ር. ሊ. ጳ.፦ መንፈስ ቅዱስ ሰላም ዘሰፈና ሕውነታዊት ዓለም ንምህናጽ ኪሕግዘና ጸልዮም
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብቲ ዝሓለፈ ሰንበት ዕለት 24 ግንቦት፣ ኣብ ናይ መወዳእታ ናይ 2026 ዓ.ም. ጸሎት ኦ ንግሥተ ሰማይ፣ ኣብ ዝለገስዎ ናይ ዕለቱ ኣስተንትኖ ቃለ ኣምላኽ፣ "መንፈስ ቅዱስ፣ ኣየናይ ማዕጾ እዩ ዝኸፍት?" ዝብል ሕቶ ኣቕረቡ። ኣብቲ ሙቐትን ቀውታ ጸሓይን ዝነበሮ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቶም ኣባኡ እተረኽቡ ምእመናን መንፈሳውያን በጻሕትን፣ "ነቲ ኣብታ ቀዳመይቲ ቤተ-ክርስትያን ብብዝሒ ዝፈሰሰ፣ ሎሚ ድማ ንኣባላታ ከም ብሓድሽ እተዋህበን፣ ኣብ መዓልታዊ ዅነታትና ብርሃንን ብርታዐን ዝሃበና" ውህበት መንፈስ ቅዱስ ኬስተንትኑ ጻውዒት ኣቕረቡ። ኩሎም ምእመናን ንመንፈስ ቅዱስ ኪጽውዑን፣ "ነቲ ገና እተዓጽወ ዘበለ ዅሉ ማዕጾ ኪኸፍተልና ክልምንዎን" ተማሕጺኖም።
"ኵሉ ሰብ ከም ቤቱ ዀይኑ ዝስምዖ ቤተ-ክርስትያን ምእንቲ ኽንምስርትን፣ ኣብ መንጎ ዅሎም ህዝብታት ሰላም ዝሰፈኖ ሕውነታዊ ዓለም ምእንቲ ኽንሃንጽን፣ ንኣምላኽ ከምቲ ዜፍቅረና ኣቦ ጌርና እንደገና ኽንረኽቦን ኣሎና" በሉ።
ምስ ሓቀይና እምነት ምርኻብ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ ኣብ ግብሪ ሓዋርያት ተገሊጹ ዘሎ "ብርቱዕ ንፋስ" ብምዝካር፣ "ንደቀ መዛሙርቲ ኢየሱስ ወጺኦም ወንጌል እቲ ዝተንስአ ክርስቶስ" ኪሰብኩ ዝደረኾም "ብርቱዕ ንፋስ" ኢዩ ዝንበረ ክብሉ ገሊጾምዎ ይርከቡ። ቅዱስነቶም ከም ዝገለጽዎ፣ እቲ ቐዳማይ ክኽፈት ዘለዎ ማዕጾ እቲ ናይ ኣምላኽ ባዕሉ ኢዩ፣ ንሱ "ሓቀይና እምነት ዝህብ፣ ንትርጕም ቅዱሳት መጻሕፍቲ ንኽንርዳእ ዝሕግዘና፣ ከም ብጻይና ገይሩ ንገዛእ ርእሱ ዝገልጽን ከምኡውን ኣብ ህይወቱ ንኽንካፈል ዝገብረናን ኢዩ" እውን በሉ።
"መንፈስ ቅዱስ ብዛዕባ ኣምላኽ ብሕታዊ ተመክሮ ንኽንህልወና፣ ሕጊ ኣብ ምሕላው ጥራይ ዘይኰነስ፣ ኣብ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ክንራኸብ፣ ኣብ ውሽጥና ንኸነለልዮን ኣብ መዓልታዊ ህይወትና ምልክታት ህላወኡ ንኽንፈልጥን ይሕግዘና እዩ።”
ሓንጐፋይ ኢላ እትቕበል ቤተክርስቲያን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም፣ "እቲ ኻልኣይ ማዕጾ ናይ ላዕለዋይ ደርቢ፣ ማለት ናይ ቤተ-ክርስትያን እዩ" ብምባል እውን ኣጕልሑ። ከምቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ብተደጋጋሚ ዝበልዎ ዝንበሩ፣ ቤተ-ክርስትያን ክፉት ማዕጾ ዘለዋ ምእንቲ ኽትከውን፣ "ኣብ ቅድሚ ብድሆታት ዓለም" ፍርህን ጭንቀትን ዘጥፍእ ንሱ እቲ መንፈስ ቅዱስ ኢዩ ክብል እውን ኣስተንተኑ።
"መንፈስ ቅዱስ ንማዕጾ ቤተ-ክርስትያን ንዅሉ፣ እንተላይ ነቶም ንኣምላኽን ንብጻዮምን፣ ኣብ ተስፋን ሓጐስ ህይወትን ማዕጾኦም ዝዓጸዉ ዘበሉ፣ ተቐባሊትን ሓብሓቢትን ምእንቲ ኽትከውን ኣፍደጌኣ ይኸፍተላ።”
ናይ ፍቕሪ ቛንቛ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መወዳእታ ከም ዝገለጽዎ፣ እቲ ሳልሳይ ማዕጾ ናይ ልቢ ወድ ሰብ ማዕጾ እዩ፣ እዚ ድማ ኣብ መንጎ ህዝብታት ሕውነት ምእንቲ ኺውለድ ክኽፈት ዘለዎ ኣፍደገ ኢዩ ክብሉ ኣስተንተኑ።
“መንፈስ ቅዱስ ንምጽራርን ስስዐን ዘይምትእምማንን ጽልእን ንኽንዋጽኣሉ ይሕግዘና፣ ከም ደቂ ኣምላኽን ከም ኣሕዋትን ኣሓትን መጠን፣ ንሓድሕድና ንኽንነብር የኽእለና። ኣብቲ መንፈስ ጐይታ ዘለዎ ሕውነት፣ ኣብ መንጎ ውልቀ-ሰባትን ጕጅለታትን ህዝብታትን ምድሪ ድማ እዩ ዚውለድ፣ ኵላቶም ከኣ ሓደ ዓይነት ቋንቋ ፍቕሪ ክዛረቡ ይጅምሩ፣ እዚ ድማ ፍልልያት እናሃለወና ኽነሱ ሓድነትን ስኒትን ዜምጽእን መንፈስ እዩ" ክብሉ ኣስተንትኖኦም ዛዘሙ።
