ድለ

2026.05.09 S.E. il Signor Alix Didier Fils-Aime, Primo Ministro di Haiti 2026.05.09 S.E. il Signor Alix Didier Fils-Aime, Primo Ministro di Haiti  (@VATICAN MEDIA)

ር. ሊ. ጳ. ልዮን ንመራሔ መንግስቲ ሪፓብሊካዊት ሃገረ ሃይቲ ተቐቢሎም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዝሓለፈ ቀዳም ዕለት 9 ግንቦት፣ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ንቐዳማይ ሚኒስተር ሪፓብሊካዊት ሃገረ ሃይቲ ኣሊክስ ዲድየ ፊልስ-ኤሜ ተቐቢሎም ከም ዘዘራረቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ዘውጽኦ መግለጺ ኣመልኪቱ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንቀዳማይ ሚኒስተር ሪፓብሊካዊት ሃገረ ሃይቲ ኣሊክስ ዲድየ ፊልስ-ኤሜ ኣብ ቫቲካን ተቐቢሎም ከም ዘዘራረቡ ናይ ቅድስቲ መንብር ቤትጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣመልኪቱ።

መራሔ መግሥቲ ሃገረ ሃይቲ ቀጺሉ ምስ ዋና ጸሓፊ  ቅድስቲ መንበር ሃገር ቫቲካን ብፁዕ ካርዲናል ፔትሮ ፓሮሊን ከምኡውን ምስ ዋና ጸሓፊ ርክባት ሃገረ ቫቲካን ምስ ሃገራትን ኣህጉራውያን ውድባትን ብፁዕ ሊቀ ጳጳሳት ፖል ሪቻርድ ጋለገርን ኣብ ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ተራኺቡ።

ብመሰረት እቲ ካብ ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቅድስቲ መግለጺ ከም ዘመልከቶ፣ እቲ ዘካየድዎ ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ኣብ መንጎ ቅድስቲ መንበርን ሃገረ ሃይቲን ጽቡቕ ዝምድናን ኣፍልጦ ዝህብን ምንባሩ የመላኽት።

ኣብቲ ዘካየድዎ ዘተ ቤተ-ክርስትያን ኣብዚ እዋንም ብዛዕባ እቲ ነታ ሃገር እትገብሮ ዘላ ጠቓሚ ኣበርክቶ ዘተኰረ ከምኡ'ውን ኣብ ሃገረ ሃይቲ ንገለ እዋናዊ ጕዳያት ከም ማሕበራውን ፖለቲካውን ኵነታትን ኣብ ሰብኣዊ ስደትን ጸጥታን ዘሎ ብድሆታት ከም ዘተኰረ ዜና ቫቲካን ገሊጹ።

ኣብ መወዳእታ ድማ ብዛዕባ እቲ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ነዚ ሕጂ ዘሎ ጸገማት ንምፍታሕ ኣድላዪ ኣበርክቶ ኸም ዘለዎ ዝብል ሓሳባት ዘቲዮም።

11 May 2026, 16:29