነቶም ከም ዝገለጽዎ፣ እዛ መዓልቲ ጸሎት ምስታ ኣብ ሻንጋይ እትርከብ ቤተ መቕደስ ሸሻን፣ "ብዓሚቝ መንፈሳውነት" እትኽበር ቅድስት ድንግል ማርያም ረድኤት ክርስትያን እትሰማማእ ምዃኑ እውን ኣመልከቱ።
በዚ ኸምዚ ቅዱስ ኣቦና ንማሕበረሰብ ክርስትና ሃገረ ቻይና፣ ናብ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ብሕድሪ ኣወፈይዎም፣ ንሳ ድማ ኣብ ወንጌላዊ ምስክርነት ክትቅጽሉ ተኽእሎም ኢያ ክብሉ ገለጹ።
"ጸሎትና ምስ ካቶሊካውያን ሃገረ ቻይና ነሕብር ኣሎና፣ እዚ ድማ ምልክት ፍቕርናን፣ ንዓታቶም ከምኡውን ምስ ኣድማሳዊ ቤተ-ክርስትያንን ምስ ተኸታሊ ጴጥሮስን ዘለዎም ሕብረት እዩ። ኣማልድነት ንግስተ ሰማይ ቅድስቲ ድንግል ማርያም፣ ነቲ ኣብ ቻይና ዘሎ ኣማኒ ማሕበረሰብ፣ ጸጋ ሓድነት ይሃቦ፣ ዘርኢ ተስፋን ሰላምን ምእንቲ ኪዀኑ ድማ፣ ኵሉ ሰብ ኣብ መዓልታዊ ቓልሶም ወንጌል ንኺምስክሩ ብርታዐ ይኹኖም። ብፍላይ ነቶም ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ሰሜናዊ ቻይና ብዘጋጠመ ሓደጋ ዕደና ግዳያት ዝኹኑ ሰባት ዘለኣለማዊ ሰላምን ይሃቦም" ክብሉ እውን ምሕጽንታኦም ኣካፈሉ።
ጸሎት ምእንቲ ክርስትያን ምእመና ቅድስቲ ምድሪ
ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣስዒቦም ድማ፣ "ነቶም ብኲናት ዝሳቐዩ ዘለዉ፣ ኣብ ቅድስቲ መሬትን ሃገረ ሊባኖስን፣ ኣብ መላእ ማእከላይ ምብራቕን ዝርከቡ ክርስትያን ምእመናን" ብሕድሪ ናብታ ረድኤት ክርስትያን ዝኾነት ቅድስቲ ድንግል ማርያን ከወፍይዎም ዘቕረብዎ ጻውዒት ዳግም ኣሐደስዎ።
