2026.05.06 ክሌኣዊ ርክብ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምስ ናይ ስዊዘርላንድ ርእሰ ብሔር 2026.05.06 ክሌኣዊ ርክብ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምስ ናይ ስዊዘርላንድ ርእሰ ብሔር  (@Vatican Media)

ክሌኣዊ ርክብ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምስ ናይ ስዊዘርላንድ ርእሰ ብሔር

ቅድሚ ዓመታዊ ቃለ መሓላ ጳጳሳዊ ሓይሊ ጸጥታ ስዊዘርላንድ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ዕለት 6 ግንቦት ኣብ ቫቲካን ንርእሰ ብሔር ስዊዘርላንድ ጋይ ፓርሜሊን ተቐቢሎም ከም ዘዘራረቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንርእሰ ብሔር ስዊዘርላንድ ጋይ ፓርሜሊ፣ ዕለት 6 ግንቦት ቅድሚ እቲ ድሕሪ ቀትሪ ዓመታዊ ስነ ስርዓት ቃለ መሓላ ጳጳሳዊ ሓለውቲ ጸጥታ ስዊዘርላንድ ኣብ ሃገር ቫቲካን ተቀቢሎም ከም ዘዘራረቡን ድሕሪ’ቲ ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝተገብረ ርክብ ርእሰ ብሔር ስዊዘርላንድ ብናይ ሃገረ ቫቲካን ርክብ ምስ ሃገራትን ኣህጉራዊ ትካላትን ዋን ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ፖል ሪቻርድ ጋላገር ምስ ዝተሰነዩ ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ከም እተራከቡን ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፡ እቲ ዝተኻየደ ዘተ ምዉቕ ምንባሩን ብዛዕባ እቲ ሰናይን ፍረ ዘለዎን ክልተኣዊ ዝምድና ሓባራዊ ዕጋበት ዘረጋገጸን፡ ንእሙንን ሞያዊን ኣገልግሎት ጳጳሳዊ ሓለዋ ጸሕታ ስዊዘርላንድ ብፍሉይ ኣቃልቦ ዝሃበ ምንባር ኣመላኺቱ፡ ብጀካ እዚ እውን ብደረጃ ዓለምለኻውን ዞባውን ሓባራዊ ረብሓ ኣብ ዘለዎም ጉዳያት ኣተኲሮም ሃገር ቫቲካንን ስዊዘርላንድን ብሓባር ከምዝሰርሑ ኣረጋጊጾም ብፍላይ ኣብ ዩክሬንን ማእከላይ ምብራቕን ዝካየድ ዘሎ ግጭታት ብምዝካር ንምድንፋዕ ሰላም ብደረጃ ብዝሓ ጎናዊ ምትሕብባር ሃገረ ቫቲካንን ስዊዘርላንድን ድልውነተን ከም ዝረጋገጹ ኣፍሊጡ።

06 May 2026, 16:36